30 ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ኣስክሬን ዓሌት ሓርማዝ ተረኺቡ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካናዳ፡ ኣሽሓት ዓመታት ዝገበረ ዘይፈረሰ ኣስክሬን ውላድ ጨጓር ዓሌት ሓርማዝ ተረኺቡ፡ እዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ መጀመርታ ርኽበት ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ኣብ እዋን ዘመነ-በረድ ከምዝነበረ ዝተኣመነሉ ዓሌት ሓርማዝ፡ ኣብቲ ደሪቑ ዝተረኸበሉ በረድ ልዕሊ 30 ሽሕ ዓመታት ከምዝገበረ ተገሚቱ ኣሎ።

እቲ ብሰሉስ ኣብ ካናዳ ዞባ ዩኮን ክሎንዲከ ዝተረኸበ ኣስክሬን ብዓደንቲ ወርቂ’ዩ ተረኺቡ።

ሰብ መዚ ዞባ ዩኮን ክሎንዲከ፡ እቲ ውላድ ጨጓራት ዓሌት ሓርማዝ፡ ምስቲ ኣብ ሩስያ፡ ሳይበርያ ብ2007 ዝተረኸበ ዝደረቐ ኣስክሬን ጨጓር ሓርማዝ ብዙሕ ምምስሳል ከምዘለዎ ገሊጾም።

ሰብ መዚ እቲ ዞባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “እዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተረኸበ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ዝነቐጸ ኣስክሬን’ዩ” ብምባል፡ ካብ ዓለም ብዕድሚኡ ካልኣይ ከምዝስራዕ ገሊጾም።

ጾታ ናይቲ ዝተረኸበ ኣስክሬን ናይ ጨጓር ሓርማዝ ኣንስታይ ምዃኑን ኑን ቾ ጋ ዝብል ስም ከምዝተውሃቦ’ውን ተሓቢሩ።

ትርጉም ኑን ቾ ጋ ብቋንቋ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ “ገዚፍ ውላድ እንስሳ” ዝብል እዩ።

ብዛዕባ ጥንታውያን ህይወታት እዛ ዓለም ዘጽንዕ ግራንት ዛዙላ “ኑን ቾ ጋ ኣዝያ ጽብቕቲ ኮይና ሓንቲ ካብቶም ኣብ እዋን ዘበነ-በረድ ዝነበሩ እንስሳታት ሬስኦም ብግቡእ ኣብ በረድ ደሪቑ ዝተረኸበ እንስሳ እያ” ኢሉ።

መንግስቲ ዞባ ዩኮን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ ኑን ቾ ጋ ዝብል ስያመ ተዋሂብዋ ዘሎ ኣስክሬን፡ ምስቲ ብ2007 ኣብ ሰርብያ ዝተረኸበን 42 ሽሓ ዓመታትን ዕድመ ከምዘለዎ ዝተገለጸን፡ ተመሳሳሊ ዓሌት ሓርማዝ ተመሳሳሊ ሚዛን ከምዘለዎ ገሊጾም።

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብምሉእ ኣካሉ ብግቡእ ዝተዓቐበን ክንድዚ ዕድመ ዘለዎን እንስሳ ክርከብ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።

ብ1948 ኣብ ኣላስካ፡ ዓዳኖ ወርቂ ገለ ክፋል ኣካላት ናይ ሪፉ ዝተሰመየ ውላድ ናይ ጨጓር ሓርማዝ ረኺቦም ምንባሮም መዛግብቲ ይሕብሩ።

መደብር ዜና ሲቢሲ፡ ኑን ቾ ጋ፡ ሓደ ዓባይ ማሽነሪ ገይሩ መሬት ዝፍሕር ዝነበረ መራሒ መኪና፡ እናሰርሐ እንከሎ፡ ንላዕለዋይ ሓላፊኡ ብፋርኬታ መኪንኡ ገለ ይትንክፍ ከምዘሎ ምስ ሓበሮ’ያ ክትርከብ ምኽኣላ ኣቃሊሓ።