ኣገዳስነት ዓቐን ኣብ ተኽእሎታት ምጽናት

ተመራመርቲ ስነ-ህይወት፤ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዝገበሩዎ ምርምር፡ ኣብ ዓለምና እቶም ዝለዓለ ናይ ምጽናት ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎ እንስሳታት እቶም ኣመና ዝዓበዩን ዝነኣሱን ምዃኖም ሓቢሮም።

ኣብ ተኽእሎ ምጽናት፡ ዓቐን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዙርያ እቲ "ጎልዲሎክስ ዞን" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ህይወት ክሰረሉ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ክፍሊ ኣድማስ (ንምድሪ ወሲኽካ) ዝርከቡ፡ ዓንዲ ሕቖ ዘለዎም ኣመና ዓበይቲ ወይ ኣመና ናኣሽቱ ዘይኮኑ

እንስሳታት ይርከቡ። እዞም ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ናይቲ ኣርከን ዝርከቡ፡ ልዑል ናይ ምጽናት ተኽእሎታት ዘለዎም እንስሳታት ንምድሓን ንጡፍ ስራሕ ከምዘድሊ ተመራመርቲ ይሕብሩ።

እቶም ረዘንቲ ሚዛን ብሃድን ናይ ምጽናት ሓደጋ ከጋጥሞም እንከሎ፡ እቶም ፎኪስ ዝሚዛኖም ድማ ብብከላን ብምብዳምን ይጠፍኡ።

"አቶም ዝዓበዩ ዓንዲ ሕቖ ዘለዎም፡ ሰባት ብዝፍጽምዎ ቀጥታዊ ቅትለ'ዮም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ኣትዮም ዘለዉ" ትብል እታ ብፕሮፌሰር ቢል ሪፕል፡ ካብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ከተማ ኮርቫሊስ እትርከብ ኦረገን ስቴት ዩኒቨርሲቲ፡ እትምራሕ ጉጅለ ተመራመርቲ።

እቲ መጽናዕቲ ዝረኸቦ ተወሳኺ ጭብጥታት ከምዝሕብሮ፡ ብኽንድዚ ዝኣክል መጠን ሞት እንስሳታት ምጥፍኦምም 6ይ ጽንታ (ድሕሪ ዝሓለፉ ጽንታታት ዝመጽአን ሰብ ዘስዓቦን) ይካየድ ምህላዉ'ዩ።

እዚ እቶም ቀንዲ ምኽንያታት እቲ ናይ ምጽናት ስግኣት ክለለዩ ደፋፊኡ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ኣመታት ድማ ዓቐን'ዩ። ኣብ ኣዕዋፍን መጥበውትን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘርኣዮ፡ ገዚፍ ኣካላት ዘለዎም እቶም ኣዝዮም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም'ዩ።

እንተኾነ ግዳ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣብ ዝኣከብዎ ናይ ኣሽሓት ኣዕዋፍ፡ መጥበውቲ፡ ዓሳ፡ ምድረማያውያንን ለመምትን ማዕከን ሓበሬታታት (ዳታቤዝ)፡ ዘይመጣጠን (ዝበዝሐ) ጥፍኣት ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱን እንስሳታት ከምዘጋጥም ክፈልጡ ኪኢሎም ኣለዉ።

እቶም ከም ብዓል ሓርማዝ፡ ሓርሽን ኣንበሳን ዝኣመሰሉ፡ ዓበይትን ጉሩማትን እንስሳታት፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ሓለዋ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግዳ፡ ካብ ዓሌት ዓሳታት፡ ኣዕዋፍ፡ ለመምቲን ምድረማያውያንን ዝኾኑ፡ ካብ ዓሌቶም ዝዓበዩ ከም ዓሳ ነባሪ፡ ቀሪሽ (ሻርክ)፡ ሰገን ሶማልያርን ሳላማንደርን ዝኣመሰሉ ካልኦት ሸለል ክበሃሉ ይረአ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ከም እንቁርዖብን ሓሽሻይን (ነንጭዋ ዝመስል) ዝኣመሰሉ ናእሽቱ ዓይነታት እንስሳ ኣዝዩ ውሑድ ኣቓልቦ ይረኽቡ።

"ብዛዕባ እዞም ናኣሽቱ ዓይነታት [እንስሳታት] ልዑል ኣፍልጦ ክህሉ ክንገብር ዘሎና ይመስለኒ። ምኽንያቱ እቶም ዓበይቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ይረኽቡ እዮም፡ እቶም ነኣሽቱ ግን ውሑድ'ዮም ዝረኽቡ" ይብል ፕሮፈሰር ሪፕል።

ኣብቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቶም ካብ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስዊዘርላንድን ኣውስትራልያን ዝተኣኻኸቡ ተመራመርቲ፡ ኣካላዊ ግዝፍን ናይ ምጽናት ስግኣትን ንምትእስሳር ንልዕሊ 25 000 ዓንድ-ሕቖኣውያን እንስሳታት ከምዘነጻጸሩ ይሕብሩ።

ካብኣቶም፡ እቶም 4000 ናይ ምጽናት ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘለዉ ምዃኖም፡ እቲ 'ቀይሕ ሊስታ' ናይ ዓለምለኻዊ ሕብረት ምዕቃብ ተፈጥሮ ዝሃቦ ገምጋም ይሕብር።

ነቶም ረዘንቲ ዘንጸላልውዎም ዘለዉ ሓደጋታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

  • ብስርዓትን ብዘይስርዓትን ዝካየድ ምግፋፍ ዓሳ
  • ንምግቢ፡ ንግድን መድሃኒትን ተባሂሉ ዝካየድ ሃድን

ነቶም ፈኮስቲ ዘንጸላልዎም ቀንዲ ሓደጋታት፡

  • ብከላ ናይ ቀላያት፡ ወሓይዝን ኣፍላጋትን
  • ሕርሻ
  • ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት

እቶም ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ ዋላኳ ንዓበይትን ናእሽቱን ዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣገባባት ዘድሊ እንተኾነ፡ ንኽልቲኦም ንምድሓን ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ።

"ብኣውራኡ፡ ነቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይ ሰብ ሃድን፡ ምግፋፍ ዓሳን ምፍንጣርን ንምጉዳል፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ሃልኪ ስጋ እንስሳ ዘገዳም ከምዝቕንስ ምግባር ሓደ ካብ ቀንዲ ኣገዳሲ ስጉምትታት እዩ" ይብሉ

ኣብቲ ፕሮሲዲንግስ ኦፍ ዘ ናሽናል ኣካዳሚ ኦፍ ሳይንስስ ዝብል ነቲ መጽናዕቶም ዘሕተምሉ መጽሄት።

"ብርግጽ፡ ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ናይ መጽናዕቲ ውጺኢት፡ ንጥፈታት ሰብ ንርእስን ጭራን ዝርጋሐ ዓቐን ህይወት ክጎልሞ ይደናደን ኣሎ" ይብሉ።

ምጽናት፡ ኣብ ዓመት፡ ንብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ዓሌታት እንስሳ ዝትንክፍ ባህርያዊ መስርሕ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

እንተኾነ ግና፡ ብኣማኢት ዕጽፍታት ዝግመት ዓይነታት እንስሳታት ካብ ዓለም ይጸንቱ ኣለዉ።

ኣካል ናይቲ መጽናዕቲ ዝኾነ ኣውስትራልያዊ ቶማስ ኒውሳም፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ፡ ዓበይቲ እንስሳታት ንምድሓን፡ ምጉዳል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ሃድን፡ ምግፋፍን ምቕታልን ቀንዲ ስራሕ'ዩ ይብል።

"ኣውራ ግን ምቁጽጻር ዕብየት ህዝቢ ዓለም'ዩ ንናይ ብዙሓት ዓይነታት ናይ ምጽናት ሓደጋታት ክገትኦም ዝኽእል" ድማ ይብል።