እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይ ወረቐት ባጤራ ምጥቃም የኽትም ዶ ይኸውን?
ኣብ ኬንያ ማስቲካ ንክትገዝእ ናይ ግድን ወረቐት ባጤራ (ገንዘብ) ኣየድልየካን እዩ። ህዝቢ እታ ሃገር ብስፍሓት ዝጥቀመሉ ዘሎ ሳፋሪ ኮም ‘ኤምፔሳ’ (ብሞባይል ናይ ገንዘብ መዘዋወሪ ሜላ) እኹል እዩ።
ኬንያውያን ኣብ 2007 እዮም ብሞባይል ገንዘብ ክልእኹን ክቕበሉን ክኢሎም። ዝኾነ ሰብ ሞባይል ደኣ ይወንን እምበር ዋላ እውን ካብቶም ታሕተዎት ክፋል ሕብረተሰብ ይኹን ብኢምፔሳ ኣቕሓ ክገዝእን ክኸፍልን ገንዘብ ክቕበልን ክልእክን ኣይጽገምን እዩ።
ሳፋሪኮም (ልክዕ ከም ኢትዮ ኮም ወይ ኢሪ ቴል ምዃኑ እዩ) ብሞባይል ናይ ገንዘብ ትውጊት ( ትራንዛክሺን) ምስ ጀመረ ኬንያ ብጂጂታላዊ ምንቅስቓስ ገንዘብ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።
ኣብ ቻይና እውን ኣብ 2020 “ኣሊፔይ” ብሞባይልዕድግን መሸጣን እትፍጽመሉ መተገባበሪ ዝጥቀሙ ዓማዊል ሓደ ቢልየን ሓሊፉ።
ዓለምና ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ንናይ ወረቐት ባጤራ ዝትክኡ ኣማራፅታት ተፋልጥ ኣላ።
ኢትዮጵያ እውን ዋላ’ኳ ትደንጒ እምበር ብኢትዮ-ቴሌኮም ዝፍለጥ ‘ቴሌብር’ ምስ ተኣታተወት ኣብ ሓጺር እዋን 27.2 ሚልዮን ዓማዊል ከምዝረኸበ እቲ ትካል ዘውፅኦ ሓበሬታ የርኢ።
እዞም 27 ሚልዮን ዓማዊል ከኣ፡ ብሞባይሎም 166.1 ቢልዮን ብር የዘዋውሩ።
ካብቲ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብቲ ካብ ባንኪ ናብ ቴሌ ብር፣ ካብ ቴሌ ብር ናብ ባንኪ ዝግበር ምዝውዋር ገንዘብ 15 ባንክታት ይሳተፉ።
እዚ ቁፅሪ በብእዋኑ ይዓቢ ኣሎ።
ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ እውን ተጠቀምቲ ቴሌብር ብምዃን ስርዓት ክፍሊቶም ኣዘሚኖም/ኣማዕቢሎም እዮም።
ንዝኾነ ገንዘብ ዝተንክፍ ዝምልከት ኣገልግሎት ንምፍጻም ናብ ባንክ ካብ ምኻድ ንላዕሊ ኣብ ጁባኻ ብዝርከብ ሞባይል ምስላጥ ዝሓሸ መፍትሒ ይኸውን ኣሎ።
እዚ ኢትዮጵያ ኰነት ካልኦት ሃገራት ዓለም ዘሰጕምኦ ዘለዋ ብሞባይል መሸጣን ዕድግን ምክያድ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ወረቐት ባጤራ ምጥቃም ደው ነብል ‘ዶ ንኸውን ዝብል ሕቶ ምስዓቡ ዘይተርፍ እዩ።
ባንክታት ንክትክኣ ዝፅዕራ ኩባንያታት ቴሌኮም
ባንክታት ጨንፈራት ቅድሚ ምኽፋተን፡ “ዕዳጋ ንረክብ ዲና? መኽሰብ ክህልወና ድዩ? ገንዘብ ዘዋህልልን ዝልእክን ዓሚል ይርከብ’ዶ” ንዝብል ሕቶ ምላሽ ኣጻፊፈን እየን መደባተን ዝትግብራ።
ብኸምኡ ከኣ እየን ባንክታት፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዝርከባ።
ኩባንያታት ቴሌኮም ድማ ሲምካርድ ንዘለዎም ኩሎም ዓማዊለን ክሕዛ ከምዝኽእላ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብሞባይል ዝካየድ ዝውውር ገንዘብ ብስፍሓት የላልዩ ኣለዉ።
ናይኬንያ ‘ኤምፔሳ’ ከምኡ እውን ናይ ኢትዮጵያ ‘ቴሌብር’ ናይዚ ኣብነታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ናእሽቱ ሸቐጣት ድማ ከም ጨንፈር ባንኪ ኩባንያታት ቴሌኮም ኰይነን የገልግላ።
ገንዘብ ንምቕማጥ፣ ብሞባይል ገንዘብ ንምቕባልን ናብ ሰባት ንምልኣኽን ዘድሊ ተንቀሳቓሲ ስልኪ (ሞባይል) ጥራሕ እዩ፤ ናይ ወረቐት ባጤራ ምሓዝ እውን ግድን ኣይኰነን።
ካብ ሞባይል ናብ ባንኪ፣ ካብ ባንኪ ድማ ናብ ቁፅሪ ሞባይል ገንዘብ ንምዝውዋር ናይ ሒደት ካልኢታት ስራሕ እዩ።
እዞም ኩባንያታት ቴሌኮም ገንዘብ ካብ ምኽፋልን ምቕባልን ብዝዘለለ፡ ትሑት መጠን ዘለዎ ልቓሕ እውን ይህቡ እዮም።
ኣብ ዝተፈላለያ ባንክታት ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዓመታት ዝሰርሐ ናይ ሕሳብ በዓል ሞያ ኣይተ ጥላሁን ግርማ፡ እዚ ትሑት መጠን ዘለዎ ልቓሕ ንዕለታዊ ስራሕቲ ንምስላጥ እምበር፡ ዓብይ ኢንቨስትመንት ንምጅማር ዝውዕል ኣይኰነን ብምባል፡ እዞም ኩባንያታት ቴሌኮም፡ ኣብ ናይ ባንክ ስራሕ ዝኣተዉ ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ስለዝርከብ እዩ ይብል።
“ብልምዲ እዞም ኩባንያታት ቴሌኮም ብጣዕሚ ብዙሕ ገንዘብ ኣለዎም። . . . እዚ ገንዘብ ኣብ ባንክ ክንዲ ምቕማጥ መሊሶም ንዓማዊሎም እንድሕር ኣለቂሖም መጠን ወለድ ከምዝረኽቡ ስለ ዝፈልጡ እዮም እዚ መስርሕ ዘተኣታትዉ ዘለዉ” ብምባል፡ እዚ ግና ምስ ባንኪ ክነፃፀር እንከሎ ዝተወሰነ ስግኣት ኣለዎ ይብል ኣይተ ጥላሁን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ባንክታት ገዛ፣ መኪና፣ ማሽን ህንፃን ዝኣመሰሉ ቀመውቲ ንብረታት ብምሓዝ እዮም ልቓሕ ዝህቡ።
ከም ቴሌብር ዝኣመሰሉ ነዚ ክገብሩ ስለዘይኽእሉ፡ ክህብዎ ዝኽእሉ መጠን ልቓሕ ንእሽተይ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ ሒሳብ ይገልፅ።
እዞም ኩባንያታት ቴሌ ዝህብዎ መጠን ልቓሕ ንዕለታዊ ወፃእታት ንምምላእ ወይ ንእሽተይ ንግዲ ዘለዎም ሰባት ንክነግዱ ከምዝኾነ ድማ የብርህ።
ስለዝኾነ እዞም ኩባንያታት ቴሌ ዝጀመርዎም ኣገልግሎታት ክፍሊት ብሞባይል፡ ንናይ ባንኪ ግደ ክትክኡ ከምዘይኽእሉ ይገልፅ።
ብሞባይል ዝካየድ ዝውውር ገንዘብ፡ ብልሽውና ንምክልኻል ይሕግዝዶ?
ብኤሌክትሮኒክስ ወይ ሞባይል ዝግበር ናይ ክፍሊት ስርዓት፡ ከምኡ’ውን ብካርድ ዝግበር ክፍሊት፡ ተጠቃሚ ጥረ ገንዘብ ምሽካም እንከየድለዮ ብቐሊሉ ክተዓዳደግ ዘኽእሉ እዮም።
ብፍላይ ድማ ዓለም ብኦንላይን ናብ ዝግበር ስርዓት ምትዕድዳግ ትኸይድ፡ ትካላት ድማ ፍርያተን ኣብ መርበብ ሓበሬታት የላልያ ኣለዋ።
ተጠቀምቲ ዝደለይዎ ፍርያት መሪፆም እንትዕድጉ፡ ዓማዊል ከኣ ብኤሌክትሮኒክሳዊ ስርዓት ክፍሊት ክፍፅሙ ይኽእሉ።
ኣብ ጁባ ዝኾነ ጥረ ገንዘብ ምሓዝ እንከየድለየ ናብ ዝደለኻዮ ሹቕ ብምኻድ ዝደለኻዮ ኣቕሓ ብካርድ ወይ ብሞባይል ምኽፋል ምኽኣል ሓደ እወንታ እዛ ዘበናዊት ዓለም እዩ።
እዚ፡ ብኣውርኡ ባጤራ ተሸኪምካ ኣደዳ ጕሒላታት ካብ ምዃን የድሕን።
ሸየጥቲ እውን እንተኾኑ፡ ኣታውታቶም ብዝግባእ ምምሕዳር ንክኽእሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ኤሌክትሮኒካዊ ስርዓት ክፍሊት፡ ንሸየጥቲ ኰነ ዓደግቲ ካብ ስርቂ ብምውሓስ፡ ምቹእ ኩነታት ምትዕድዳግ ናይ ምፍጣር ዕድል ኣለዎ።
በዓል ሞያ ሕሳብ ኣይተ ጥላሁን፡ ዓማዊል ናብ ኢ-ባንኪንግ (ኤሌክትሮኒክ)፣ ብካርድ ናብ ዝፍፀም ክፍሊት ምስ ዘዘንበሉ፡ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ፣ ብልሽውናን ግብረ-ራዕዳውያን ዝድግፉን ሰባት ብቐሊሉ ንምፍላይ ከምዝሕግዞ የረድእ።
“ዝበዝሕ ሰብ ናብ ከምዚ ዓይነት ስርዓት እንተኣትዩ፡ ናይ ሰባት ኣታውን ወፃእን ተፈልዩ ስለዝፍለጥ፡ መንግስቲ ምንጪ ገንዘብ ንክከታተል ይሕግዞ” ይብል።
ኤምፔሳ ኣብ ኬንያ ካብ ዝፈጠሮም ጥቕምታት ክልቲኦም ጐሊሖም ይረኣዩ፡ ብልሽውናን ዝምታን ምውጋድ።
እዚ ቴክኖሎጂ ብልሽውናን ዝምታን ካብ ምክልኻል ንላዕሊ፡ መንግስቲ ናይ ቀረፅ ስርዓት ንክቆፃፀር የኽእል።
በዚ ድማ ጥቕሚ ኣገልግሎት ኤምፔሳ ናይ መፃኢ ዝዓበየ ጥቕሚ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣይተ ጥላሁን፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብኤሌክትሮኒክስ ዝግበር ምትዕድዳግ ዝተለመደ ምዃን፡ መንግስቲ በብዓመቱ ባጤራ ንምሕታም ዘውፅኦ ወፃኢ ምንካይ ከምዘኽኣለ ይጠቅስ።
ዝውውር ጥረ ገንዘብ ምስ ዝንኪ ባጤራታት ቀልጢፎም ኣይኣርጉን ዝብል እቲ በዓል ሞያ፡ “ቀልጢፎም ንዝኣረጉ ባጤራታት ንምትካእ ዝወፅእ ወፃኢ ስለዝንኪ መንግስቲ ኣዝዩ ተጠቃሚ ይኸውን” ይብል።
ዓበይቲ ምትዕድዳጋት ብዙሕ መጠን ብዘለዎም ባጤራታት ምዃኖም ዘልዕል ኣይተ ጥላሁን፡ እዞም ባጤራታት ብልሽውና ንዝፍፅሙ ኰነ ስኑዕ ገንዘብ ንዘሐትሙ ሰባት ምቹኣት ከምዝኾኑ የበርህ።
“ኤሌክትሮኒካዊ ምትዕድዳጋት እንክህሉ፡ እዞም ባጤራታት ካብ ዕዳጋ ብምውፃእ ስኑዕ ገንዘብን ገበናት ብልሽውናን ምንካይ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣሎ”፡ ብምባል ናይ ህንዲ ኣብነት ብምፅራሕ የረድእ።
ህንዲ ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ዕዳግኣ ብስፍሓት ዝዘዋወሩ በዓል 500 ን 1000 ን ሩፒታት (ናይ ህንዲ ገንዘብ) ግብረ-ሽበራ ንምክልኻል ኰነ፡ ስኑዕ ባጤራ ንምቁፅፃር ብዝብል ካብ ዕዳጋ ወፃኢ ክኾኑ ብምግባር፡ ሰባት ኣብ ክፍሊት ሞባይል ባንኪንግን ካርድን ከድህቡ ፈቲና ነይራ።
በዚ ድማ ንእሽተይ ባጤራታት ተሸኪምካ ዓበይቲ ምትዕድዳጋት ምግባር ዘፀገም ብምዃኑ፡ ሰባት ናብ ባንክ ክመፅኡን ናይ ስርዓት ባንኪ ተረባሕቲ ክኾኑን ከምዘኽኣለ ይገልፅ።
እንተኾነ ኣብ ህንዲ እዞም ዓበይቲ ባጤራታት ተመሊሶም ናብ ዕዳጋ እንትኣትዉ፡ ሰባት ናይ ወረቐት ገንዘብ ናብ ምጥቃም ተመሊሶም።
ኣብ ኢትዮጵያ እውን ስኑዕ ባጤራ ዘሕትሙ ሰባት ልዑል መጠን ኣብ ዘለዎ ባጤራታት ከም ዘድህቡ ዘዘኻኸረ ኣይተ ጥላሁን፡ መንግስቲ ነዚ ንምግታእ ብሞባይል ባንኪንግን ካርድን ኣብ ዝግበር መስርሕ ክፍሊት እንተሰሪሑ ውፅኢታዊ ክኾነሉ ዝኽእል ዕድል ከምዘሎ እቲ በዓልሞያ ይገልፅ።
እዚ ናይ ህንዲ ተሞክሮ ኣብ ኢትዮጵያ ይሰርሕ’ዶ? ንዝብል ግና፡ መጽናዕቲ ከም ዘድልዮ ኣይተ ጥላሁን ይጠቅስ።
ብኤሌክትሮኒክ ዝፍፀም ስርዓት ክፍሊት ንምጥቃም ግና፡ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ባንክን እንታይነት ክፍሊት ኤሌክትሮኒክስን ክፈልጥ ከምዝግባእ፡ እቲ በዓል ሞያ የልዕል።
ጥረ ገንዘብ ካብ ዕዳጋ ምውጻእ ይከኣል’ዶ?
ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ሎሚ’ውን ብዕራይ ንምዕዳግ ናብ ዕዳጋ ዝኸይድ ሰብ፡ ናይ ወረቐት ባጤራ ተሸኪሙ’ዩ ዝኸይድ።
ነጋዶ ዕዳጋታት ኰነ ሸመትቲ፡ ጥረ ገንዘብ ብማዕረ እዮም ዝጥቀሙ።
ስርዓተ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ገና ኣይዘመነን። ቀረብ እንተኾነ’ውን ዘበናውነት ዝበፅሓሉ ደረጃ ኣይበፅሐን።
ሎሚ ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ኣብዑር ኰነ ኣባጊዕ እናተኾብኰቡ ናብ ዕዳጋ ይኸዱ።
ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ ጥረ ገንዘብ ገዲፉ ብሞባይል ዝፍፀም ስርዓት ክፍሊት ዝጥቀም ሕብረተሰብ ንምህናፅ፡ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ግምት ከምዝኣትዉ ኣይተ ጥላሁን ይዛረብ።
ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ክነፃፀር እንከሎ ቁፅሪ ናብ ባንክታት ዝኸይድ ሰብ ትሑት እዩ።
ባንክታት ብብዝሒ ኣብ ከተማታት እየን ዝርከባ፡ ቁጠባ እታ ሃገር እውን ብከተማታት እዩ ዝዝወር።
ባንክታትኢትዮጵያ፡ ካብ ሃገራዊ ባንኪ እታ ሃገር ብዝወፅአ መምርሒ ተገዲዶም ናብ ናእሽቱ ከተማታት ክልላት ጨንፈራቶም ኣብ ምስፋሕ እኳ ዝርከቡ እንተኾኑ፡ ሕዚ’ውን ካብ ባንኪ ወፃኢ ዝኾነ ማሕበረሰብ ብዙሕ ከምዝኾነ ኣይተ ጥላሁን ይዛረብ።
እዞም ጉዳያት ብቐረባ ዝከታተል ዓዳጊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ጥረ ገንዘብ ነፃ ናብ ዝኾነ ምትዕድዳግ ክኣቱ እዩ ኢልካ ንምዝራብ ኣፀጋሚ እዩ።
ኣይተ ጥላሁን፡ እቲ ቁጠባ ክሳብ 25 ንዝዕድሚኦም መናእሰይ ኣብ ግምት ኣእትዩ ስለዝኸድ፡ ንመፃኢ ጥረ ገንዘብ ገዲፎም፡ ናይ ሞባይልን ካርድን ስርዓት ክፍሊት ምጥቃም ክጅምሩ እዮም ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ብምልዓል፡ “ሕዚ ግን ንሱ ርሑቕ” ከም ዝኾነ ይዛረብ።
“ዝውውር ጥረ ገንዘብ ኣዝዩ እናነከየ ይመፅእ’ዶ? እወ። እንተኾነ ኣብ ሓፂር ዓመታት ‘ካሽለስ’ ቁጠባ ክፍጠር እዩ ዝብል እምነት የብለይን” ይብል እቲ በዓል ሞያ።
ኣብ ከተማታት ኣድላይነት ጥረ ገንዘብ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ከም ዝመፅእ ግና ምዝራብ ይከኣል እዩ ዝብል ኣይተ ጥላሁን፡ ብሞባይል ባንኪ ክፍሊት ምፍፃም ምኽኣሉ፡ መዓልታዊ ናብ ባንኪ ናይ ምኻድ ድሌት ምንካዩ ፅቡቕ ምጅማር ምዃኑ ገሊፁ።
ልዑል ዝውውር ቁጠባ ኣብ ዘለዎ ከተማ፡ መጠን ዝውውር ገንዘብ እናነከየ እንተመጺኡ ዓብይ ትርጉም ከምዝህልዎ ይዛረብ።
እዚ ድማ፡ ባንክታት ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዋ እንከለዋ ሒዘንኦ ንዝመጽኣሓደሽቲ ቴክኖሎጅታት፡ ጥረ ገንዘብ ናይ ምጥቃም ልምዲ ክንክይኦን ኣጠቓቕማ ዕድግን መሸጣን ሕብረተሰብ ከዘምነኦን ከምዝኽእላ ተስፍኡ ገሊፁ።