ንቼ ጉቬራ ዝማረኸ ቦሊቭያዊ ጀነራል ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ንኤርነስቶ "ቼ" ጉቬራ ማሪኹ ሃገራዊ ጅግና ዝተበሃለ ቦሊቭያዊ ጀነራል ኣብ መበል 84 ዓመቱ ዓሪፉ።
ኣብ 1967 ጋሪ ፕራዶ ሳልሞን ኣብ ቦሊቭያ ብሓለውቲ ሰበስልጣናት ኣመሪካ ዝድገፍ ወተሃደራዊ ስርሒት መሪሑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብቼ ጉቬራ ዝተወደበ ኮሚኒስታዊ ናዕቢ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ቦሊቭያ የማናዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ነይርዋ።
እቲ ኣብ ኣርጀንቲና ዝተወልደ ቼ ጉቬራ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብሓደ ወተሃደራዊ መኮንን ተቐቲሉ።
ኣብቲ እዋን ኣብ መንጐ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ዝነበረ ዝሑል ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ፤ ኣመሪካ ብዛዕባ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘሎ ኮሚኒስታዊ ጽልዋ፡ እንተላይ ንጥፈታት ቼ ጉቬራ ኣዝያ ተሻቒላ ነይራ።
ቼ ጉቬራ፡ ድሕሪ ሰውራዊ ዓወት ኩባ፡ ኣብ 1959 ኣብ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ክመርሕ ካብ ኩባ ግዒዙ።
ቼ ኣውራ መሓዛ መራሒ ኮሚኒስት ኩባ ፊደል ካስትሮ ነይሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኮሚኒስታውያን ድማ ከም ጅግና ይርእይዎ።
ወዲ ጀነራል ፕራዶ፡ ንኣቦኡ "ዘይተለምደ ሰብ" ክብል ገሊጽዎ፤ "ሕድሪ ፍቕሪ፡ ቅንዕናን ትብዓትን" ከም ዝገደፈ’ውን ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ንቼ ጉቬራ ብጥይት ዝቐተሎ ቦሊቭያዊ መኮነን፡ ማሪዮ ቴራን ይበሃል። ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ሞይቱ።
ጀነራል ፕራዶ፡ ንጕጅለ ቼ ጉቬራ ድሕሪ ምስዓሩ ንወተሃደራዊ ስርዓት ቦሊቭያ ዝተኸላኸለ ሃገራዊ ጅግና ተባሂሉ።
ንሱ፡ ብኣመሪካ ዝሰልጠኑ ቦሊቭያውያን ሬንጀርስ እዩ መሪሑ፤ ኣብቲ ፈለማ 120 ኣባላት ዝነበርዋ ጕጅለ ቼ ጉቬራ ድማ ናብ 22 ወሪዳ ነይራ።
ጀነራል ፕራዶ ኣብ 1981 ብጌጋ ብዝተተኮሰት ጥይት ዓንዲ ሕቘኡ ካብ ዝውቃዕ ኣትሒዙ ዓረብያ ክጥቀም ጸኒሑ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ 1967 ዝረኸቦ ዓወቱ እትገልጽ ‘How I Captured Che’ (ንቼ ብኸመይ ማሪኸዮ’) እትብል መጽሓፍ ጽሒፉ።
ወዱ ከም ዝብሎ፡ "ንዕኡ ንቼ ምምራኽ ኣብ ህይወቱ እቲ ዝዓበየ ኣገዳሲ ነገር ኣይነበረን - እንታይ ደኣ፡ ዕጡቕ ሓይልታት ቅዋምን ሕግታትን ዘኽብር ደሞክራስያዊ ትካል ንኽኸውን ኣበርክቶ ምግባር እዩ።"
ቼ ጉቬራ ኣብታ ካብ ላ ፓዝ ንደቡብ 830 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቦሊቭያዊት ቁሸት ላ ሂጉዌራ ተቐቲሉ፣ ሬሳኡ ድማ ኣብ ምስጢራዊ ቦታ ተቐቢሩ።
ኣብ 1997 ግን ሬሳኡ ተረኺቡ፡ ተፋሒሩ፡ ኣብ ኩባ ዳግማይ ተቐቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







