ድሕሪ ስምምዕ ሰላም፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰሱ

    • Author, ካትሪን ባይሩሃንጋ
    • Role, ቢቢሲ ኒውስ፡ ወኪል ኣፍሪቃ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ንከብቅዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ምስ መራሕቲ ህወሓት ስምምዕ ሰላም ከም ዝኸተመ ይዝከር።

ጉጅለታት ሰብኣዊ ረድኤትን ነበርትን ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ - ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ - ቀጺሉ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዚ ጸብጻብ እዚ ንገለ ኣንበብቲ ጾታዊ ዓመጽ ሓዊሱ ዘሕርቕ ኰይኑ ክረኽብዎም ዝኽእሉ ትሕዝቶታት ዝሓዘ እዩ።

ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰላም ንምውራድ ምስቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ መራጽምቶም ኢድ ንኢድ ኣብ ዝተጨባበጥሉ መዓልቲ - ካሜራታት ነቲ ህሞት ክስንዳ እንከላ ንሶም ክምስ ይብሉ ነይሮም - ለታይ ደብዳብ ሞርታር ይዓልብ ስለ ዝነበረ ኣብ ትሕቲ ድልድል እያ ተሓቢኣ ሓዲራ።

ኣብ ሓደ ከባቢ ሰሜናዊ ምብራቕ ትግራይ በይና እያ ነይራ፤ ብሓደ ኤርትራዊ ወተሃደር ግን ጾታዊ ዓመጽ በጺሑዋ።

"ድሕሪኡ፡ ናብ ውነይ ቅድሚ ምምላሰይ ንነዊሕ ሰዓታት ነብሰይ ኣይፈልጥን ነይረ። ክሳብ ዝኸዱ ግን ንነብሰይ ከትርፍ ክሕባእ ነይሩኒ”።

ሽም ለታይን ናይተን ካልኦት ታሪኸን ንቢቢሲ ዘካፈላ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ካብ ጸለመን መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይን ንምክልኻል ቀይርናዮ ኣለና።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያን መላፍንቶም ዝዀኑ ሓይልታትን ኤርትራን ጉጅለታት ሚሊሻን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ 'ስልታዊ' ዝዀነ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ሰነዳት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን የመልክቱ።

ሓይልታት ትግራይ እውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገብሩዎ ዝነበረ ግስጋሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ክሲ ይቐርበሎም።

ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ክልቲኦም ወገናት፡ ትግራይ ንምቁጽጻር ተዋጊኦም።

ብሰንኪ እዚ ዝስዓበ ሞት ኣማኢት ኣሽሓት ከም ዝተመዝገበ ይንገር።

ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ደው ክብል ተስፋ ነይሩ።

ደቂ ኣንስትዮ፣ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ትካላት ረድኤትን ግን ደው ከም ዘይበለ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ናብ ትግራይ ክገሹ መንግስታዊ ፍቓድ ስለ ዘይተዋህቦም፡ ንለታይ ብስልኪ ኢና ኣዘራሪብናያ።

"ክልተ ግዜ እየ ተዓሚጸ፤ እንታይ በዲለ? ዳርጋ ዝተመነኹዎ እዩ ዝመስል”።

ለታይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021፡ ብኽልተ ወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝተዓመጸት ትዛረብ - እቲ ሳልሳይ ግን ገዲፉዋ ከይዱ።

"ክልቲኦም፡ ነቲ ሳልሳዮም’ውን ቅድሚ ምሕታት ዝደለዩዎ ገይሮም፤ ንሱ ግን ኣይፋል ኢሉ። ንሱ ድማ፡ 'እንታይ ክገብራ? ድሮ ኣብ ኣብ መሬት ዘላ ሬሳ እንድያ’ ኢሉ።"

ለታይ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተዓመጸት ኣብ ሓደ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝተሓጋገዝ ጉጅለ ተጸንቢራ ሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሓገዝ ረኺባ እያ።

ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ከም ዝተገብረ ዝንገረሉ ዝነበረ እዋናን ንሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሓ ንኡሽቶ ጓል ክትሕግዝ ኢላ ካብ ገዝኣ ምስ ወጽአት እያ ዳግም ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኰይና።

ኣብ'ዚ እዋን ኲናት ዝተፈጸመ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን ተቛሪጹ ስለ ዝነበረ ግዳያት ብዛዕባ ዝበጽሐን ንምዝራብ ክሰግኣ ጸኒሐን እየን።

ብመሰረት ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝተረኽበ መረዳእታ ካብ ወርሒ ሕዳር ክሳብ ታሕሳስ 2022 - ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ሰላም - ግዳያት ንምሕጋዝ ኣብ ዝተጣየሹ ማእኸላት 852 ግዳያት ሪፖርት ገይረን።

ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት’ውን ጉዳያት ጾታዊ ዓመጽ ምስናድ ቀጺሎም ኣለዉ።

ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዛላምበሳ ዝመጽአት ኣድያም፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ብሓደ ወተሃደር ኤርትራ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሓ ገሊጻ።

"ኣርባዕተ ነይሮም ግን ሓደ ጥራይ እዩ ዓሚጹኒ። ክቐትሉኒ መደብ ነይርዎም፤ ምስ ተዓመጽኩ ግን ገዲፎምኒ ከይዶም።"

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ መቐለ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዝርከብ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝሕብሐባሉ ማእከል እትሰርሕ ዘላ ነርስ ሙሉ መስፍን ኣብቲ እትሰርሐሉ ዘላ ማእከል እናተንቀሳቐሰት ብስልኪ ዝቐድሓቶ መልእኽቲ ልኢኻትለይ።

"ኣብዚ 'ዋን ስቶፕ ሴንተር' ብዙሓት ግዳያት ኣለዋ፤ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝመጽኣ እየን። መብዛሕትኦም ሓደሽቲ ኬዛት ክኣ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዝተራእዩ’ዮም” ትብል።

እታ ነርስን ካልኦት ዘዘራረብናዮም ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ መብዛሕትኦም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጻት ብወተሃደራት ኤርትራ ዝተፈጸሙ ክዀኑ እንከለው፡ ሚሊሻታት ኣምሓራን ወተሃደራት መንግስትን እውን ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ይኸስዎም።

ኤርትራ ምስ ትግራይ ትዳወብ፤ ምስ ገዛኢ ሰልፊ እቲ ክልል ንነዊሕ እዋን ቅርሕንቲ ዝጸንሖ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብቲ ኲናት ክኣቱ ካብ ዝገበሩዎ ምኽንያታት እቲ ሓደ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ብተነጽሎ ዝነብር ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ሳሕቲ ኣብ ዘጋጥም መድረኽ ተረኺቡ ነይሩ።

ናጻ ፕረስ ካብ ዘይብላ ሃገር ዝመጽአ ኣቶ ኢሳያስ ብጋዜጠኛታት ተሪር ሕቶታት ምስ ተሓተተ ተቘጢዑን ሓሪቑን እዩ።

ኣብ ትግራይ ብሓይልታት ሃገሩ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ኣመልኪቱ ዝቐረብሉ ኩሎም ሕቶታት ነጺጉዎም’ዩ።

"ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት [ብሓይልታት ኤርትራ]፡ ዓመጽ፡ ዝምታ ዝዛረብ፡ እዚ ኣብ ኣእምሮ እቶም ነዚ ፋብሪካ ዝውንኑ፡ ኣነ ፋብሪካ ግጉይ ሓበሬታ ዝብሎ ሕልሚ’ዩ”።

ኣብዚ ጸብጻብ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ናብ ሚኒስቴር ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ስምምዕ ሰላም ዘማእኸለ ሕብረት ኣፍሪቃን ርእይቶ ክህቡ ሰዲድናዮ ኣለና፣ እንተዀነ ክልቲኦም መልሲ ኣይሃብሉን።

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ ትግራይ እወንታዊ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ። ውግእ የለን።

ሓገዝ ብፍላይ ድማ መግብን መድሃኒትን ናብ ዝበዝሑ ከተማታትን ዓድታትን ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣገልግሎት ባንክን መራኸቢታትን ዳግማይ ጀሚሩ ኣሎ።

ገለ ስድራቤታት ዳግማይ ክራኸቡ እንከለው ገሊኦም ድማ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ነንሕድሕዶም ብቴሌፎን ክዘራረቡ በቒዖም።

ብመሰረት ዓንቀጽ ኣርባዕተ እቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕ ግን፡ "እቶም ወገናት ብፍላይ ዝዀነ ይኹን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ተግባር ጾታዊ ዓመጽን ክኹንኑ ኣለዎም።"

"ጾታዊ ዓመጽ፡ ምጥሓስ ናይቲ ስምምዕ'ዩ" ትብል ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሺያ ባደር።

"ሓደ ካብቲ ከነልዕሎ ዝጸናሕና ሕቶታት፡ ደገፍቲ እቲ ስምምዕ ጥሕሰት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ምዝራቦም ዘለዎ ኣገዳስነት እዩ”።

እቲ ትካል ብቐጻሊ ናጻ መርመርትን ጋዜጠኛታትን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክበጽሑ ጻውዒት ይገብር ኣሎ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስራሕ እቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጀነቫ ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ከብቅዕን ክዳኸምን ንምፍታን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣዝዩ የሻቕለና እዩ" ትብል።

ላቲሽያ ባደር፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዝዀነ መስርሕ ዕርቂ ፍትሒ ክረኽባ ኣለወን ኢላ።

ህሊና፡ "ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም መጥቃዕቲ ክወርደኒ እዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እዛ ኣደ ሰለስተ ቆልዑ፡ ኣብ ሑመራ ቆሎ ሸይጣ እትሓድረሉ ካብ ዝነበረ ናብርኣ ሃዲማ ኣብ ሸራሮ ተዓቊባ ጸኒሓ።

ብ16 ሕዳር ኣምስያ ናብ ገዛኣ ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን ክልተ ወተሃደራት ኤርትራ ነቲ ገደብ ሰዓት ምንቅስቓስ ብምጥሓስ ደው ከም ዘበልዋን መለለዪ መንነት ከም ዝሓተትዋን ትዛረብ፤ ድሕሪኡ ናብ ሓደ ጥርሑ ዝነበረ ገዛ ወሲዶምዋ።

ብ26 መስከረም ዝተቐድሑን ብኩባንያ ማክሳር ቴክኖሎጂስ ዝተዘርግሑን ስእልታት ሳተላይት ኣብ ሽራሮ ምንቅስቓስ ሓይልታት ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ዝመስሉ ዘርእዩ እዮም።

ህሊና ምሉእ ለይቲ ከም ዝተዓመጸት ትዛረብ። በዚ ምኽንያት ምጥናሳ ዝፈለጠት ህሊና፡ ካብ ዓመጽተይ ኣይወልድን ኢላ ነቲ ጥንሲ ነጺላቶ።

ብመሰረት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ጥቓ ሸራሮ ሰራዊት ኤርትራ ኣለዉ’ዮም።

እቲ ስምምዕ ሰላም ካብ ትግራይ ክወጽኡ ዝጠልብ ኰይኑ ካብ ዓበይቲ ከተማታትን ዓድታትን እኳ እንተወጽኡ ሕጂ ናብ ዶባት ገጽ ከም ዝተጸግዑ ይግለጽ።

ሻሹ ዝተባህላ ጓል 80 ዓመት ኣደ፡ ክነዛርበን እንከለና ንብዓተን ክቈጻጸርኦ ኣይክኣላን።

ነቲ ቃለ መሕትት ክትቅጽሎ እንተዀይንና ሓቲትናየን፤ ተሰማሚዐን።

ሻሹ ከም ለታይ ኣብዚ ኲናት ክልተ ግዜ ከም ዝተዓመጻ ይዛረባ - ቅድሚን ድሕሪን ስምምዕ ሰላም።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ከቢድ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ዝገልጻ እዘን ኣደ፡ ሕጂ ሽንትን ሰገራን ክቈፋጸራ ከም ዘይኽእላ ገሊጸን።

“ክልተ፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ፤ ጠቕሊለ’የ ተሃስየ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኣካላተይ ጽቡቕ ነገር ከም ዘየለ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓኒ።"