ሓይልታት ፈደራል ቅድሚ ክልተ ዓመት ንመቐለ ኣብ ዝተቘጻጸሩሉ ዝነበረ ኵነታት

"ስእሊ ደብረጽዮን ዘለዋ መጽሔት ኣቃጺልና፣ባንዴራ ትግራይ ኣቃጺልና።"

“ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንመካይን ‘ትራክ’ ገይረን የጥቅዓ ከምዘለዋ ስለዝተነግረና፡ ናይ ብሕቲ መካይን ብፍላይ ድማ እተን ጻዕዳ ሕብሪ ዘለወን ከይረኣያ ጭቃ፡ ቀለም፡ ሓመድ፡ ካትራመ መሳሊ ለኺና ክንሓብአን ፈቲንና።”

እዚ፡ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ፈደራል ቅድሚ ምእታዋ ኣብኡ ዝነበሩ ነበርቲ ዝተዛረብዎ እዩ።

ልክዕ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ 19 ሕዳር 2013 [ግእዝ] ሓይልታት ፌደራል ንመቐለ ተቘጻጺሮም።

እቶም ሓይልታት ፈደራል ብሓጐስ ጨዲሮም፤ ብኻልእ ወገን ተጋሩ፡ ብሓዘንን ስንባደን ተዋሒጦም። ዘይዕረቑ ስምዒታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዕለቕሊቘም።

ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ኵነታት ተቐይሩ እዩ። መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን እቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸር ህይወት ዘጥፍአ ኲናት ከብቅዕ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሓይልታት ፈደራል ንመቐለ ኣብ ዝተቘጻጸሩሉ እዋን ዝነበረ ኵነታት እንታይ ይመስል ነይሩ?

ሓይልታት ፈደራል ንመቐለ ቅድሚ ምቍጽጻሮም ኣብ ዝነበረ መዓልታት እንታይ ተፈጺሙ?

ኮሎኔል ደጀኔ ፀጋየ መቐለ ብታንኪ ንምኽባብ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዝርከቡ ገሊጹ።

ኣብ 13 ሕዳር 2013 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ እውን፡ መራሕቲ ትግራይ ኢዶም ንኽህቡ ናይ 72 ሰዓት ገደብ ኣቐሚጡ።

እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተወልዐ ኲናት ካብ ዓለም ዝተኸወለ ሓበሬታ ዘይርከበሉን ስለዝነበረ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነታት እንታይ ከምዝመስል ንነበርቲ እታ ከተማ ሓቲትናዮም።

ኣብ መፋርቕ ሕዳር፡ መቐለ ብመዳፍዕ ክትክበብ እያ ዝብል ዜና ዝሰምዑ እኒ ጸደይ - ስማ ዝተቐየረ፡ "ፍርሒ፡ ምድንጋር፡ ስንባደ" ተሰሚዕዎም።

ምስ ህወሓት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ባንዴራ ዝበሉ ምስ መመለይ መንነት ትግራይ እውን ክተሓሓዙ ዝኽእሉ ኣሰራት ከጥፍኡ ፈቲኖም።

ድንግርግር ዝበላ ኣደኣ፡ መለለይ ኣባልነት ማሕበር ልምዓት ኣቃጺላ።

"እታ ባንዴራ ናይ ህዝቢ ትግራይ እያ። ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተመስረተት ሕጋዊት ባንዴራ እያ። ህወሓት ናይ ባዕላ ባንዴራ ኣለዋ። ምስ ህወሓት ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ትግራይ ዝተተሓሓዘ ኵሉ ኣቃጺልና" ትብል።

እዚ ምስቲ ነበርቲ እተን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበራ ከተማታት ትግራ ተመዛቢሎም ናብ መቐለ ክመጹ ምርኣዮም ዝተኣሳሰረ ከምዝዀነ ይገልጹ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሽረ ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ገዛ ገዛ ተፍትሽ፡ ቅትለት፡ ዝምታን ዓመጽን ተዛሪቦም።

"ኣብ ከባቢ ሽረ ገዛ ገዛ ከምዝፍትሹ፡ መንእሰያት ከምዝቐትሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝዕምጹ ሓቢሮምና። ስለዚ ዝዀነ ነገር ከይረኽቡልና ኢና ንዳሎ ነይርና" ትብል ጸደይ።

ስለዚ ጸደይ ዝከኣሎም ኣቃጺሎም፡ "እቲ ዘይከኣልናዮ ድማ ሓቢእናዮ" ትብል።

ነዚ ጸብጻብ ዘዘራረብናዮም ነበርቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ፡ ነቲ ቃልሲ ዝድግፍ ጽሑፋት ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ከም ዝደምሰሱ ሓቢሮምና።

ጸደይ፡ "መቐለ ክኣትዉ እዮም ዝብል እምነት ኣይነበረንን። ዘይምእማን፡ ​​ፍርሒ፡ ስንባደ፡ እቲ ኣመራርሓ ባዕሉ ኣበይ ከምዝነበረ ኣይፍለጥን። ምድንጋር ዝመልኦ ግዜ እዩ ነይሩ" ትብል።

እቲ ኲናት ክጅመር እንከሎ ጸደይ፡ ምሸት ምስ መሓዙታ እናተዘናግዐት እያ ነይራ።

ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ መዓልቲ፡ ኵሉ ሰላም እዩ ኢላ ነታ ክትወልድ ዝቐረበት ነፍሰጾር መሓዛኣ “ቤቢ ሻወር” ደጊሳ እቲ ዕሸል ብሰላም ክወልድ ተመንየን።

“ህይወት ኵሉ ሰብ ሃንደበት ዝቕየር ኣይመስልን” ትብል።

ድሕሪ ሰዓታት፡ ተሌፎን፡ ኢንተርነትን ኤለክትሪክን ተቛሪጹ። ባንክ እውን ተዓጽዩ።

"ንጽባሒቱ ንገዛእ ርእስና ካብ ዓለም ተፈሊና ረኺብናዮ።"

'ንመቐለ ብታንክታት ምኽባብ ኣብ እንኽእለሉ መድረኽ ኢና ዘለና'

ኣብቲ እዋን ኣተሓባባሪ ሚድያ ግንባር ኲናት ዝነበሩ ኮሎኔል ደጀነ ጸጋየ፡ "ንመቐለ ብታንክታት ምኽባብ ኣብ እንኽእለሉ መድረኽ ኢና ዘለና" ክብል ኣብ ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ገሊጹ።

"ህዝቢ መቐለ ንገዛእ ርእሱ ካብ መጥቃዕቲ ከቢድ ኣጽዋር ከድሕን ጻውዒት ዝቐርበሉ እዋን እዩ። ንነብስኻ ኣውጽእ” ብምባል ነበርቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ክፍለዩ መምርሒ ዝወሃበሉ ግዜ በጺሑ ተዛሪቡ።

ወሲኹ’ውን "ድሕሪኡ ምሕረት የለን" ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ኮለኔል፡ ክሳብ ሕጂ ብጥንቃቐ ምምራጽን ምጥቃዕን ዝተመርኮሰ ውግእ ከምዝነበረ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መቐለ ግን ከምኡ ከይከውን ከምዝኽእል ሓቢሩ እዩ።

ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ኵሉ ዝርዝር ፍጻመታት ዝሕዝ ዝነበረ ዓንዶም ገብረየሱስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ 72 ሰዓታት ግዜ ገደብ ኣብ ዘቐመጠሉ መዓልቲ፡ ኣብታ ከተማ ብዙሓት ጉዳያት ከምዝተፈጸሙ ይዛረብ።

መጀመሪያ እቲ ን24 ሰዓታት ኣገልግሎት ዝህብ ተሌቪዥን ድምጺ ወያነ ተቛሪጹ።

እቲ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ተኣጊዱ ዝነበረ መሸጣ ነዳዲ ተፈቒዱ።

ዋላ'ኳ ወግዓዊ ሓበሬታ እንተዘይተዘርግሐ፡ መራሕቲ ትግራይ ኣብታ መዓልቲ ናብ ቆላ ተምቤን ከምዝኸዱ ገለ ውሽጣውያን ሰባት ከምዝሓበርዎ ይገልጽ።

መራሕቲ ትግራይን ተጋደልቲን፡ ሓይልታት ፈደራል ናብ መቐለ ቅድሚ ምእታዉ ከም ዝወጹ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ናይ ብሕቲ መካይን ብፍላይ ድማ ጸዓዱ፡ ቀለም ወይ ጭቃ ተቐቢለን።

ዓንዶም ምስ ኣዕሩኽቱ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ እታ ኮሮላ መኪናኡ ካትራመ ኣፍሲሱ ሓመድ ነስኒሱላ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ 17 ሕዳር 2013 እቲ ግዜ ገደብ ተዛዚሙ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከካይድ ከም ዝተኣዘዘ ኣፍሊጡ።

ነበርቲ መቐለ ኣብቲ እዋን

ኣብ መቐለ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ መሳጊድን ኣብያተ ክርስቲያናትን ጥርሐን ተሪፈን።

እታ ከተማ ብቐጻሊ ብመዳፍዕን ከበድቲ ኣጽዋርን፡ ከምኡ’ውን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም ዝተደብደበት ዓንዶም ይዝክር።

ብዙሓት ነበርቲ መቐለ ኣብ ትሕቲ ህንጻታት ኣብ ትሕቲ መሬት ተሓቢኦም።

ኣርብዓ ወይ ሓምሳ ኰይኖም ናብ ትሕቲ ዘይተወድኡ ህንጻታት ክኣትዉ ጀሚሮም።

"ኣደታት ደቀን ዝሓብኣሉ ጠፊኡወን" ትብል ጸደይ።

እቲ መጥቃዕቲ መዳፍዕ ዕረፍቲ ከምዘይነበሮ ኣብቲ እዋን ኣብ መቐለ ዝነብር ዝነበረ ሓኪም ሃብቶም (ስሙ ዝተቐየረ) ይዝክር።

“ዘሰንብድ እዩ፣ ዘፍርሕ፣ ዘርዕድ እታ ከተማ ትናወጽ ነይራ። ገለ ነገር ክቃጸል ንርኢ። "ኵሉ ሰብ ብህይወት ከምዝሓድር ርግጸኛ ኣይነበረን" ይብል።

እቲ ስርሑ ዘየቋረጸ በዓል ሞያ ሕክምና፡ ኣብ ዓይደር ሆስፒታል ብዙሓት ዝቘሰሉን ዝሞቱን ሰባት ከምዝተቐበለ ይገልጽ።

ኣብታ ከተማ ዝተሓብኡ ከምዘለዉ ዀይኑ፡ ብዙሓት ናብ ገጠር ክውሕዙ ጀሚሮም።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ግን፡ ሓንቲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብመዳፍዕ ምስ ተሃርመት፡ ጸደይ ምስ ኣደኣን ንእሽቶ ሓዋን፡ “ቀጺሉ ንሕና ኢና ንድብደብ” ኢሎም ብስንባደ ናብታ ካብ መቐለ ሒደት ኪሎሜተራት ርሒቓ እትርከብ ደብሪ ተበጊሶም።

ገለ መድሃኒታት፡ መሸፈኒ ቍስሊን ጸረ-ነፍሳትን ሒዞም ከይዶም።

እታ ኣብ ገዛ ዝነበረት ዝሓዝዋ 700 ቅርሺ፡ ክሳብ መዓስ ከም ዝጸንሑን ክሳብ መዓስ ከም ዘጽንሖምን ኣይፈልጡን።

ህጻናት፡ ነፍሰጾራት፡ ኣረጋውያን፡ ነበርቲ ናብ ተምቤን፡ ገርዓልታ፡ ግጀት ኣምርሑ።

ጸደይ፡ ኣብ ደብሪ ዝረኣየታ ንእሽቶ ናይ ገጠር ድኳን ክሳብ ሕጂ ኣይትርስዓን። ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ተሰሪዖም ነይሮም። እታ ድኳን ግን ነቶም ኣብ መስርዕ ዝነበሩ ሰባት ዝኣክል ኣቝሑት ኣይነበራን።

ኣብታ ንእሽቶ ገጠር ከተማ ምስ በጽሑ፡ እታ ክልተ ጸበብቲ ክፍልታት ዘለዎ ናይ ገጠር ገዛ መሊኣ ነይራ።

ብዙሓት ኣብ መሬት ደቂሶም፤ እኒ ጸደይ ኣብ ኩርናዕ ኣብ መሬት ቦታ ሒዞም።

ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ይበልዑ ነይሮም፤ እቶም ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊኦም እንጀራ፡ ገሊኦም ድማ ሽሮ የምጽኡሎም።

ምቹእነት ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ።

"ክንደይ ግዜ ኣብ ከምኡ ኵነታት ክንጸንሕ ምዃንና ዘይምፍላጥና ዘፍርሕ እዩ ነይሩ" ትብል ጸደይ።

ኣብ መጀመርታ ኣበይ ከድሕኑ ከምዝኽእሉ ኣይተሰማምዑን።

ኣኮኣ፡ ነቲ ወዲ 15 ዓመትን ንእሽቶ ሓዎምን ሒዙ ይሓይሽ ናብ ዝበሎ ተምቤን እዩ ከይዱ።

መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ እዋን ኣብ ቆላ ተምቤን ስለዝነበሩ፡ ብኸቢድ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እዩ ተቐቢልዎም። ብዛዕባ ድሕነቶም ሓበሬታ ዘይምርካብ ንባዕሉ ካልእ ሕማም ከምዝነበረ ጸደይ ትገልጽ።

ከባቢ በዓል ዓንዶም መዕቆቢ ዲያስፖራ ኰይኑ፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ቀረባ ስለዝዀነ፡ ድምጺ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ምስማዕ ልሙድ ነይሩ።

ዓንዶም እውን መቐለ ብኸቢድ መዳፍዕን መጥቃዕቲ ነፈርትን ምስ ተናወጸት ምስ ስድራኡ ካብ መቐለ ክወጽእ ወሲኑ።

"ደቀይ ደብዳብ ነፋሪት ክሰምዑ እንከለዉ ይበኽዩ ነይሮም" ይብል።

መዓልታዊ ዝተደብደቡ ከባቢታት ይሰምዑ ነበሩ። 05 ቀበሌ፡ መናሃርያ፡ ላጪ፡ ሃጸይ ዮሃንስ፡ ቀበሌ 14፡ ትካላት፡ ሆቴላትን ካልኦትን . . .

ሰባት ሞይቶም ወይ ተጐዲኦም ዝብል መዓልታዊ ዜና ኰይኑ።

ኣብቲ እዋን ኣብ መቐለ ዝነበረ ክኢላ ሕክምናን ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብ ትግራይ ዝተወሃበ ጸረ-መጥቃዕቲ ተዅሲ ከምዘይነበረ ዕላዊ ገይሮም እዮም።

ኣብቲ እዋን እቲ ሰራዊት ኣብታ ከተማ ኣይነበረን።

ከም ቱር ኦፕሬተር ኰይኑ ዝሰርሕ ዓንዶም፡ ኣስታት ሓምሳ ካብ ቴንዳታቱ ንጐረባብቱን ፈተውቱን ኣከፋፊሉ ናብ ግጀት ኣቕኒዑ።

ኣብ ጽርግያ፡ እቲ ህዝቢ ብእግሪ፡ ብሚኒባስ፡ ዋላ ብናይ ጽዕነት መካይን ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ገጠር ከተማታት ይግዕዝ ነይሩ።

ነበርቲ ግጀት ካብ መቐለ ዝመጸ ሰብ ኣይመስሉን። ኵሉ ኣብ ገዛ ይዅን ኣብ ደገ ዝከኣሎ እዩ ዝገብር።

ኣብ ግጀት ዝፈልጥዎ ሰብ ስለዘይነበረ ኣብ ገዛ እንዳ ሓደ ሰብ ኣትዮም። እቲ ገዛ ግን ኣዝዩ መሊኡ ነይሩ።

ይዅን እምበር እቲ ዋና ኣይመለሶምን፣ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ሓደ ኩርናዕ መረባ ክዕቈቡ ከም ዝኽእሉ ነጊርዎም።

ግን ኣብኡ ክጸንሑ ስለዘይከኣሉ ናብ መቐለ ተመሊሶም። ካብ መቐለ ድማ ገዛኦም ዓጽዮም ክልተ ፍርናሽ፡ መቀያየሪ ክዳን፡ ንህጻናት ዝኸውን ፓስታ፡ ማኮረኒ፡ ኢንዶሚን ሽኮርን ሒዞም ናብ ገርዓልታ ከይዶም።

ሓረስቶት ዘራእቶም ንምእካብ ይጓየዩ። ዘራእቶም ዝተቓጸለ ሓረስቶት እውን ነይሮም።

ሓይልታት ትግራይ ናብ ተምቤን ኣብ ዝወስድ ኣልዓሳ ዝበሃል ከባቢ ነይሮም።

ሰራዊት ትግራይ ናብ ተምቤን ክውሰድ ዝነበሮ ከባቢ ኣላሳ ዓሪዱ።

ኣብኡ ድማ ብርቱዕ ውግእ ቀጺሉ። ድምጺ ፍንጀራ ይስማዕ ነይሩ።

“ዓቢ እምባ ኣሎ። ሓዊ ካብቲ እምባ ሓሊፉ ይረአ። ብወገን ተምቤን እውን ዝተቓጸለ ነገራት ይርአ። እምባ ዝቃጸል ዘሎ ይመስል። እቶም ደቀይ ንሰለስተ መዓልቲ ኣይደቀሱን። ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ በዓቲ ጸኒሕና" ይብል።

ሓረስቶትን ነበርትን እቲ ከባቢ እንስሳታቶም ሒዞም ህይወቶም ከድሕኑ ናብ በዓቲ ገርዓልታ ኣትዮም።

ኣብ እዋን ወራር ኢጣልያ፡ ነበርቲ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ሃዲሞም ዝተሓብኡሉ በዓቲ ምዃኑ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ገሊጾምሎም።

ማይ ንምርካብ ክሳብ ክልተ ሰዓት ይወስድ። “ጽሩይ ማይ ዝበሃል የለን፤ "እንተተረኺቡ ዝተዘረገ'ዩ" ይብል።

በብመዓልቱ ቅጫ እናሰንከቱ፡ ቈሎን ዕፉንን እናጠበሱን ይበልዑ።

ድሕሪ ናይ መዓልታት ውግእ ድማ እቲ ኣብ ኣልዓሳ ዝነበረ ሰራዊት ትግራይ ካብቲ ከባቢ ምስ ወጸ እቲ ውግእ ሃዲኡ። ነበርቲ’ውን ናብ ገዛኦም ተመሊሶም።

“ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ዝኸድናዮ ግዜ ጽቡቕ ነይሩ። ፍርያት ነይርዎ። እቶም ሓረስቶት ዓቂቦምና” ክብል ገሊጹ።

ኣብኡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ጸኒሖም እዮም።

ምልሰት ናብ መቐለ

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ወተሃደራት ከም ዝኣተዉ ምስ ሰምዑ ናብ መቐለ ክምለሱ ወሲኖም።

ካብ ደብሪ ምስተመልሱ እቲ ተዅሲ ደው ስለ ዘይበለ፡ ገዛ ሓፍታ ክልተ ደርብን ስለዘለዎ ድሕነትና ክሕሎ ብዝብል ናብ እንዳ ሓፍታ ከይዶም።

ወተሃደራት ብጕጅለ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ይንቀሳቐሱ። ብመኪና ይሓልፉ።

"እታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ከተማ ኣይትመስልን" ትብል ጸደይ። ናይ ሙታን ከተማ እያ ትመስል። ዘይፈልጣ ከተማ መሲላትኒ። ኣዝየ ፈሪሐ። ናብቶም ወተሃደራት ቁሊሕ ኢለ ክጥምት ኣይከኣልኩን። ርእሰይ ኣድኒነ።"

ንኽልተ ሰሙን ኣብ በረኻ ኮለል ዝበሉ ኣኮኣን ሓዋን፡ 103 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ መቐለ ተመሊሶም።

ኣደኣ፡ ወዳ ብህይወት ክረኽቦም እየ ኢላ ስለዘይኣመነት ተኣምር ኰይኑዋ።

"ኣዝዮም ቀጢኖም መጺኦም፡ ንኽልተ ሰሙን ኣይበልዑን። ንሓወይ ከለልዮ ኣይከኣልኩን" ኢላ።

ብድሕሪኡ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ። ኣብ ድሕሪ 12 ሰዓታት ክንቀሳቐሱ ዝተረኸቡ ሰባት ስጕምቲ ከምዝውሰድ ተገሊጹ።

መዓልታዊ ስቕ ኢሉ ነበረ፤ "ኣብ መንጐ ህዝብን ወተሃደራትን ዝነበረ ወጥሪ ልዑል እዩ፤ "ህዱእ ግን ከኣ ዓው ዝበለ ድምጺ ዘለዎ" ትብል።

ጸደይ፡ እታ ከተማ ለይቲን መዓልትን ብተዅሲ ትናወጽ፡ ነበርቲ ሞይቶም ከም ዝተረኽቡ ምስማዕ ልሙድ ምንባሩ ትዝክር።

ሓይልታት ፈደራል ንመቐለ ካብ ዝቈጻጸሩ ኣትሒዙ ክሳብ 21 ሰነ 2013 ሰፊሕ ጥሕሰት ሕጊ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዓመጽ ዝምታ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ሆስፒታላትን ከም ዝነበረ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ዓንዶም መቐለ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሰርሕ ተሓቲቱ'ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ኣብዩ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይሮቢ ይነብር ኣሎ።

ዓንዶም ብዛዕባ ስድራኡ ንመወዳእታ ግዜ ዝሰምዐ ኣብ ግንቦት እዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ወተሃደራት ኤርትራ ሚእቲ ቅርሺ ኣኽፊሎም ብሞባይል ምልክት ገይሮም ክድወለሎም ይገብሩ ነይሮም። ዓንዶም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብህይወት ከምዘለዉን ከምዘየለዉን ዝፈልጦ ነገር የለን።

ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኣብ መቐለ ዝተፈጸመ እንታይ ኢሉ?

ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ 19 ሕዳር፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታልን ሓዊሱ 15 ሲቪላዊ ትካላት ብከቢድ ኣጽዋር ከምዝደብደበ ኣፍሊጡ እዩ።

ኣብዚ መጥቃዕቲ ሰለስተ ህፃናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 29 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቖሰሉ ሓደ ክኢላ ሕክምና ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ከተማ መቐለ ብኸቢድ ኣጽዋር ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ቀረብ ኣጽዋር ምንባሩ ይዅን እቲ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ዒላማ ዘንጻጸረ ከምዝነበረ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዘይረኸበ ገሊጹ።

መሰኻኽር ዓይኒን እሙናት ምንጭታትን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ መቐለን ኣብ 19 ሕዳር 2013 ከምዝወጹ ይገልጹ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብ እዋን ደብዳብ፡ ብሓይልታት ትግራይ ዝተገብረ ጸረ-መጥቃዕቲ ከምዘይነበረ ኣፍሊጡ’ዩ።

መንግስቲ ፌደራል ግን ሕጂ’ውን ነቲ ክሲ ኣይቅበልን።