ክልል ኣምሓራ፡ ኣምቡላንስ ብድሮን ተወቒዓ 5 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ወገል ጤና ኣብ ኣምቡላንስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን)፡ ዘዋሪ እታ ኣምቡላንስን ሓደ በዓል ሞያ ሕክምናን ዝርከብዎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።

ንደሕነቶም ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ነበርቲ ከባቢ፡ እታ ኣምቡላንስ ካብ ከተማ ደሴ መድሃኒት ሒዛ ትምለሰሉ ኣብ ዝነበረት እዋን እቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመ ኣብሪሆም።

በዚ መጥቃዕቲ ድማ፡ እታ መኪናን ሓደ ፋርማሲስትን እውን ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ድማ ከም ዝተጐድአ ተፈሊጡ'ሎ።

ካብ ምውዳእ ዝሓለፈ ዓመት [ግእዝ] ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ይካየድ ኣብ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ብመጥቃዕቲ ድሮን ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፈ ኣካያዲ ስራሕ መባእታዊ ሆስፒታል ደላንታ ዶክተር ጌታቸው፡ ኣብቲ ሆስፒታል ይሕከም ከም ዘሎ በዓልቲቤቱ ወይዘሮ እጸገነት ኣዳሙ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

“ጸጋመይቲ ኢዱ ተሃሪሙ፣ ብትኪ ተዓፊኑ፣ ጸገማት ምዝካር'ውን ኣጋጢምዎ ኣሎ፤ እንተዀነ ከቢድ ኣይኰነን” ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 20 ሕዳር 2016 [ግእዝ] ሰዓት 11፡00 [5፡00] ኣጋ ምሸት ብዝተካየደ ደብዳብ’ውን፡ ኣብ ህንጻዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ መዓልታዊ ሸቃሎን ወናኒ እቲ ህንጻን ግዳያት ከም ዝዀኑ ተዛሪባ።

ቢቢሲ ዘዛረቦም ነበርቲ፡ በዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ሰለስተ ከም ዝቘሰሉን ሓቢሮም።

“እታ ኣምቡላንስ መድሃኒት እያ ጽዒና ነይራ፤ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝኸድናሉ ክትተክኽ ጸኒሓ” ይብል ሓደ ካብ መሰኻኽር።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ብሓድሽ መልክዕ ንምውዳብ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገርን ናብ ውግእ ኣትዮም።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን፡ ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕትታት ድሮንን ሻቕላኡ ምግላጹ ይፍለጥ።

ኣብታ ኣምቡላንስ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ፋኖ ከም ዘሎ ዝገለጸ ካልእ ነባሪ ድማ፡ መንግስታዊ ትካላት ከም ዝተዓጸዉን ዕለታዊ ምንቅስቓስ ከም ዝተሰናኸለን ሓቢሩ።

“ፋኖ ይዅን ሰራዊት ምክልኻል ናብታ ከተማ'ኳ እንተኣተዉ ዝተረጋግአ ምምሕዳር የለን” ዝብል ካልእ ምንጪ ድማ፡ ብናህሪ ዋጋ ሃለኽቲ ምግብታትን ስእነት መድሃኒትን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት መንግስቲ ንፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዕጥቂ ንምፍታሕን ከም ብሓድሽ ንምውዳብን ስጕምቲ ምውሳድ ድሕሪ ምጅማሩ’ዩ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘይምርግጋእ ተኸሲቱ።

“ሓንሳእ ፋኖ ይኣትው፣ ካልእ ግዜ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ክቈጻጸሮ ጸኒሑ” ዝብል እቲ ነባሪ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ንነጀው ግን እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ፋኖ ከም ዝርከብ ገሊጹ።

“ሰራዊት ምክልኻል ክወጽእ እንከሎ፡ ሰብመዚ መንግስቲ ይእለዩ። ኣብያተ ትምህርቲ ሓደ-ሓደ ግዜ 'ኳ እንተተኸፍቱ፡ ተምሃሮ ግን ሊላ ኣብ ዝዝንብየሉ'ውን ብስግኣት ይብተኑ” ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ውግእ ከምዘየለ ዝገለጹ ነበርቲ፡ ኣብ ቀጻሊ ሻቕሎት ይነብሩ ከም ዘለዉ ግን ተዛሪቦም።

ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ዓለምለኸ ትካላትን፡ እቲ ግጭት ብልዝብ ንኽፍታሕ’ኳ ጻውዒት እንተቕረቡ፡ ብወገን ተጻባእቲ ኣካላት ግን ንሰላም ዝእንፍት ሓበሬታ የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕጂ ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝተበሃሉ መጥቃዕትታት ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ቢቢሲ ካብ ሰብመዚ ፈደራልን እቲ ክልልን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።