ዙር ርዋንዳ 2024፡ ብሪጣንያዊ ጆሴፍ ብላክሞር ተዓዋቲ መድረኽን ብጫ ማልያን ኮይኑ

ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2024

ምንጪ ስእሊ, FERWACY

ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ኣብ ዝተኻየደ ሻሙናይን ናይ መወዳእታን 73.6 ኪሎሜተር ዝሽፍን ውድድር ተቀዳዳማይ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ወናኒ ብጫ ማልያ ብሪጣንያዊ ጆሴፍ ብላክሞር ብዘተኣማንን ብቕዓት ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ሻሙናይ መድረኽን ብጫ ማልያን ኮይኑ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ካብ ኩለን ጋንታታት ንውድድራ ብዝወሓደ ግዜ ብምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና ወዲኣ።

ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝበለጸ መንእሰይን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ክኸውን እንከሎ ተቀዳዳማይ ጋንታ ባይክ አይድ ዳዊት የማነ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም ኣሎው።

ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝበለጸ መንእሰይን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ

ኣብዛ ናይ ሎሚ መድረኽ ተቀዳደምቲ ብሓፈሻ 1661 ኪሎሜተር’ዮም ሸፊኖም።

ጸወታ ካብ ምጅማሩ በኸበድቲ መጥቃዕትታት'ዩ ጀሚሩ፡ ብጫ ማልያ ንሓድሕዶም ክተሓላለዉ ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግባ ዝደልያ ጋንታታት ነዚ መድረኽ ክኸስባሉ ከምዝደልያ ዳርጋ ርዱእ'ዩ።

ጸወታ 8 ኪሎሜትር ጥራይ ምስ ተላዓሎ ከኣ ኣርባዕተ ናይ ሙሙላቕ ፈተነ ተኻየደ። ሓደ ይወጽእ፡ ዓባይ ጉጅለ ትሃድኖ ሓደ የጥቅዕ ዓባይ ጉጅለ ተርክቦ።

ጸወታ 14 ኪሎሜተር ጥራይ ምስ ተለዓሎ፡ ጽጋቡ ግርማይ ካብ ጋንታ ዩሲኣይ ተሪር መጥቃዕቲ ብምፍናው ካብ ዓባይ ጉጅለ ተፈልየ።

ጽጋቡ ግርማይ እዚ ናይ መወዳእታ ጸወትኡ ኮይና፡ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ ነዚ ውድድር ክፋነዎ ዝደለየ ይመስል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንጽጋቡ ካልኦት ሰለስተ ተጻወትቲ ተሓዊሲሞ ፍልልዮም ካብ ዓባይ ጉጅለ ናብ 10 ካልኦት ኣብጽሕዎ። ኣብ መበል 18 ኪሎሜተር ግን ዓባይ ጉጅለ ኣርኪባ ወሓጠቶም።

ኣብ መበል 20 ኪሎሜተር ሳይሞን (ቶታል ኢነርጂ) ዶኒ (ሎቶ ደስትኒ) ከምኡ ከኣ ጌሪ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰለስቲኦም ተሪር መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ሓጺር ርሕቀት ፍልልዮም ከግፍሕዎ ጀመሩ። ኣብ መበል 25 ኪሎሜተር ከኣ እቲ ፍልልይ 30 ካልኢት በጽሐ።

ዶኒ ካብ ሎቲ ደስትኒ ነቶም ክልተ ኣብ ቅድሚኡ ብተሪር ስኳቶ ሓዲግዎም ተዓዝረ።

ካብ ዓባይ ጉጀለ'ውን ተቀዳደምቲ ተፈናጪሎም ጉጅለታት ክፈጥሩ ጀመሩ።

ቶረስ ካብ ዩኤኢ፡ ንዮብኩሩሩ ካብ ርዋንዳ ናብ ሳይሞንን ጌሪን ተጸንቢሮም ንዶኒ ኣርኪቦም ሓለፍዎ። ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ከኣ ናብ 50 ካልኢት ኣብጽሕዎ። ዶኒ ግን ሓይሉ ኣኻኪቡ ኣርከቦም።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጌሪ ካብ መራሒት ጉጅለ ዘልሓጥ ስለዝበለ ሰለስተ ተቀዳምቲ ኣብ ቅድሚት ኪይኖም ይሕንበቡ ነይሮም፡ ፍልልዮም ከኣ 1 ደቂቕን 15 ካልኢትን በጽሐ።

ጸወታ ክዛዘም 30 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ሰለስተ ተቀዳደምቲ ኣብ ቅድሚት፡ ብድሕሪኦም ሓደ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ሓደ ካብ ጋንታ ጃቫ ኢኖቬቲክ ይስዕብዎም።

ኩሎም እዞም ዝሃደሙ ኣብ ብጫ ማልያ ዘሰክፉ ስለዘይኮኑ ዓባይ ጉጅለ ንብጫ ማልያ ሓቊፋ ዘገም ኢላ ጉዕዞኣ ቀጸለት።

ዓባይ ጉጅለ ቀስ በቀስ ፍልልያ ናብ ትሕቲ ሓደ ደቂቕ ኣውረደቶ።

ቀዳሞት ሰለስተ ናብ ማውንት ኪጋሊ ክሓኩሩ ኣብ ዝጀመርሉ ከኣ እቲ ፍልልይ እናጸበበ ከደ። ጸወታ ክዛዘመ 20 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ እቲ ፍልልይ ናብ 20 ካልኢት ወረደ።

ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ኪሎሜተር ዓባይ ጉጀለ ክትጽንበሮም ኣብ ዝጀመረትሉ ዶኒ ካብ ሎቶ ስልደስትኒ ቶረስ ካብ ዩኤኢን ብተሪር ስኳቶ ፍልልዮም ከጽብቡ ጀመሩ፤ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጌሪ ግን ብዓባያ ጉጅለ ተወሓጠ።

ኣብ ዓባይ ጉጀለ ብጫ ናልያ ዝሓዙ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ብመሪሕነት ክሪስ ፍሩም ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ነቲ ጸወታ ክቋጻጸርዎ ጀመሩ።

ጆሴፍ ብላክሞር ከኣ ኣብ ሮታ ክሪስ ፍሩም ኮይኑ ጸወትኡ ይቅጽል፡ ኣብ ቅድሚት ዝርከቡ ቶረስን ዶኒን ፍልልዮም ናብ 25 ካልኢት ኣብጽሕዎ።

ናብ ጫፍ ማውንት ኪጋኪ ምስ ቀረቡ ዳዊት የማነን ናሆም ዘርኣይን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ተቀዳደምቲ መጥቃዕቲ ብምፍናው ነቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ቶረስን ዶኒን ኣርኪቦም ሓንቲ ጉጅለ ፈጠሩ።

ናሆም ዘርኣይ ካብ ማውንት ኪጋሊ ክወርዱ ኣብ ዝጀመርሉ ኣብ ቅድሚት ወጺኡ ንተጻወትቲ ከም ዓተር ተር ኣበሎም።

ጆሴፍ ብላክሞር ኣጥቂዑ'ውን ከምዝስዕር ንኸርኢ በይኖም ናብ ቅድሚት ብምውጻእ ነቶም መቀናቅንቱ ላሽ ኣቢሉ ንበይኑ ብዘይተቃጻጺ ቀዳማይ ብምእታው ናይ መድረክን ብጫን ማልያን ተዓዋቲ ኾነ።

ዓሚ'ውን ሄኖክ ሙሉብርሃን ብጫ ማልያ ሒዙ ንሻሙነይቲ መድረኽ ተዓዊትላ ምንባሩ ይዝከር።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ካብ ኩለን ጋንታታት ንውድድራ ብዝወሓደ ግዜ ብምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና ወዲኣ።
መግለጺ ስእሊ, ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ካብ ኩለን ጋንታታት ንውድድራ ብዝወሓደ ግዜ ብምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና ወዲኣ

ጆሴፍ ብላክሞር መን’ዩ?

ወዲ 21 ዓመት ብሪጣንያዊ ጆሴፍ ብላክሞር 23 ለካቲት 2003’ዩ ተወሊዱ፡ ኣብ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ቀዳማይ ብምውጻእ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ብምዃን ብጫ ማልያ ካብ ዊልያም ጁንየር ለሰርፍ ተረኪቡ፤ ኣብ መዓልቲ ልደቱ ብጻዕሪ ዘምጻእ ፍለይቲ ህያብ፡ ብጫ ማልያ።

ጆሴፍ ብላክሙር ኣብ ዙር ርዋንዳ ንኻልኣይ ገዚኡ’ዩ ዝወዳደር ዘሎ፡ ዓሚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብሪጣንያ ብምዃን ተሳቲፉ ነይሩ።

ንሱ፡ ብጅካ ኣብ ሻዱሻይ መድረኽ ቀዳማይ ምውጽኡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ካብ ሁየ ናብ ሩሱዚ’ውን ካልኣይ ኮይኑ ኣትዩ ነይሩ’ዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ካልኣይ መድረኽ መበል 12፡ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ሻዱሻይ፡ ኣብ ሓሙሻይን መድረኽ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሳልሳይ፡ ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ከኣ መበል ዓስራይ ብምውጻእ ነቲ ኣብ ብጫ ማልያ ኣብ ልዕሊ ካዛኪስተናዊ ዶስትይቭ ኢልክሃን ዘንጸፎ ናይ 11 ካልኢት ዓቒቡ’ዩ ናብ ሻሙናይን ናብ ናይ መወዳእታን መድረኽ ኣትዩ።

ጆሴፍ ብላክሙር ኣብ 2023 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብሪጣንያ ብምዃን ኣብ ዙር ርዋንዳ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ሻሙናይ መድረኽ ንሄኖክ ሙሉብርሃን ተኸቲሉ ካልኣይ ዝኣተወላ እታ ዝበልጸት ውጽኢቱ’ያ ነይራ።

ኣብታ ዓመት ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ 39 ካልኢት ድሒሩ ሻዱሻይ ኮይኑ’ዩ ውድድሩ ዛዚሙ ነይሩ።

ንመንእሰያት ኣብ እትውሃብ ማልያ ከኣ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ፡ እንሆ ከኣ ሎሚ ዓመት ኣብ ታሪኽ ዙር ርዋንዳ ካልኣይ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ኣውሮጳዊ ብምዃን ዘውዲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2024 ደፊኡ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 መለክዒ ክብ ካብ ዝብል ካብ ዝተኻየደ ሓሙሽተ ውድድራት ብጀካ እቲ ኣብ 2021 ቀዳማይ ኣውሮጳዊ ብምዃን ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ እቲ ዝተረፈ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ተዓዊተሙሉ።

ጽማቕ ውጽኢት ዙር ርዋንዳ 2024

ቀዳማይ መድረኽ፡

ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ሳውዳል ኲክ ስቴፕ ቀዳማይቲ

ካልኣይ መድረኽ፡

ኢታማር ላንሆርን ካብ እስራኤል ፕሪሜር ቱክ ቀዳማይ ብምውጻ ብጫ ማልያ ሒዙ፡ መርሃዊ ቅዱስ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝበለጸ መንእሰይን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰያን

ሳልሳይ መድረኽ፡

ጆናታን ሬስቲረፖ ካብ ጋንታ ፖልቲ ኮሜትራ ቀዳማይ ወጺኡ [ኣብ ዙር ርዋንዳ 7 ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ክብረወሰን ሒዙ ዘሎ]፡ ብጫ ማልያ ተቐዳዳማይ ክለብ ሳውዳል ኲክ ስቴፕ ፐፕጂን ረንደሪክ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ፡ ዝበለጸ መንእሰይን ዝበልጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይን

ራብዓይ መድረኽ፡

ተዓዋቲ እታ መድረኽ ዊልያም ጁንየር ለሰርፍ፡ ብጫ ማልያ ተቐዳዳማይ ክለብ ሳውዳል ኲክ ስቴፕ ፐፕጂን ረንደሪክ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ፡ ዝበለጸ መንእሰይን ዝበልጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይን

ሓሙሻይ መድረኽ፡

ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ፍረንሳዊ ላቱር ቀዳማይ ብጫ ማልያ ተቀዳዳማይ ክለብ ሳውዳል ኲክ ስቴፕ ዊልያም ጁንየር ለሰርፍ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ፡ ዝበለጸ መንእሰይን ዝበልጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይን

ሻዱሻይ መድረኽ፡

ተቀዳዳማይ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ብሪጣንያዊ ጆሴፍ ብላክሙር ቀዳማይ ብምውጻእ ብጫ ማልያ ሒዝዋ፡ ዳዊት የማነ ካብ ባይክ አይድ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝበለጸ መንእሰይን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይን

ሻውዓይ መድረኽ፡

ተቀዳዳማይ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ኢታማር ኢንሆርን ቀዳማይ፡ ጆሴፍ ብላክሙር ብጫ ዓቒቡ፡ ዳዊት የማነ ካብ ባይክ አይድ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝበለጸ መንእሰይን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይን፡ ብምዃን’ዮም ናብ ሻሙናይን ናብ መዛዘምን መድረኽ ኣትዮም።

ንዙር ርዋንዳ 2024 ኣብ ቀዳማይ መድረኽ 94 ተጻወትቲ’ኳ እንተጀመርዋ፡ ካብዞም 94 ተቀዳደምቲ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ብሕማም፡ ብመውደቕቲ፡ ብድኻምን ብመቅጻዕትን እናተጓደሉ ንሻውዓይ መድረኽ 68 ተቀዳደምቲ ጥራይ’ዮም ወዲአሞ።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ

ሎሚ ዓመት ንመበል 16 ግዚኡ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ እቲ 10 ግዜ እቲ ዙር 2.2 መለክዒ እንከለዎ ዓሰርተ ግዜ ክካየድ እንከለዎ እቲ ዙር ናብ 2.1 ክብ ምስ በለ ግን ሎሚ ዓመት ንሻዱሻይ ግዚኡ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

2019፡ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ጋንታ ኣስታን ብምዃን

2020፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመዃን

2021፡ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ምስ ጋንታ ቶታል ኢነርጂ ብምዃን

2022፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ብምዃን

2023፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ ብምዃን

ዙር ርዋንዳ ናይ 2.2 መለክዒ ኣብ ዝነበረሉ ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቀዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010 ነዚ ውድድር ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር’