እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ምብራቕ ወለጋ - ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 50 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ጎቡ ሳዮ: ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 50 ሰባት ከም ዝሞቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ] ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ኮሚሽን ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብ25 ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ ደኖ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞምዎ ይብል።
ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ መዓልቲ፡ ካብ ሰዓት 12፡00 ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሱ ዕጡቓት፡ ብሰለስተ ኣንፈት ናብታ ከተማ ብምእታው መጥቃዕቲ ከም ዝፈነው ገሊጹ።
በቲ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተጎድኡን ከም ዝቖሰሉን፡ ንብረት ከም ዝተመዘምተን ከም ዝዓነወን ካብ ነበርቲ ከም ዝተረድአ ኣመልኪቱ።
ኢሰመኮ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ኣካላት መንግስትን ስድራ ግዳያትን ብምዝርራብ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉን ቀንዲ ዒላማ እቶም ዕጡቓት ድማ እቶም ካብ ወረዳ ጎቡ ሳዮ ዝተፈናቐሉ ተመዛበልቲ ሰባት ከም ዝዀኑን ክርዳእ ክኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እታ ከተማ ተመዛበልቲ ተዓቚቦም ነይሮም።
በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 50 ሰባት ክቕተለው እንከለው ሓደ በዓል ስልጣን ክልል፣ መራሒ መኪና፣ ፖሊስ እታ ከተማን ኣባላት ምልሻ ቀበሌን ካብቶም ግዳያት ይርከብዎም።
ካብዚኦም እቶም፡ 42 ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ማእከል ዝነብሩን ምስቲ ሕብረተሰብ ዝተሓዋወሱን ተመዛበልቲ ከምኡ’ውን ንመንግስቲ ይድግፉ ዝተባህሉ ነበርቲ ዀይኖም፣ ካብቶም ዝሞቱ ድማ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ህጻናትን ይርከብዎም።
እቶም ዕጡቓት፡ ብፍላይ ኣብታ ከተማ ብ'ዕዳጋ ሰኑይ' ዝፍለጥ ከባቢ፡ "ገዛ ንገዛ ብምኻድ ብፍላይ ንተወለድቲ ኣምሓራ ፈልዮም ቀቲሎም" ይብል መግለጺ ኢሰመኮ።
ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ዝርከብ መዕቆቢ ኣረጋውያንን፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ቀጽሪ ብምእታው ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፤ "ክሃድሙ ዘይከኣሉ ደቂ ተባዕትዮ ካብቲ ቦታ ዝመጽኡ ሰባት ለቒሞም ከም ዝቐተሉን፡ ካብኣቶም ድማ ድሕሪ ምቕታሎም ሬሳኦም ብሓዊ ዝተቓጸሉ ሰባት ከም ዝነበሩን" እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።
ብዘይካ እዚ፡ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ኣጋጢሙዎም ኣሎ።
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ናይ ብሕቲ ንግዳዊ ድኳናት፣ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ፣ ጨንፈር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ደኖን ካልኦት ትካላትን ብሰፊሑ ተዘሚቶምን ዓንዮምን እዮም።
እቶም ዕጡቓት ነቶም ኣቐዲሞም ኣብታ ከተማ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ዝተመዛበሉ ሰባት ዒላማ ስለ ዝገበሩ እቶም ዝተረፉ ተመዛበልቲ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተበታቲኖም እቲ መዕቆቢ ንግዚኡ ከም ዝተዓጽወ ገሊጹ።
ኣብ ከተማ ደኖ ኣስታት 10,800 ሰባት ኣብ መዕቆቢን ካብ መዕቆቢ ወጻኢን ዝነብሩ ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ኣብ ምዕራብን ደቡባውን ክፋላት እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ 'ሸኔ' ዝተባህለ ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
እቲ ጉጅለ ግን ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዘይገብር ይገልጽ።
ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኦሮሚያ ከም ዝንቀሳቐስ ዝንገረሉ እዚ ጉጅለ፡ ብመንግስቲ ሸኔ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ከም ዝተበየነ ይዝከር።