እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህይወት በዓልቲ ቤቱ ንምድሓን ምስ ሓደገኛ እንስሳ ዝገጠመ ሰብኣይ
እቲ ፍጻመ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ካናዳ እዩ ኣጋጢሙ። ንበዓልቲ ቤቱ ካብ መጥቃዕቲ ክከላኸል ዝወሰነ ሰብኣይ ናብቲ 'ፖላር ቤር' ብዝብል ዝፍለጥ ሓደገኛ ድቢ ዘሊሉ ከምዝተቓለሶ ፖሊስ ይገልጽ።
ስሙ ዘይተጠቕሰ ካናዳዊ ሰብኣይ ከቢድ መጉዳእቲ እኳ እንተበጽሖ፡ ቀልጢፉ ክሓዊ ትጽቢት ይግበር።
እዞም መጻምድቲ ብሰሉስ ከባቢ ሰዓት 05፡00 ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር (11፡00 GMT) ኣኽላባቶም ንምድላይ ካብ ገዝኦም ኣብ ዝወጽኡሉ እዋን ኣብ መገዲ ዝጸንሖም ድቢ ነታ ሰበይቲ ከጥቅዕ ተወርዊሩ መጸአ።
ኣብቲ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ኦንታርዮ ኣብ ዝርከብ ኣስታት 400 ዝግመት ንእሽቶ ማሕበረሰብ ዝነብረሉ ፎርት ሰቨርን ፈርስት ኔሽን ዝተብሃለት ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ።
ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "በዓል ቤታ ነቲ መጥቃዕቲ ንክልኻል ናብቲ እንስሳ ክዘልል እንከሎ እታ ሰበይቲ ድማ ናብ መሬት ወዲቓ" ኢሉ።
"ድሕሪኡ እቲ ድቢ ነቲ ሰብኣይ ኣጥቂዑ፡ ኣብ ቅልጽሙን እግሩን ከቢድ ግን ከኣ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ መጉዳእቲ ኣብጺሑሉ" ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።
ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሰብ ሽጉጥ ሒዙ ብምምጻእ ነቲ ድቢ ደጋጊሙ ጥይት ተኲሱሉ። ሽዑ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ጫካታት ተመሊሱ ኣተወ። ብሰንኪ'ቲ መውቃዕቲ ጥይት ግን ኣብኡ ሞይቱ ተረኺቡ።
እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዘሎ ትካል ጥዕና ተወሲዱ ንዝወረዶ መጉዳእቲ ሕክምና ረኺቡ።
ፖሊስ "ካልኦት ድብታት ኣብ መንጎ'ቲ ማሕበረሰብ ይንቀሳቐሱ ከይህሉ ንምርግጋጽ ኣብቲ ከባቢ ኮለላ ከምዝቐጸሉ" ገሊጹ።
እዞም ፖላር ድብታት ሳሕቲ ንደቂ ሰባት ከምዘጥቅዑ ተመራመርቲ ስነ-እንስሳ ይሕብሩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ድቢ እንተጠምይዎ ወይ ጥዕና ዘይብሉ እንተኾይኑ'ዩ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝኽእል።
እቶም ድብታት ካብቲ ሰባት ዝነብሩሉ ከባቢ ርሒቖም ዝርከቡ'ኳ እንተኾኑ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ እቲ በረድ ምፍራስን ምስብባርን ስለዘጋጥሞ፡ መግቢ ንምድላይ ናብቲ ሰባት ዝነብሩሉ ከባቢ ክኸዱ ይግደዱ።