ዝጠፍኡ ዓሌት እንስሳታት ናብ ህይወት ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ዝጠፍኡ ዓሌት እንስሳታት ንምምላስ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኣብ 2021 ዝተመስረተ ተበግሶ-ዝጀመረ ኩባንያ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ክሳብ 10 ዓመታት ናይ ሓደ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ክልተ ዓይነት ዝጠፍኡ ዓሌታት እንስሳታት፡ ህይወት ክመልሱ ከምዝኽእሉ ርግጸኛ ዀይኑ ኣሎ።

ርግጽ፡ ክውን ክትገብሮ ኣብ ፊልሚ ‘ጁራሲክ ፓርክ’ ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ። ኣብ ሓቀኛ ህይወት ግን ቀሊል ዕማም ኣይኮነን። ኩሉ ሰብ ክግበር ከም ዝኽእል ወይ ውን ክኸውን ከም ዘለዎ እውን ኣይኣምንን እዩ።

ኣብዚ ዓውዲ፡ እንታይ ከም ዝተወጠነ ንርኢ እሞ፡ ብሓቂ ንሓደ እንስሳ ካብ ሞት ምምላስ ዝከኣል እንተኾይኑ ክንድህሳስ ኢና።

ንምዃኑ እንታይ እዩ ተወጢኑ ዘሎ?

 ብኣመሪካዊ ክኢላ ‘ጀነቲክስ’ [ምርምር መቦቀል ዘርኢ] ጆርጅ ቸርችን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቤን ላምን፡ ዝምራሕ ኮሎሳል ባዮሳይንስ፡ ነቲ ‘ዉሊ ማሞት’ ኣብ 2027 ክመልሶ ከምዝኽእል ተስፋ ኣለዎ።

ከምኡ’ውን ብሓገዝ ዩኒቨርሲቲ መልበርን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ካብ 1930ታት ጀሚሩ ዝጠፍአ ማርሱፒያል ዝበሃል ነብሪ ‘ታዝማኒያ ታይገር’ ወይ ‘ታይላሲን’ ዳግማይ ንምፍጣር ፕሮጀክት ከምዘለዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ግን ብኸመይ እዮም ክገብርዎ ዝኽእሉ?

 ሓደ መንገዲ፡ ናይ ምምላስ ምህንድስና [ሪቨርስ ኢንጂነሪንግ] እዩ: ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ካብ ሓደ ተመሳሳሊ ዲኤንኤ ዘለዎ ህያው ዓይነት ዋህዮታት መበቆል ይወስዱ: ድሕሪኡ ድማ ቴክኖሎጂ ኣርትዖት ጂን ተጠቒሞም ነቲ ዝጠፍአ ዓሌት ይመልስዎ።

ነቲ ንሱፍ ዝመስል ‘ማሞት’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፍጥረት፡ እቲ ዝቐረበ ዘሎ ብህይወት ዘሎ እንስሳ፡ ኤስያዊሓርማዝ እዩ።

እቲ ጉጅለ ካብቲ፡ ካብ ናይ ታይላሲን፡ ዝተወሰደ ኣብ መልበርን ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተ መዘክር ኣብ ኣልኮላዊ መስተ ዝተቐመጠ ዲኤንኤ መሰረት ገይሮም እዮም ዝፍትንዎ ዘለዉ።

ንምንታይ እዩ ክንድዚ ኣጸጋሚ ዝኸውን?

ንሳይንቲስት እቲ ዝዓበየ ብደሆ ዝዀነ፡ ብዝተኻእለ መጠን ናብቲ መበቆላዊ ዓሌት ዝቐረበ፡ ብትኽክል ዳግማይ ክፈጥርዎ ዝኽእሉ፡ ዲኤንኤ ምርካብ እዩ።

እቲ ጸገም፡ እንስሳታት ምስ ሞቱ፡ ዲኤንኤኦም ናብ ደቀቕቲ ስብርባራት ስለ ዝበታተን ወይ ድማ ስለ ዝፍንጫሕ እዩ።

ነዞም ስብርባራት፡ ብልክዕ ኣሰራረዐኦም ደርዲርካ ምቕማጥ፡ እቲ ዝኸበደ ብድሆ እዩ።

እንታይ ረብሓታት ኣለዎ?

ሓበራዊ መስራቲ ፕሮጀክት ‘ኮሎሳል’ ዝዀነ፡ ቤን ላም፡ ንዝጠፍኡ እንስሳታት ምምላስ፡ ብዙሕነት ህይወት ንምዕቃብ፡ ዝተመናመነ ስነ-ህይወት ንምምላስን ደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘውረድዎ ጉድኣት ንምጽጋንን ክሕግዝ ከምዝኽእል ይኣምን።

"ክልቲኦም ‘ዉሊ ማሞት’ን ‘ታይላሲን’ን ኣብ ከባቢኦም ቁልፊ ተራ ተጻዊቶም እዮም። መሊስካ ብህይወት ክምለሱ ምግባር፡ ንሳቶም ብዘይምህላዎም ዝተፈጥረ ሓጓፍ ብምምላእ፡ ነቲ ዝዓነወ ባይታ ስነ-ህይወት ንምላስ ኣወንታዊ ጽልዋ ከሕድር ተኽእሎ ኣለዎ" ይብል።

ብተወሳኺ፡ ምርምሮም ኻልኦት ዓሌታት ከይጠፍኡ ንምክልኻል ሳይንሳዊ በሪ ከኸፍት ይኽእል እዩ ዝብል ሞጎት’ውን የቕርብ።

"ታዝማኒያ ዴቪል፡ 20 ወይ 30 ደቂ [ጆይ] ትወልድ። ይኹን እምበር፡ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ደቂ ጥራይ እዮም ብህይወት ዝተርፉ። ብፕሮጀክት ታይላሲን እነማዕብሎ ዘለና ኤክሶ-ፖውች፡ ኣብ ዕቀባ ታዝማኒያ ዴቪል ንዝሰርሑ ተጣበቕቲ ንምእማኑ ብዘጸግም መልክዑ፡ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።

እንታይ ዓይነት ሓደጋታት ኣለዎ?

ነቓፊት ቪክቶርያ ሄሪጅ፡ ኣብ ቤተመዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ተመራማሪት ፍልቀት ስነ-ህይወት፡ ህያው ህጻን ‘ማሞት’ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ከይዲ፡ ካብ ዝተዓረየ ጂን ዝተፈጥረ ድቂ ፡ ኣብ ተካኢሓርማዝ ክትከል እንተተገይሩ፡ ንኻልኦት እንስሳታት ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል ትዛረብ።

"እዚ ን22 ኣዋርሕ ጥንሲ ክኸውንን ድሕሪኡ ክውለድን ምተገደደ፡ ከምኡ'ውን ዝተፈለየ ዓይነት እንስሳ ምተፈጥረ - እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣዕናዊ መስርሕ'ዩ።"

"እቲ ፈተነ፡ ብዘይ ገለ ከቢድ ዘይስነ-ምግባራዊ ፍጻመታት ኣይከኣልን'ዩ። እዚ ድማ ብመሰረቱ ተካእቲ ፍጥረታት [ኣደታት] ምጥቃም ዘካትት እዩ። እዚ ድማ ዘስካሕክሕ እዩ። ከምኡ'ውን ኣይክኸውንን'ዩ፡ ምኽንያቱ ኣርቲፊሻል ማህጸን ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ" ትብል።

ቤንላም፡ ግን ኮሎሳል ነዚ ምላሽ ከምዘለዎ ይዛረብ፡ "ብዘይካ እቲ ናይ ማህጸን መሳርሒታት ዘካተቶም ኣካላት፡ ነቲ ተባዕታዊ ኣካል መተካእታ ዝኸውን እንስሳ’ውን ኣዳሊና ኣለና" ይብል።

ስነ-ምግባራዊ ድዩ?

 ገለ ነቐፍቲ ነቲ ህይወት -ምምላስ [ዲ-ኤክሰቲንክሽን] ዝብል ሓሳብ ከም ዘይስነ-ምግባራዊ ይቖጽርዎ።

ንልዕሊ 4000 ዓመታት ኣብ ምድሪ ዘይነበረ ‘ጨጓር ማሞት’ ዝኣመሰለ ዓይነት እንስሳ ዳግማይ ምትእትታው እንታይ ጽልዋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ዝፈልጥ የለን።

እዚ ቴክኖሎጂ ከም ዝሰርሕ እንተተረጋጊጹ ድማ፡ ሳይንቲስት ኣበይ እዮም ደው ከብሉ ዝብል ሕቶ እውን ከልዕል እዩ።

ቪክቶርያ፡ ዝኾነ በዚ መንገዲ ዝተፈጥረ እንስሳ፡ ሓደ ዓይነት ቅዳሕ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ [ዝጠፍአ] ከምዘይከውን ምግንዛብ ኣገዳሲምዃኑ ትዛረብ።

" ህይወት-ምምላስ [de-extinction] ዝብሃል ነገርየለን። እቲ ክኸውን ዝኽእል ሙሉእ ብሙሉእ ሓዱሽ ነገር ምፍጣር እዩ። ሓደ ነገር ሓንሳብ ምስ ጠፍአ ኣኺልዎ ጠፊኡ እዩ። ናቱ ቅዳሕ ኢኻ ሒዝካክትምለስ እትኽእል”።

ቤንላም ግን፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ በደል ወዲ ሰብ ምእራም ከምዘድሊ እዩ ይብል።

"ህይወት-ንምምላስን ወዲ ሰብ ዘውረዶ ጉድኣት ንምእራምን ዘድሊ ጸጋታትን ኣሎና" ይብል።

እዚ ዘበናዊ ፕሮጀክት ዘለዎ ገንዘብን ሳይንሳዊ ተመክሮን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ዝጠፍኡ ዓይነታት እንስሳታት ዳግማይ ንምርኣይ ኣብ ቐረባ ዘብጸሐና ይመስል።