ክሊማዊ ለውጢ፡ ጠንቂ ፍትሕ 'ኣልባጥሮስ' ተባሂለን ዝጽውዓ ኣዕዋፍ ምዃኑ መጽናዕቲ ይገልጽ

መብዛሕትኡ እዋን ጾታዊ ዝምድና ዘቋርጸሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝነበረ ቁልዒ ሓዊ ምስ ዝጠፍእ ወይ ከኣ ንሓድሕድካ እኹል ግዜ ክትህብ ምስዘይትኽእል'ዩ።

ክሊማዊ ለውጢ'ኸ ፍትሕ ወይ ምቁራጽ ጾታዊ ዝምድናታት ከስዕብ ይኽእልዶ ይኸውን?

ሓደ ኣብ 'ኣልባጥሮስ' (albatross) ተባሂለን ዝጽውዓ ኣዕዋፍ ባሕሪ ዝተገብረ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ሓቂ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።

መውስቦ መጻምድቲ ኣልባጥሮስ ኣዝዩ ጹኑዕ ምዃኑ'ዩ ዝፍለጥ። እንተ ሎሚ ሎሚ ግና ኣይግድን- ኣብ ማሕበረ-ዑፍ ኣልባጥሮስ ፍትሕ በዚሑ ይብሃል ኣሎ።

'ከመይ ይብል ለባም' ከምዝብሃል፡ እንታይ ተረኽበ ትብሉ ትኾኑ።

ኣብ ሓደ 'ሮያል ሶሳይቲ ጆርናል' ዝተባህለ ስነፍልጠታዊ መጽሄት ዝወጸ መጽናታዊ ጽሑፍ ከምዝበሎ፡ ኣብ ልዕሊ 15,500 መጻምድቲ ኣዕዋፍ ኣልባጥሮስ መጽናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ።

እቲ 15 ዓመታት ዝወሰደ ምርምራዊ ምክትታል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከባ ደሴታት 'ፎልክላንድ ኣይላንድስ' እዩ ተኻይዱ።

ብመሰረቱ ፍትሕ ኣልባጥሮስ፡ ብናይ ሰብ ቋንቋ ክረአ እንከሎ፡ ምውሻም'ዩ። እዚ ማለት ከኣ ሓደ ኣካል ናይ ጽምዲ ምስ ካልእ ዑፍ ጾታዊ ርክብ ምስዝፍጽም'ዩ ዝኽሰት።

ልክዕ ከምቲ ናይ ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ልባጥሮስ'ውን ሕልኽላኽ ዝመልኦ ኣተዓባብያ'ዩ ዘለዎም። መጻምድቲ ንምርካብ ዝግበር ጻዕርታት ይፈሽልን ይዕወትን።

ኣብ መወዳእታ፡ ትሰማምዖ/ዝሰማምዓ ምስ ረኸቡ ግን፡ ክሳብ ፍጻመ ሂወቶም ሓዳሮም ኣጽኒዖም'ዮም ዝነብሩ።

ሓደ ሚእታዊት ካብ መጻምድቲ ኣልባጥሮስ ጥራይ'ዮም ፍትሕ ዝመርጹ- እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝረአ መጠን ፍትሕ ሰባት ኣዝዩ ዝተሓተ'ዩ።

"ኣሚናዊ መውስቦን [ሞኖጋሚ] ንነዊሕ ዝቕጽል ዝምድናን ኣብኣቶም [ኣልባጥሮስ] ልሙድ'ዩ" ይብል ፍራንቸስኮ ቬንቱራ፡ ተመራማሪ ፓርቱጋላዊ ዩኒቨርሲቲ ሊስበንን ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ናይቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብን።

እንተኾነ ግን፡ ኣብተን መጠን ዋዒ ማይ ዝወሰኸለን 15 ናይ መጽናዕቲ ዓመታት፡ 8 ሚእታዊት ጽምድታት ኣልባጥሮስ ተፈላልዮም።

'ኩነታት ኣከባቢ ዘንቀሎ ፍትሕ'

እቲ መጽናዕቲ ከምዘነጽሮ፡ "ኣከባብያዊ ኩነታት ዝደረኾ ፍትሕ፡ ካብቲ ኣቓልቦ ከይረኸበ ዝጸንሐ ሳዕቤናት" ክሊማዊ ለውጢ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ።

ኣብ ማሕበረ-ዑፍ ኣልባጥሮስ ሳሕቲ ዘጋጥም ፍትሕ፡ መጻምድቲ ክወልዱ ምስዘይክእሉ'ዩ ዝኽሰት። ኣብ ዝቕጽል ናይ ወሊድ ወቕቲ ድማ ካልእ መጻምድቲ ሃሰው ይብሉ ማለት'ዩ።

ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ መጻምድቲ ዋላ ምስ ወለዱ'ዮም ክፈላለዩ ጀሚሮም ዘለዉ።

ጠንቂ ናይዚ ሓድሽ ክስተት'ዚ ድማ ክልተ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። እቲ ቀዳማይ፡ ዝምድና-ማዕዶ ንምዕቃቡ ቀሊል ዘይምዃኑ'ዩ።

ብሰንኪ እናወዓየ ዝኸደ ማያት ውቅያኖሳት፡ እተን ኣዕዋፍ ዕለታዊ መግበን ንምምእራር ርሑቕ ይበራን ነዊሕ ይወስደለንን።

ስለዚ፡ ሓደ ናብ ሃድን ዝኸደ ኣካል ናይቲ ጽምዲ ኣብቲ ዝቕጽል ናይ ወሊድ ወቕቲ ኣብ ግዚኡ ምስዘይምለስ፡ እቲ ዝተረፈ ካልእ መዋስብቲ ከናዲ ይግደድ።

እቲ ካልኣይ ክልሰ-ሓሳብ ድማ፡ ኣብ ጽንኩር ኣከባቢታት፡ ንኣብነት ማያት ኣብ ዝውዕየሉ፡ ናይ ኣልባጥሮስ ናይ ጭንቀት ሆርሞናት መጠን ክብ ይብል ዝብል'ዩ።

ብሰንኪ እናጸንከረ ዝኸይድ ኩነታት ወሊድን ሕጽረት መግብን ዝፍጠር ጭንቀት ድማ፡ ኣብ መንጎ መጻምድቲ "ኣድማዕነት ዘይምህላው" ዝወለዶ ምክሳስ ክፍጠር ይኽእል- እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ናብ ፍትሕ ከምርሕ ይኽእል'ዩ ይብል ፍራንቸስኮ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ብዝሒ ኣዕዋፍ ባሕሪ ኣልባጥሮስ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን'ዩ ወጺኡ ዘሎ።

ኣብ 2017 ዝወጸ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ቀጽሪ ዝፋረዩ ጽምድታት ናይቶም ኣዕዋፍ ካብቲ ኣብ 1890ታት ዝነበረ ብፍርቂ ጎዲሉ ነይሩ።

ኣብቲ እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ደሴታት ፍልክላንድ፡ ናይ ብዝሒ ጸገም'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ካልኦት ኣልባጥሮስ ዝርከብሉ ከባቢታት ግን ስግኣት ከምዘሎ'ዩ ፍራንቸስኮ ዝገልጽ።

"መጠን ዋዒ ይውስኽ ኣሎ፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ምፍንጣሕ ከኸትል ይኽእል እዩ" ድማ ይብል።