ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ 'ብነፈርቲ' ዝተሰነየ ሓያል ውግእ

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ውግእ ብከበድቲ ኣጽዋር ን ነፈርትን ዝተሰነየ ምዃኑ ነበርቲ እቶም ከባቢታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ግጭት ሓያለ ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዝወረደን ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ግጭት ከም ዝተቖጻጸርዎ ገሊጾም’ኳ እንተነበሩ፡ ኣባላት ምልሻ ፋኖ ግን ካብ መንግስቲ ዝመጾም መጥቃዕቲ ከም ዘፍሸሉን ከተማታት ከም ዝተቖጻጸሩን እዮም ዝዛረቡ።

ብሰሉስ ኣብ ዝተፈለላዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ሓያል ውግኣት ከምዝተኻየዱ ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ዞባታት ጎጃም፡ ሰሜን ሽዋን ማእከላይ ጎንደርን ወተሃደራዊ ረጽሚ ተኻዪዱ።

"ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ዝፈነውዎ ወፍሪ ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣሎ" ክብል ሓደ ነባሪ ምዕራብ ጎጃም፡ ወረዳ ቋሪት ተዛሪቡ።

እቲ ምሉእ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣቶ ኣበበ ዝተባህለ ነባሪ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ራብዓይ መዓልቱ ዝሓዘ ምዃኑ ጠቒሱ።

"ሰራዊት ምክልኻል ነቶም ከባቢታት ብኣልማማ ብከቢድ ብረት ይድብድብ ኣሎ" ክብል ዝኸስስ ኣቶ ኣበበ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ነበርቲ ከቢድ ቅልውላው ፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ።

ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ብርጉጽ ክዛረብ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ኣባይትን ትካላትን ዕንወት ከምዝወረዶም የመልክት።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት'ውን ብከቢድ ብረት ዝተሰነየ ውግእ ክካየድ ከምዝቐነየ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣቶ መላኩ ቢሻው ዝተባህለ ነባሪ ከምዝበሎ፡ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ድጎ ጽዮን ዝተባህለ ከባቢታት ውግእ ይቕጽል ኣሎ።

ትማሊ ኣብ ዝነበረ ግጭት፡ ሓሙሽተ ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝቖሰሉ ኣቶ መላኩ ጠቒሱ።

ኣብ ነበርቲ ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ዘረጋገጾ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ "ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ግን መንእሰያት ይግፈፉ ምህላዎምን፡ ገሊኦም'ውን 'ንፋኖ ትድግፉ ኢኹም' ብዝብል ከምዝተረሸኑ ሰሚዐ ኣለኹ" ኢሉ።

ቢቡኝ ዝተባህለ ወረዳ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ፋኖ ኣትያ ከምዘላ እቶም ነበርቲ ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ከም ዝብተንን ዘይስሩዓት ዕጡቓት ዕጥቂ ከም ዝፈትሑን ካብ ዝግለጽ ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ዕጡቓት ፋኖን ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ እታ ሃገርን ተደጋጋሚ ጐንፂ ተኸሲቱ እዩ።

እቲ ኵነታት እናገደደ ከይዱ ልዕሊ ዓቕሚ ምምሕዳር እቲ ክልል ምስ ኰነ ምትእትታው መንግስቲ ፌደራል ተሓቲቱ። ነዚ ስዒቡ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምእዋጅ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ከም ዘዋፈረ ይፍለጥ።

ኣብቲ ንኣዲስ ኣበባ ዝቐረበ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ሰሜን ሽዋ ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሄለኮፕተራት ዝተደገፈ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቲ ምስ ዕጡቓት ፋኖ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ወደራ፡ ኣልዩ ኣምባ፡ ሃራምባን ደረቦን ዝተባህሉ ዓድታት "ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ሓያለ ሰባት ጉድኣት ኣውሪዱ'ሎ" ክብል ሓደ ሳህለ መስፍን (ንድሕነቱ ሓቀኛ ስሙ ዝተቐየረ) ነባሪ ሓቢሩ።

ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ'ውን መምሃራን ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ከምዝተቐትሉ እቲ ነባሪ የረድእ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ክልል ዝተነበረ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቡ እቲ ግጭት ከም ዝሃድአ ምግላጹ ይዝከር።

ነቲ ህፁፅ ኣዋጅ ንምትግባር ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስት፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ "እቲ ክልል ካብቲ ዝነበሮ ፀገም ፀጥታ ይገላገል ኣሎ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ መስከረም ድማ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝንቀሳቐሱ “ኣኽረርቲ ሓይልታት ደጊም ስግኣት ኣብ ዘይኰኑሉ ደረጃ” ከም ዝርከቡ ገሊጹ እዩ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ፡ እቲ ግጭት ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ከም ዝተጋደደ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክቐቕልቀሉ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ዓመት ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ምኽንያት ብምግባር መግለጺ ዘውጽአ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግጭት ካብ ዘበገሱ ተግባራት ክቝጠባ ካብ ምጽዋዕ ሓሊፉ፡ ኣመሪካ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ ኣምሓራን ካልኦትን ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታትን ጽብጻባት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዘሻቕልዋ ገሊጹ ነይሩ።

“ዝቐጸለ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝፍጽምዎ በደላትን ከምኡ እውን ምንዛሕ መርዛም ትረኻን ነቲ ብኲናት ዝላሕለሐ ማሕበራዊ ርክብ መሊሱ የዳኽሞ ኣሎ” ኢሉ።

እንተዀነ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሸኔ ኢሉ ምስ ዝጽወዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ከምኡ ድማ ሓቢሮምዎ ኣንጻር ትግራይ ምስ ዝተዋግኡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘካይዶም ውግኣት እናቐጸሉ ይርከቡ።