እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባንክታት ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ምፍቃድ ኣብ ባንክታት እታ ሃገር ዘሕድሮ ጽልዋ ይህሉ’ዶ?
ኢንዳስትሪ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ንባንክታት ሃገራት ወጻኢ ሓድሽ ኣይኰነን። ከም ኣብነት ባንኮ ዲ ሮማን ኣቢሲኒያ ባንክን ምጥቃስ ይክኣል።
እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ሚእቲ ዓመት፡ ዕዳጋ ኢትዮጵያ፡ ከም ባንክን ቴሌኮምን ኣብ ዝኣመሰሉ ገዘፍቲ ዓውድታት ንሰብ ሃብቲ ወጻእን ብሕትን ክፉት ኣይነበረን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ 2012 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ መድረኽ ቁጠባ ተረኺቡ፡ ኢትዮጵያ ዓወድታት ባንክን ቴሌኮምን ንሃገራት ወጻኢ ክፉት እትገብረሉ ዓቕሚ የብላን ክብል ተኻቲዑ ነይሩ።
ኣቶ መለስ ኣብቲ እዋን፡ ሰብ ሃብቲ ወጻኢ “ኣይኰነን ንሕና ክንቈጻጸሮም፡ ክንርድኦም’ውን ዘይንኽእል ናውታት’ዮም ዝጥቀሙ። ከመይ ኢልና ኢና ድኣ ክንቆጻጸሮም? ኣይክኣልን’ዩ፤ ሕጂ ዓቕሚ የብልናን” ምባሉ ይዝከር።
ነዚ ሓሳብ ዝድግፉ ኢትዮጵያውን እኳ እንተሃለው፡ ካብ ዕዳጋ ዓለም ተፈሊና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢሎም ዝካትዑ’ውን ኣለው።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ኢድ መንግስቲ ዘለው ትካላት ንመሸጣ ክቐርቡ ከም ዝኽእሉ ኣአንፊቱ ነይሩ።
መንግስቲ፡ ተወሳኺ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ንምስሓብን ኣብ ሕርሻ ንዝተሞርኰሰ ቁጠባ እታ ሃገር ዘመናዊ ንምግባርን ብዝብል ነዞም ስጉምታት ከም ዝወስድ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ስጉምቲ፡ ቀረብ ሸርፊ ወጻኢ ብምቅልጣፍ ኣብ ምፍጣር ስራሕን ዓለምለኻዊ ተወዳዳርነትን ክብ ብምባል ንቑጠባዊ ዕብየት ኣገዳሲ እዩ ይብል።
በዚ መሰረት፡ ዓውዲ ቴሌኮም ንሰብ ሃብቲ ወጻኢ ክፉት ድሕሪ ምዃኑ፡ ኢንዳስትሪ ባንክ’ውን ንባንክታት ሃገራት ወጻኢ ክፉት ከም ዝኸውን ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኩነታት ኣብታ ሃገር ዘለው ባንክታት ከምቲ ዝጸንሖ ከም ዘይቕጽል ገሊጹ ነይሩ።
ድሕሪ ሕጂ “ባንክታት ብዘመናዊ መገድን ብቴክኖሎጅን ተደጊፎም ምስ ዓለማዊ ዕብየት ንክጉዓዙ፡ ምስ ባንክታት ካልኦት ሃገራት ንምውድዳር ዘኽእሎም ምድላው ክገብሩ ኣለዎም” ምባሉ ይዝከር።
እዚ ምምሕያሽ፡ ባንክታት ወጻኢ ኣቐዲሙ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ባንክታት ብሽርኪ ስራሕ ክጅምሩ ዘኽእል ትሑት ርእሰማል ምድላው ዘካተተ እዩ።
እቶም ባንክታት እንታይ ሒዞም’ዮም ዝመጽኡ?
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ይናገር ደሴ ብዙሓት ባንክታት ኣፍሪቃ ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንምእታው ድልየት የርእዩ ከም ዘለው ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ዝተፈላለዩ ባንክታት ወጻኢ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብያተ ጽሕፈት ከፊቶም ዕዳጋ እታ ሃገር ከጽንዑ ምጽንሖም ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት የመልክቱ።
‘ፋርዘር ኣፍሪቃ’ ዝተባሃለ መርበብ ሓበሬታ ብ2020 ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ካብ 2015 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ትሸዓተ ባንክታት ወጻኢ ኣብያተ ጽሕፈት ከም ዝኸፈቱ ጠቒሱ።
እዞም ኣብ ኢንዳስትሪ ባንክ እታ ሃገር ድልየት ኣርእዮም ዝተባህሉ ባንክታት፡ ባንክ ኢንቨስትመንት ኤውሮጳ፣ ስታንዳርድ ባንክ፣ ኮሜርዝ ባንክ፣ ጀርመን ባንክ፣ ኬሲቢ ባንክ፣ ባንክ ኦፍ ኣፍሪካ፣ ዚራት ባንክ ከምኡ’ውን ኤክስፖርት-ኢምፖርት ባንክ ኦፍ ኢንዲያ ዝተባህሉ’ዮም።
ኣቦ መንበር ፌርፋክስ ኣፍሪካ ፈንድ ግሎባል ዘመዴነህ ንጋቱ “እቲ ውሳነ ዓብዪ ስጉምቲ’ዩ” ይብል።
“ኣነ፡ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብዙሕ ሰሪሐ’የ። ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ከም ህንድን ቻይናን ዝበላ ሃገራት ኤስያ ከመይ ከም ዝከፈትኦ ምርኣይ ንኽእል ኢና” ብምባል እተን ሃገራት ዕዳግአን ንባንክታት ወጻኢ ከም ዝኸፈታ ይዛረብ።
እዚ በዓል ሞያ ፋይናንስ፡ ብጃምላዊ ሃገራዊ ምህርቲ (ጂዲፒ) ንናይጄሪያን ደቡብ ኣፍሪቃን ስዒባ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዓውዲ ንሰብ ሃብቲ ክፉት ምግባራ፡ እታ ሃገር ንቢዝነስ ድልውቲ ምዃና ዘርኢ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ባንክታት ወጻኢ ክመጽኡ እንከለው፡ ዓለምለኻዊ ልምዶም ሒዞም’ዮም ዝመጽኡ። ናይ ምምሕዳር ልምዶም፣ ቴክኖሎጂኦም ከምኡ’ውን ሸርፊ ወጻኢ’ዮም ሒዞም ዝመጽኡ። ካብ ወጻኢ ዝመጽእ በዓል ሃብቲ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ኣለዎም’ዩ” ይብል።
ብኻልእ ወገን፡ ኣገልግሎት ዓማዊል (customer service) ካልእ ረብሓ እቶም ካብ ወጻኢ ዝኣትው ባንክታት ምዃኑ ይሕብር።
“ንኣብነት ኣነ ኣብ ዝነብረሉ ኣሜሪካ: ባንክታት ንዓማዊሎም ብዝግባእ እዮም ዘገልግሉ። ኣብ ሃገርና እቲ ተጠቃሚ ነቲ ባንክ ለሚኑ’ዩ ዝጥቀም፤ ግርምቢጥ። ልቓሕ’ውን ንውሑዳት ሰባት’ዮም ዝህቡ” ብምባል የረድእ።
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣባል ማሕበር ክኢላታት ሕሳብ ዝዀነ ኣማኻርን በዓል ሞያ ኦዲቲንግን ጥላሁን ግርማ፡ እዞም ባንክታት ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ምፍቃድ፡ ሰብ ሃብቲ ወጻኢ ንምስሓብ ከም ዝጠቅም ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ምስፋሕ ቴክኖሎጂ፣ ሓደሽቲ ኣገልግሎታት ባንክ ንዓማዊል ክበጽሑ ኣብ ምግባር ሓጋዚ ተራ ከም ዝህልዎም ብምግላጽ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ እኹል ገንዘብ ክህቡኒ’ዮም ኢሎም ዘይተኣማመኑ ሰብ ሃብቲ ወጻኢ ክስሕቡ ይኽእሉ’ዮም ይብል።
ንኣብነት ይብል ኣቶ ጥላሁን፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ሲቲ ባንክ ወይ ስታንዳርድ ቻርተር እንተኣትዮም፡ ሰብ ሃብቲ ወጻኢ፡ መጽናዕቲ ክሰርሑ እንከለው ከም ሓደ ጽቡቕ ጐኒ ይርእዩዎ” ክብል የረድእ።
ይኹን’ምበር፡ ኢትዮጵያ ኢንዳስትሪ ባንክ ንሃገራት ወጻኢ ክፉት እትገብረሉ ዘላ መገዲ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ብዝበጽሓ ጸቕጢ ምዃኑ ኣቶ ጥላሁን ይገልጽ።
“ዓለምለኻዊ ትካል ንግዲ ከም ሓደ ረቛሒ ዘቐምጦ፡ ሃገራት፡ ንግድን መሳለጥያታት ኣገልግሎትን ክእግዳ የብለንን ዝብል’ዩ። ስለዚ እቲ ጸቕጢ ብቐንዱ ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብን ዓለምለኻዊ ትካል ንግድን ዝመጽአ እዩ” ክብል ይምጉት።
ዘመዴነህ፡ ዓለምለኻዊ ባንክታት ናብ ኢትዮጵያ ክመጽኡ እንከለው ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ባንክታት ዝሰርሕሉ ዕድል ስለ ዘሎ ስግግር ቴክኖሎጂ ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም ይብል።
ይኹን’ምበር፡ “ባንክታት ውሽጢ ዓዲ ካብቲ ሕሉፍ ዝሓሸ ርእሰማልን ቴክሎጅን እኳ እንተሃለዎም ብዙሕ ይተርፎም’ዩ” ክብል ኣቶ ጥላሁን ይካታዕ።
ስለዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ባንክታት ብሕቲ፡ ነዚ ንሕንሕ ብከመይ ክቃለሱዎ ይኽእሉ?
ውህደት
ባንክታት ወጻኢ፡ ናብ ዓዲ ክኣትው ምፍቃድ ነቶም ሃገራዊ ባንክታት “ጽቡቕ ኣጋጣሚ” እዩ ዝብል ዘመዴነህ ንጋቱ እዩ።
ንሱ፡ “ባንክታት ውሽጢ ዓዲ መኽሰብ እንተሃለዎም’ውን ብደረጃ ዓለም ናይ ምውድዳር ልምዲ የብሎምን። እዞም ባንክታት ክመጽኡ እንከለው ግን ሓቢሮም ዝሰርሑሉ ዕድል ክህልዎም’ዩ” ዝብል ናይ መካትዒ ሓሳብ የቕርብ።
ባንክታት ውሽጢ ሃገር ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ ተኸቲሎም ተነሓናሕቲ ኰይኖም ክቕጽሉ እንተደልዮም፡ ክወሃሃዱ ከምዘድልዮም መንግስቲ ይገልጽ።
ዘመዴነህ በዚ ሓሳብ እዩ ዝሰማማዕ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ዓብዪ ባንኪ ዝዀነ ኣዋሽ ባንክ ንርእሱ፡ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ መበል 83 ደረጃ እዩ ተሰሪዑ ዝርከብ” ብምባል እቶም ባንክታት ክውሃሃዱ ኣለዎም ንዝብል ሓሳብ የስምረሉ።
ወሲኹ፡ “ሕጂ 18 ባንክታት ኣለው፤ ኣርባዕተ ካልኦት ክውሰኹ’ዮም። ኣስታት 10 ድማ ፍቓድ ይጽበዩ ኣለው፤ እዚ ፍጹም ኣድላዪ ኣይኰነን። ከም ናተይ ግምት፡ ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ሓሙሽተ ዝዀኑ ዓብዪ ዓቕሚ ዘለዎም ባንክታት ብሕቲ ክህልውና’ዮም” ኢሉ።
እቶም ባንክታት፡ ክወሃሃዱ እንተኽኢሎም፡ ዓቕሞምን ቴክኖሎጂታቶምን ብምዕባይ፡ ጽልዋ ናይ’ቶም ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ባንክታት ዝጻወርሉ ዓቕሚ ክሃንጹ ይኽእሉ’ዮም ይብል።
ንናይጄሪያ ብኣብነት ዘልዕል ኦዲተር ጥላሁን እውን በዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ኰይኑ፡ “መጀመርታ ብግዲ’ውን እንተዀነ ክውሃሃዱ ክግበር ይኽእል’ዩ፤ ወይ ክኣ ዓቕሚ ዘለዎ ነቲ ዓቕሚ ዘይብሉ ክጥቕልሎ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
ምምጻእ ባንክታት ወጻኢ፡ ዋላ’ውን ነቶም ባንክታት እንተዘየጥፍኦም፡ ‘ኮርፖሬት’ ዓማዊሎም ግን ክምንዝዖም ከም ዝኽእል እቲ በዓል ሞያ ይጠቅስ።
ባንክታት ወጻኢ፡ ቀንዲ ትኹረቶም ኣብ ከተማታት [ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን እታ ሃገር] እዩ ዝብል ኣቶ ጥላሁን፡ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ ነቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ክፋል ሕብረተሰብ ከገልግሉ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ።
“ብፖሊሲ እንተዘይኣገዲድናዮም፡ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ከፊቶም እቲ ዝተረፈ ብቴክኖሎጂ ብምትእስሳር’ዮም ስርሖም ዝሰርሑ እምበር፡ ከምቶም ናትና ባንክታት ብዙሓት ጨንፍራት ክኸፍቱ’ዮም ኢልካ ኣይሕሰብን” ኢሉ።
እቲ ኣማኻሪ፡ ‘ኮርፖሬት ዓሚል ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ ኣልዒሉ’ዩ። ንምዃኑ ‘ኮርፖሬት’ ዓሚል እንታይ ማለት እዩ?
ኣቶ ጥላሁን ነዚ ከብርህ እንከሎ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ባንክ 20/80 ዝብሃል ነገር ኣሎ።
እቶም 20 ሚኢታዊት ንባንክታት ገዚፍ ሸርፊ ወጻኢ ዘምጽኡ’ዮም። ባንክታት ወጻኢ፡ ነዞም ዓማዊል ንምምንዛዕ ተሃንጥዮም ከም ዝመጽኡ ኣይጠራጠርን።
ዒላማ ዝገብሩዎ እቲ ‘ኮርፖሬት’ ዓሚል እምበር ንታሕቲ ወሪዶም ልቓሕ ክህቡ’ዮም ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ’ዩ ብምባል የረድእ።
“ነዚ’ዩ፡ ባንክታት እታ ሃገር ንምውድዳር ንክጥዕሞም ክውሃሃዱ ኣለዎም ዝብል፤ እቲ ብሄራዊ ባንክ’ውን 30 ወይ 40 ባንክታት ምቁጽጻር ኣየድልዮን” ይብል።
ነዚ ሓድሽ ፖሊሲ ዝቃወሙ እንታይ ይብሉ?
ኣብ ጉዳያት ስነ ቑጠባ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ብምቕራብ ዝፍለጥ ተመራማሪ ኢንስቲትዩት ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ኩዌት ዶክተር ኣየለ ገላን፡ ባንክታት ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ምፍቃድ ካብ ዝቃወሙ ምሁራት እዩ።
“እዚ ውሳነ፡ ቃንዛ ርእሲ ንዘለዎ ሰብ መድሓኒት ቅርጸት ከብዲ ከም ምሃብ’ዩ” ዝብል ዶክተር ኣየለ፡ እቲ ውሳነ ንውሽጣዊ ኩነታት እታ ሃገር ዘገናዘበ ከምዘየኮነ ይገልጽ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኢንዳስትሪ ባንክን ፋይናንስን ኢትዮጵያ ክልተ ዓበይቲ ጸገማት ኣለውዎ።
እቲ ሓደ፡ ‘ስትራክቸራል ኢንባላስ’ ማለት’ውን ዓበይቲ ባንክታት መንግስቲ ምስ ‘ንኣሽቱ’ ዝብሃሉ ባንክታት ዝወዳደሩ ምዃኖም እዩ።
ነዚ ንምፍታሕ፡ እቶም ዓበይቲ ባንክታት ተኸፋፊሎም ንኣሽቱ ባንክታት ክዀኑ ምግባር፡ ወይ’ውን ናይ ብሕቲ ክዀኑ ምግባር እምበር ባንክታት ወጻኢ ምምጻእ መፍትሒ ኣይኰነን ኢሉ።
እቲ ካልኣይ ጸገም እቲ ዓውዲ ድማ፡ ኣብ ዙርያኡ ዝግበር ቑጽጽር (regulation) ምዃኑ ዝገልጽ ዶክተር ኣየለ ነዚ ንከረድእ መጠን ወለድ ከም ኣብነት የልዕል።
“ካብ ሃገራት ዓለም ብ15 ወይ 18 መጠን ወለድ ተለቂሕኻ፣ ነጊድኻ፣ ኣትሪፍካ ልቓሕ ብምምላስ ሃገር ክትቕየር ኢልካ ምሕሳብ ዘበት’ዩ”።
ኣማኻሪ ፋይናንስ ኣቶ ጥላሁን ግን፡ እዞም ባንክታት ናብታ ሃገር ክኣትው ምፍቃድ መጠን ወለድ ክንኪ ይገብሩ’ዮም ኢሉ ይካታዕ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ፡ መጠን ወለድ ናብ ሸውዓተ ወይ ሽዱሽተ ሚኢታዊት ክወርድ ኣለዎ ዝብል ዶክተር ኣየለ ገላን፡ እቶም ባንክታት መኽሰቦም እንተጐደለ’ውን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቅድሚ ሕጂ ክልቅሑ ዘይኽኣሉ ሰባት ግን ልቓሕ ክረኽቡ ክሕግዞም እዩ ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።
ብኻልእ ወገን፡ ባንክታት ወጻኢ ኣብ ኢንዳስትሪ ባንክ ኢትዮጵያ ክወፍሩ ምፍቃድ ሸርፊ ወጻኢ ከምጽኡ ይሕግዝ’ዩ ዝብል መካትዒ ሓሳብ ፈጺሙ ኣይቕበሎን።
“ንዘላቒ ጸገም ጊዝያዊ መፍትሒ ምሃብ ትርጉም የብሉን” ዝብል ኣበሃህላ ጸዓዱ ብምጥቃስ ዘረድእ ዶክተር ኣየለ፡ “ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝመጽእ ኩባኒያ፡ መጀመሪያ ብቢሊዮን ዶላር ዝቑጸር ገንዘብ ሒዙ ክመጽእ ይኽእል’ዩ። ስራሕ ምስ ጀመረ ግን ወርሓዊ ዶላር ናብ ወጻኢ ሃገር እዩ ዝልእኽ። ናብ ወጻኢ ምህርቲ ምልኣክ’ዩ ዶላር ዘምጽእ እምበር፡ እዞም ባንክታት ዶላር ኣምጺኦም ንዓና ዝልግሱሉ ምኽንያት የብሎምን” ኢሉ።
ነቲ፡ ባንክታት ወጻኢ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ምምጻእ ክሕግዙ’ዮም ዝብል መካትዒ ሓሳብ’ውን “ፎልስ ኢኮኖሚክስ” ማለት’ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ስነቁጠባ ብምባል ይነጽጐ።
“እዞም ባንክታት ዘምጽኡዎ ቴክኖሎጂ ሮኬት ሳይንስ ኣይኰነን። እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ሰብ እምበር ኣብ ኢድ ባንክታት ኣይኰነን ዘሎ። መገጣጠሚ መኪና ወይ ፋብሪካ ድኹዒ ከነእቱ ኢና እንተዝብሉ ምተሰማማዕና” ይብል።
ቑጽጽር
ባንክታት ሃገራት ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው እንከለው፡ እንታይ ዓይነት ቑጽጽር (regulation) ክግበረሎም ይግባእ? ካልእ ዓብዪ መካትዒ ጉዳይ እዩ።
“ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ባንክ ኣይወደቐን” ዝብል ዘመዴነህ፡ ክሳብ ሕጂ ሃገራዊ ባንክ ኣብ ዙርያ ቑጽጽር ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ’ዩ ይብል።
“እንተዀነ፡ ሕጂ ባንክታት ወጻኢ ይመጽኡ ስለ ዘለው፡ ሃገራዊ ባንክ እዚ ዓቕሙ ሓፍ ከብሎ ይግባእ”።
ናይዚ ምኽንያት፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝፈረዩ ባንክታት ምቁጽጻርን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ዓለምለኻዊ ባንክታት ምቁጽጻርን ዝተፈላለየ ምዃኑ እዩ።
ኣቶ ጥላሁን’ውን፡ ኣብ ዓማዊል ኣተኲሮም ንዝሰርሑ ባንክታት ዘገልግል ሓድሽ ናይ ቑጽጽር ስርዓት ክወጽእ ኣለዎ ይብል።
“ብዙሓት ሰባት፡ ገዛ ወይ መኪና ንምዕዳግ ልቓሕ ይደልዩ’ዮም” ዝብል እቲ ኦዲተር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስትን መንግስታዊ ዘይኰኑ ትካላትን “ወርሓዊ ንገዛ ክራይ ዝኸፍሉዎ ገንዘብ ንባንክ ክኸፍሉ ይኽእሉ’ዮም” ክብል የረድእ።
ንኣቶ ጥላሁን እቲ ዝዓበየ ሕቶ፡ እቶም ሕጂ ናብ ኢንዳስትሪ ባንክ ክኣትው ተፈቒዱሎም ዘለው ባንክታት ወጻኢ “ክወጽኡ እንከለውኸ?” ዝብል እዩ።
“ዓመታዊ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ’ዮም ከውጽኡ ዝኽእሉ ዝብል ክትመን ዘለዎ ይመስለኒ፤ ኢትዮጵያውያን ብርኪ ዝገዝኡሉ ኣገባብ’ውን ክህሉ ኣለዎ” ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።