ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ብራዲ ግሪሞር ቀዳማይ ሄኖክ ሻዱሻይ ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, FERWACY
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኣባላት እስራኤላዊት ጋንታ ፕሪሜር ቴክ፡ ንራዲ ግሪሞር ከምኡ'ዉን ኢታማር ኢንሆር ቀዳማይን ካልኣይን ወጺኦም።
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድርኽ ዙር ርዋንዳ ዝተዓወተ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ሻዱሻይ፡ ዳዊት የማነ ሻውዓይ፡ ዩኤል ሃብተኣብ ድማ መበል 11 ወጺኦም ኣለዉ።
ኣብዛ መድረኽ ተቐዳደምቲ ብድምር 2198 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም።
እዚ ናይ ሎሚ ውድድር ካብ ኪጋሊ ተበጊሱ ተረርቲ ዓቐበታት ብምስጋር ድሕሪ ናይ 112.8 ኪሎ ሜተር ጉዕዞ ኣብ ሙሳንዘ'ዩ ተዛዚሙ።
ጸወታ ብኣቋጻጽራ ኪጋሊ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ'ዩ ጀሚሩ።
ተጻወትቲ ን3.7 ኪሎ ሜተር ብሓባር ምስ ተጓዓዙ ብኮምሽነር እቲ ውድድር ናይ ተበገስ ምልክት ተዋህቦም።
ኣብ 7.7 ኪሎሜተር ነጥቢ ተውህብ ዓቐበት ተሰሪዓ ስለ ዝነበረት ትማሊ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ዝሓዘ ርዋንዳዊ ዲደር ሙንየኔዛ ሳልሳይ ርእሱ ካብ ዓባይ ጉጅለ ናብ ቅድሚት ወጽአ። ናይ ትማሊ ድኻም ኣይወጽኣሉን 'መስለኒ፡ ምስኦም ነዊሕ ክኸይድ ኣይከኣለን።
ነታ ተዳልያ ዝነበረት ሕንጻጽ ከኣ ዶርን ካብ ባይክ አይድ፡ ንሰንጉማና ካብ ጃቫ ኢኖቬተክ ዲደር ሙንየኔዛ ካብ ርዋንዳን ዩኤል ሃብተኣብ ካብ ባይክ አይድን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ብምእታው ነጥቢ ተማቒሎም።
ኣብ መበል 24.6 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝነበረት ነጥቢ ተወህብ ዓቕበት፡ እቶም በይኖም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ዶርንን ንሰንጉማናን ተመራሪሖም ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካብኦም ብልዕሊ ክልተ ደቒቕ ድሒሩ ዝነበረ ዲደር ሙንየኔዛ ሳልሳይ ኮይኑ ኣትዩ።
ኣብ መበል 45.2 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት 'ኢንተርሚድየት ስፕሪንት ከኣ ንሰንጉማና ቀዳማይ፡ ዶሪን ካልኣይ፡ ሙንየኔዛ ሳልሳይ ኮይኖም ኣትዮም።
ዓባይ ጉጅለ ከኣ ልዕሊ ኣርባዕተ ደቓይቕ ድሒራ ብዘገምታ ትስዕቦም። ኣብ መበል 45 ኪሎሜተር ድማ ንዲደር ሙንየኔዝ ኣርከበቶ።
ካብ ዓባይ ጉጅለ ተደጋጋሚ ናይ ሙምላቚ ፈተነታት'ኳ እንተነበረ፡ ከየድመዐ'ዩ ዝመክን ነይሩ።
ኣብ መበል 66.3 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ንኣንበሳ ዓቐበት ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ ንሰንጉማና ቀዳማይ፡ ዶሪን ካብ ባይክ አይድ ከኣ ካልኣይ ኮይኖም ኣትዮም።

ጸወታ 80 ኪሎ ሜተር ምስ ተላዓሎ፡ ዓባይ ጉጅለ ፍልልያ ናብ ትሕቲ ክልተ ደቒቕ ኣውረደቶ። እቲ ፍልልይ'ውን ቀልጢፉ ክወርድ ጀመረ።
ዓባይ ጉጅለ ካኣ ክትተሓቛቖን ጀመረት።
ጸወታ ክወዳእ 20 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቅድሚት ተገዲማ ክትስሕብ ጀመረት።
ምስቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ከኣ ነቲ ፍልልይ ናብ 20 ካልኢት ኣውረደቶ። ጸወታ ብቅጽበታዊ ውድድር ከም ዝዛዘም ከኣ ዳርጋ ርግጽ ኮነ።
ጸወታ ክውዳእ 10 ኪሎ ሜተር ምስ ተረፎ ዓባይ ጉጅለ ንኹሉ መጥቃዕትታት ኣምኪና ኣብ ሓደ ተኣከበት።
ብቕጽበታዊ ውድድር ከኣ ኣባላት ክለብ ኢስራኤል ፕሪሜርቴክ ቀዳማይን ካልኣይን ኣትዮም።
ትማሊ ብጫ ማልያ ዝሓዛ ኣባል ጋንታ ቶታል ኢነርጂ ፋብያን ዶቢ ሎሚ ግዜ ከይከሰረ መበል 20 ኰይኑ ብምእታው ብጫ ማልያ ዓቂቡዋ ኣሎ።
ካብ ኤርትራውያን ዓወት ኣማን 19፡ መትከል እዮብ 27፡ ያፌት ሙሉጌታ 28፡ ናሆም ዘርኣይ 29፡ ናታን መድሃኔ 30 ዓወት ክብሮም ከኣ 39 ኣትዮም።
ካብ ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣማንኤል ደስታ 15፡ ብዛይ ተስፉ 18፡ ኣማንኤል ሃይለሚካኤል 34፡ ገረዝግሄር ገብረመድህን 40 ተስፋይ ኣማንኤል ከኣ መበል 41 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







