ናህሪ ዋጋታትን ኣረጋውያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ መስገደልን

ብሰንኪ ድኻም፡ ድምጸን ዝንቅጥቀጥ ወይዘሮ መሰረት ኣዲስ፡ ዝበዝሕ ግዜአን ኣብ ዓራት እየን ዘሕልፋ።

እተን 83 ዓመት ዝዕድመአን ኣደ፡ ብኣፍንጫአን ኣቢሉ ብዝኣተወ ቱቦ ተሓጊዘን እየን ዝስትንፍሳ።

“ክሳቐ ኣይደልን፤ ክጠሚ ኣይደልን እየ፤ ክቘር ኣይደልን" ይብላ።

ምስ ሰለስተ ደቂ ደቀን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ገዛ ይነብራ። መበለት ጓለን ደቃ ገዲፋትለን ብሕማም ሽኮር ካብዛ ዓለም ተፈልያ’ያ።

እቶም ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቶም ቁርስን ምሳሕን ይቐርበሎም። ድራር ድማ ወይዘሮ መሰረት ካብታ ዝረኸባኣ የቕርባሎም።

ንባዕለን ድማ ካብ ደቀን ዝተረፈ እንተሃልዩ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጥራይ ይምገባ።

“ቆሎ ጥራይ በሊዕና ማይ ሰቲና ንድቅስን። ንሱ እንተዘይተረኺቡ ዝብላዕ ኣይክህልወናን፣ ከይበላዕና እንድቅሰሉ እዋን'ውን ኣሎ። ክንገብሮ እንኽእል ነገር የለን” ይብላ ወይዘሮ መሰረት።

እንተዀነ፡ እዚ ዛንታ እዚ ናይ ወይዘሮ መሰረት ጥራይ ኣይኰነን።

ኣረጋውያን ‘ዕሽሽ ተባሂሎም’ዮም’

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዝቕባበ ዋጋታት ዘስዓቦ ቅልውላው ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣዘራሪቡ።

"ብዛዕባ ኣረጋውያን ዝምልከት ሓበሬታ ፍጹም ተረሲዑ'ዩ" ትብል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናጻ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ኣረጋውያን ዝዀነት ክላውድያ ማህለር።

እታ ክኢላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ብመንጽር ስርዓታት ደገፍ ዕሽሽ ተባሂሎም’ዮም" ኢላ። "ብኻልኦት ድምጾም ዝስምዑ ጕጅለታት ተዓብሊሎም።"

ኣብ ኣረጋውያን ዝሰርሕ ትካል ሄልፕኤጅ ኣብ 10 ሃገራት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቅልውላው ዝርከቡ ኣረጋውያን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ምልማን ምእታውን ሕክምና ምሕዳግን ዝኣመሰሉ "ጽንኩር ስጕምትታት" ክወስዱ ከም ዝተገደዱ ኣረጋጊጹ።

"ከም ትርእዩኒ ሓሚመ ኣብ ዓራት’የ ዘለኹ" ይብላ ወይዘሮ መሰረት ኣብቲ ቆራሪ መደቀሲአን ዝለበሳኦ ኮቦርታ እናሰሓባ። "ዝሕግዘኒ ሰብ እንተዘይረኺበ ሞተይ ምጽባይ’ዩ ዕጫይ።"

ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ፡ በይሩት፡ 67 ዓመት ዝዕድመአን ኣሊስ ቾባኒያን እውን ተመሳሳሊ ዘሕዝን ታሪኽ ይጸውያ።

"ብዛዕባ እቶም ነብሰይ ክቐትል ዝፈተንኩሎም ግዜያት ክዛረብ ኣይደልን" ይብላ።

እዚ ዓለማዊ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዘስዕቦ ጽልዋ፡ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ኣቃሊልካ ዝርአ ከም ዘይኰነ ክኢላታት ይገልጹ።

“እቲ ዘጋጥሞም ጭንቀት ብግቡእ ትዅረት ኣይረኸበን። ከም ‘ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር’ ነገር እዩ ዝቝጸር። እዚ ግን ብሓፈሻ ዕሽሽ ዝበሃል ከቢድ ጉዳይ እዩ" ትብል እታ ክኢላ ሕቡራት ሃገራት ክላውድያ።

ወይዘሮ ቾባንያን ኣብ በይሩት ኣብ እትርከብ ንእሽቶ መደቀሲ ክፍለ ይነብራ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሓዳረን ዝተፋትሓ ክልተ ኣዋልደንን ሸሞንተ ደቂ ደቀንን ብድምር ዓሰርተ ሰባት ምስአን ይነብሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኵነታት ኣታዊ ስድራቤተን እናነከየ ብምምጽኡ ሕጂ ዘሎ ሃዋህው "ኣዝዩ ዝኸፍአ'ዩ" ይብላ።

ተደራራቢ ቅልውላዋት

ኣብ 2019 ኣብ ኣውሮጳ ከቢድ ጸገም ውሕስነት መግቢ ዘለዎም ሰባት 135 ሚልዮን ከምዝነበረን እዚ ኣሃዝ ኣብ 2022 ናብ 345 ሚልዮን ክብ ከም ዝበለን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልጽ።

ለበዳ ኮቪድን ለውጢ ክሊማን ምስ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ተደሚሩ፡ ቀረብ መግቢ፡ ጸዓትን መድሃኒትን ብምዝራጉ፡ ዋጋ መነባብሮ ኣዝዩ ወሲኹ እዩ።

ኣብታ ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ ኣብ ቅልውላው ዝነበረት ሊባኖስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣውሮጳ፡ ወሰኽ ዋጋታት መግቢ ብ372.8 ሚእታዊት በጺሑ ነይሩ።

"እተን ኣዋልድ ደቂ ደቀይ፡ ጨና ደርሆ ንምሽታት ጥራይ፡ ናብቲ እንዳ ስጋ ከይደን ናብዚን ናብትን" ከም ዝብላ ወይዘሮ ቾባኒያን ይገልጻ።

“ትማሊ ከም ዝጠመያ ነጊረናኒ። ዝህበን ነገር ስለ ዘይነበረኒ፡ 'ስጋ ደርሆ ኣብ ሕልምና ክንርኢ ተስፋ ጌርና ንደቅስ' ኢለየን።"

ኣብ ኣረጋውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝበርትዐ ጸገም

ከም በዓል ወይዘሮ መሰረትን ቾባኒያንን ዝኣመሰላ ኣረጋውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ "መሪር ጽዋእ ናይዚ ቅልውላው ክሰትያ እየን" ይብሉ ክኢላታት።

“ቅልውላው መግቢ ምስ ዝህሉ፡ እቲ ማሕበራዊ ስርዓታት ደቂ ኣንስትዮ መግበን ገዲፈን ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤተን ይህባ። ከምኡ’ውን፡ ብሰንኪ’ቲ ሰፊኑ ዘሎ ጾታዊ ዘይማዕርነት፡ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣታዊ ኣይረኽባን ዘለዋ” ይብል ኣብ ሄልፕኤጅ ሓላፊ ውሕስነት እቶት ዝዀነ ቦብ ባባጃኒያን።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ክሰርሓ ውዒለን ኣብ ገንዘብ ዝረኽባሉ ስራሕ ክዋፈራ ተኽእሎአን ትሑት ምዃኑ፡ ዝረኽባኦ ኣታዊ’ውን ትሑት ምዃኑ፡ ዝሓሸ ዕድል ትምህርቲ ስለዘይረኽባ፡ ከምኡ’ውን ብመንጽር ጥሮታን መዓልታዊ ደሞዝን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ እዅል ደገፍ ስለ ዘይረኽባ፡ ጸገማተን ይጋደድ’ዩ።

እንተዀነ ብዕድመ ዝደፍኡ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ተመሳሳሊ ብድሆታት የጋጥሞም።

ኣብ ፓኪስታን ከተማ ኢስላማባድ ዝርከቡ ወናኒ መሕጸቢ መካይን ዝዀኑ ዛዩዲን ኪልጂ፡ በዓልቲ ቤቶም ን7 ዓመታት ዳያሊሲስ ኩሊት ድሕሪ ምግባረን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሞት ተፈልየን።

ዛዩዲን ኪልጂ ወዲ 68 ዓመት’ኳ እንተዀኑ፡ ናይ ጥሮታ ኣታዊ ስለዘይብሎም መኪና ምሕጻብ ክቕጽሉ ኣለዎም። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ግን መብዛሕትኦም ዓማዊሎም ምምጻእ ኣቋሪጾም እዮም።

ብሓመድ ዝተሸፈነት ማሽን እናርኣዩ፡ "ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ስራሕ ኣይነበረናን" ይብሉ። “ሕጂ ግን ካብ ንግሆ ጀሚረ ዝረኸብክዎ ስራሕ እዚኣ ጥራይ እያ።”

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ፓኪስታን ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋታት ከም ዝነበረ ተገሊጹ ነይሩ።

ዛዩዲን ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታኦም እዮም ዝነብሩ፤ ሕጂ ድማ ክራይ ገዛኦም ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። መጠን ወለድ ብምውሳኹ ድማ በዓልቲ ቤቶም ከሐክሙ ዝወሰድዎ ልቓሕ ዕዳ ወሲኹ’ዩ።

“ሕሙም ሽኮር ኣለኒ፡ ጸገም ልቢ’ውን ኣለኒ። ኩሊተይ እውን የሕመኒ። ኣብዚ እዋን ዋጋ እዞም ዝወስዶም መድሃኒታት ኣዝዩ ወሲኹ’ዩ። ሓደ ሓደ ግዜ መድሃኒት ኣይወስድን። ገንዘብ ምስ ዝህልወኒ ጥራይ እየ ዝወስድ። እንታይ እሞ ክገብር እኽእል?”

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብራ ወይዘሮ መሰረት’ውን ንሳንቡአን ዘድልይወን ኣገደስቲ መድሃኒታት ምውሳድ ኣቋሪጸን እየን።

ኵነታት ኣረጋውያን ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ነቲ ብሄልፕኤጅ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝድግፍ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠመ ናህሪ ወሰኽ ዋጋታት፡ ኣረጋውያን ኣገልግሎት ሕክምናን መድሃኒትን ከይረኽቡ ከም ዝገበረ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ተጸበይቲ ሓገዝ ምዃን

እዚ ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ቅልውላው ናህሪ ዋጋታት፡ ኣብ ከም ኢትዮጵያ፡ ሊባኖስን ፓኪስታንን ዝኣመሰላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ሃብታም ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከቡ ኣረጋውያን’ውን ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣሎ።

74 ዓመት ዝዕድመአን ጥሮተኛ ነርስ ታባኒ ሲቶሌ ኣብ ደቡብ ለንደን ይነብራ። መዓልታዊ ቀለበን ካብቲ ብማሕበረሰብ ዝመሓደር 'ባንኪ መግቢ' እየን ዝረኽባ።

“ኵሉ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ባንኪ መግቢ ሓገዝ መግቢ ክረክብ እየ ኢለ ኣብ ህይወተይ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ውሑድ ዕቋር ስለዝነበረኒ፡ 'እዞም ሰባት ንምንታይ እዮም ካብ ባንክታት መግቢ ዝመጽእ መግቢ ዝጥቀሙ ዘለዉ?' ይብል ነይረ” ይብላ፤ ሕጂ ግን ንሰን ባዕለን ተጠቃሚት ምዃን’ውን ይገልጻ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጥሮታ ምስ ወጹ፡ "ዝተረፈ ህይወቶም ከስተማቕሩ ክጅምሩ" መሲልዎም ነይሩ። እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዋጋ መነባብሮ ግን ንዅሉ ቀይርዎ።

ወይዘሮ ሲቶሌ፡ ጓለን ጓል ክልተ ወርሒ ከላ እየን ሰብኣየን ብሞት ስኢነን። ሕጂ ምስታ እንኮ ውላደን ይነብራ ኣለዋ።

“እንተነኣሰ ጓለይ ምሳይ ኣላ። በዚ ምኽንያት’የ ዘድልየኒ ክረክብ ክኢለ።"

ዋላ'ኳ ልሙድ እንተዀነ፡ ዕድመ ምስ ዝደፍእ ኣብ ኣባል ስድራቤት ጽግዕተኛ ምዃን፡ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዘዋጽእ ኣይኰነን።

ብመሰረት ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ምርምር እርጋን ዶክተር ዊ ያንግ፡ "ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቍጽሪ 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድመኦም ሰባት ብዕጽፊ ወይ ብሰለስተ ዕጽፊ ክውስኽ'ዩ።"

"ኵሉ ሰብ ኣብ እዋን እርጋኑ ዝድግፎ መንእሰይ ኣባል ስድራቤት ስለዘይህልዎ፡ መንግስታት ንኣረጋውያን ብቀዋምነት ዝድግፉሉን ዝከናኸኑሉን መንገድታት ክምህዙ ኣለዎም።"