ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ንክብሪ መነባብሮን ቁጠባዊ ጸገማትን ዕሽሽ ዶ ኢልዎ?

ዳዊት ኣብ መንግስቲ ተቘጺሩ ምስ ዝሰርሕ ሓዉ ኣብ ጥቓ ‘ኣየር ጤና’ ንእሽቶ ገዛ ተኻርዩ ይነብር።

ዳዊት ቀዋሚ ስራሕ'ኳ እንተዘይብሉ፡ ካብቲ መዓልታዊ ተጓይዩ ዝረኽቦ ገንዘብ፤ ሓደሓደ ግዜ ድማ፡ እቲ ሓው ካብ ወርሓዊ ደሞዙ ኣበርክቶ ብምግባር፡ ክራይ ገዛ ይኸፍል።

ዳዊት ከም ዝብሎ፡ ሓው ካብ መንግስቲ ዝረኽቦ ቀዋሚ እቶት ምንም ዝዓብሶ ነገር የለን።

“ዋጋ ናብራ ይውስኽ። ኣታዊና ግን ኣብኡ ኣሎ" ብምባል፡ ካብ ተቘጺርካ ምስራሕ፡ መዓልታዊ ሰሪሑ ክሓድር ይመርጽ።

ብመሰረት ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ካብ ዝነበረ 6.1 ኣብ 2022 ናብ 5.6 ወሪዱ። ኣብ 2021 ናህሪ ዋጋታት ንብረት ናብ 26.7 ሚእታዊት ወሲኹ።

ኲናት ሕድሕድ፡ ምውሳኽ ዓለማዊ ዋጋታት ንብረትን ለበዳ ኮቪድን ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ቁጠባዊ ምዝንባዕ እዮም።

ዋጋ መሰረታዊ ፍርያት ከም ጣፍ ዝኣመሰሉ፡ ልዑል ወሰኽ የርኢ ኣሎ፤ ቀዋሚ እቶት ዘለዎም ነበርቲ ድማ ብፍሉይ ኣብ ጭንቀት ይርከቡ።

ቍጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ቅልውላው'ኳ እንተሃለወ፡ ካልኦት ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸገማት ግን ሕጂ'ውን ነታ ሃገር ይፈታተንዋ ኣለዉ።

ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክርሕቕ ዝደሊ ዳዊት ዝኽእሎ ኣይመስልን። በቲ ሓደ ወገን ዋጋ መነባብሮ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸገማት በዚሑ።

ስለዚ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንቁጠባ ወይስ ቁጠባዊ ፍታሕ ንፖለቲካ? እቲ ቁጠባዊ ጸገም ንምፍታሕ ትዅረት ዘይተዋህበሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

'ሓድነት የለን'

ኣብ ቁጠባዊ ጉዳያት ርእይቶ ብምሃብ ዝፍለጥ ጉቱ ቴሶ (ዶክተር)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መወዳእታ 2018 ጀሚሩ ዋጋታት ንብረት ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎ ይዛረብ።

“ካብ 2018 ጀሚሩ በብዓመቱ ዋጋታት ፍርያትን ኣገልግሎታትን ብልዕሊ 200ን 300ን ሚእታዊት ይውስኽ ኣሎ። ብመሰረት መረዳእታ መንግስቲ፡ ዋጋታት ንብረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብ33 ሚእታዊት ይዓቢ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ፕሮፌሰር ስነ-ቝጠባ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፡ መጠን ዋጋታት ንብረት ኢትዮጵያ ልዑል'ኳ እንተዀነ፡ ኣታዊ ነበርቲ ግን ዘይውስኽ ብምህላዉ፡ እቲ ጸገም ዝያዳ ዝተሓላለኸ ይገብሮ።

ኣብ ከም በዓል ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ቱኒዝያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ሓዊሱ ካልኦት ቁጠባዊ ጉዳያት፡ ሰባት ተቓውሞኦም ዘስምዑሉ ምኽንያት ምዃኖም እቲ ክኢላ ቁጠባ ወሲኹ ገሊጹ።

"እዘን ሃገራት ካብ ናትና ዝሓሸ ዲሞክራሲ ይለማመዳ። ዜጋታቶም ሓሳባቶም ብናጽነት ይገልጹ። ውልቀሰባትን ትካላትን ቁጠባዊ መረዳእታ ብቐሊሉ ዝረኽባሉ ሃገራት ኣየን።”

ከምዚአን ዝኣመሰላ ሃገራት ቁጠባዊ መረዳእታታተን ንዅሉ ክፉት ስለ ዝገብራ፡ ዜጋታት ንዅነታት ቁጠባ ብቐሊሉ ክከታተሉ ይኽእሉ።

ብኣረዳድኣ ዶ/ር ጉቱ ቴሶ፡ ጉዳይ ዋጋታት ንብረት ኣብ ኢትዮጵያ እኹል ቆላሕታ ዘይረኸበሉ ካልእ ምኽንያት፡ "ሕጽረት ሓድነት" እዩ።

"ሓድነት፡ ስኒትን ምይይጥን ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ዝዀነ ሓሳብ ሒዝካ ናብ ጐደናታት ክትወጽእ ወይ ብሚድያ ክትገልጽ ኣጸጋሚ'ዩ።"

እቲ ምሁር ወኹ፡ ኣብ ኢትዮጵያውያን ብዘይካ ዋጋታት ንብረት ካልኦት ስክፍታታት ከምዘለዎም’ውን ሓቢሩ።

ብህይወት ናይ ምንባር ሕቶ

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ዘጋጠሙ ጸገማት ፀጥታ ኣብ ቁጠባ ናቶም ጽልዋ ኣለዎም።

ጐንጽታትን ውግኣትን ህይወት ብዙሓት ሰባት ይቐትሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰፊሕ ዕንወት እውን የስዕቡ።

እዚ ብግዲኡ ንቐርብ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ይዘርግ፣ ውጽኢቱ ድማ ልዑል ዋጋታት የስዕብ።

እቲ ቀንዲ ውጽኢት ስእነት ሰላም ድማ ብህይወት ናይ ምናባር መሰል ኣብ ሕቶ ዘእቱ ምዃኑ እዩ።

ጉቱ ቴሶ (ዶክተር)፡ "ህዝቢ እዛ ሃገር ብዛዕባ ብህይወት ምንባር እዩ ዘሻቕሎ" ይብል።

“ማእሰርቲ፡ ምምዝባል፡ ከቢድ ድርቂን ግጭታትን ስለዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት 'ብሰላም ወጺአ ክምለስ ድየ’ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።”

"ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐትሉ ሃገር" ብዛዕባ ምኽባር ናብራ ምዝራብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን ይብል እቲ ምሁር።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት እታ ሃገር በቲ ህሉው ዋጋታት ዝቕባበ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ዘይገበርዎ ብምባል ይንቀፍ።

እቲ ምሁር ስነ-ቑጠባ "ኣብ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ የለን፤ እቶም ኣብኡ ኣለዉ ዝበሃሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ እየ ዝቘጽሮም” ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለዎ።

"ቅድሚ ሕጂ ተቓዋሚ ውድብ ኢና ዝብሉ፡ ምስ መንግስቲ ብሓባር ይሰርሑ ወይ ስልጣን ሒዞም ኢልና ንዛረብ ነይርና።"

እዞም ናይ ሕጂ ውድባት ፖለቲካ፡ "ንሰብኣዊ መሰላት ይሰርሑን ድልዱል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ይሃንጹን እዮም" ዝብል እምነት የብሉን።

“ብዘይካ ውሑዳት፡ መብዛሕትአን እተን ተቓወምቲ ውድባት ስሱዓት፡ ጽምኢ ስልጣን ዘለዎምን ተለማመጽትን እየን። ሎሚ እዞም ሰባት ኣበይ ኣለዉ? ምስ መንግስቲ እዮም ዘለዉ። ሓደ ካብ ጠንቂ ናይዚ ኵሉ ሽግር ንሳቶም እዮም።"

ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት'ኳ እንተሃለዋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ንህዝቢ እታ ሃገር ዘጋጠሞም ቍጠባዊ ጸገማት ብዝምልከት ርኡይ ምንቅስቓስ ክገብሩ ኣይረኣዩን።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ርእይቶ ኣብ ምሃብ ድምጾም ዘስምዑ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ንዋጋ መነባብሮ ብዙሕ ኣቓልቦ ስለዘይሃቡ ይንቀፉ።

ፖለቲካዊ ድዩ ቁጠባዊ ፍታሕ?

ተቓዋሚ ሰልፊ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ፡ ገዛኢ ሰልፊ ንኬንያውያን ናብ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዘብጽሖም ብምግላጽ፡ ደገፍቱ ናብቲ ኣደባባይ ብምኻድ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸዊዑ።

ደገፍቱ 'ባባ' እናበሉ ዝጽውዕዎ ኦዲንጋ፡ ሕጂ ሰልፊ ተቓውሞ ደው ኣቢሉ እንተሎ’ኳ፡ "ኣነ ካብቶም ንቁጠባዊ ጸገም እታ ሃገር ፍታሕ ከምጽኡ ዝኽእሉ ሰባት ሓደ እየ" ይብል ኣሎ።

ቁጠባዊ ዕብየት መፍትሒ ፖለቲካዊ ጸገማት ድዩ? ወይስ ፖለቲካ ነቲ ቁጠባዊ ጸገም መፍትሒ ከምጽእ?

ተንታኒ ቁጠባ ዋሲሁን በላይ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን መራኸቢ ብዙሃን ይዅን ፖለቲካዊ ውድባት ንቁጠባዊ ትንተናታት ዝወሓደ ኣቓልቦ ይህብዎ ከምዝነበሩ ይዝክር።

ኣብ ክትዕ መረጻ እውን እንተዀነ ውድባት "ድኽነት ክንንኪ ኢና” ካብ ምባል ወጻኢ፡ "ከመይ?" ንዝብል መልሲ የብሎምን።

'ዘ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚስት ቪው' ኣብ ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ቁጠባዊ ትንታነ ዝህብ እቲ ክኢላ፡ "ሰባት እንታይ በሊዖም ይሓድሩ ዝብል ሕቶ እናሃለወ ኣብ ካልእ ፖለቲካዊ ጉዳያት ትዅረት ይገብሩ ኣለው" ይብል።

"ሃገርና ቁጠባዊ ጸገማት ናይ ምጽማም ተመኵሮ ኣለዋ። ንኣብነት ኣብተን ውሑድ ቁጠባዊ ጸገም ዘለወን ጐረባብቲ ሃገራት ሕቶታት ከልዕሉ ትሰምዕ። ሕቶ ስነ-ቑጠባ ከም መሰረታዊ ኣይረአን፤ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን።"

"ብዙሕ ዘይተወድአ ፖለቲካዊ ዕዮ ገዛ ግን ኣሎ" ይብል እቲ ተንታኒ።

ቁጠባ ኣብ ድልዱል ፖለቲካዊ ሃዋህው ክህነጽ ከምዝኽእል ዘረጋግጽ ዋሲሁን፡ "ጽቡቕ ፖለቲካዊ መድረኽ ክፍጠር እንተኽኢሉ ቁጠባዊ ዕብየት ክረጋገጽ ይኽእል'ዩ" ይብል።

ይዅን እምበር... ይብል እቲ ምሁር፡ “ይኹን’ምበር ፖለቲካ- ስርዓት ምፍራይን ምክፍፋል ሃብቲን ክቈጻጸርን ከስተኻኽልን ይኽእል እዩ። ፖለቲካ ሓንቲ ሃገር ርጕእ እንተዀይኑ ቁጠባኣ ርጕእ ክኸውን ይኽእል እዩ” ብምባል ካብ ቁጠባ ንላዕሊ ፖለቲካ ቀዳምነት ከምዝወሃቦ ይዛረብ።

ከም ኣገላልጻ ዋሲሁን፡ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣቃውማ ነቲ ናይ ኢኮኖሚ ሕቶ ምምላስ ኣይከኣልን እዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ቁጠባዊ ፖሊሲ ኣብ ስልጣን ብዘለዉ ፖለቲከኛታት ስለዝወጽእ እዩ ይብሉ።

"ቁጠባ ፖለቲካዊ ሰባት ብዝወስድዎ ውሳነታት ክዓቢ ይኽእል'ዩ። ሓደ ከባቢ ውሕስነት ዘይብሉ እንተዘይኰይኑ ግን ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣፍራዪ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።”

ይዅን እምበር ንናይ ቻይና ‘ሓደ ስድራ ሓደ ህጻን’ ፖሊሲ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ገለ ሃገራት ቁጠባአን ንምዕባይ ፖለቲካዊ መራሕተን ‘መሪር’ ፖሊሲታት ከውጽኡ ይኽእሉ።

ብዘይ ሓያል ፖለቲካዊ መራሒ ድልዱል ቁጠባዊ ፖሊሲ ክትሰርሕ ከምዘይከኣል ናይ ዋሲሁን ጽኑዕ መርገጺ እዩ።

“ስነ-ቑጠባውያን ፖለቲከኛታት ዝነደፍዎ ቁጠባዊ ፖሊሲታት የተግብሩ። እቶም ፖለቲከኛታት ዘይረብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲ ሒዞም እንተመጺኦም፡ ዋላ እንተተተግበረ ዕብየት ኣየምጽእን'ዩ።"