እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ሰብኣይ፡ ከም እንስሳ ዘቤት ብዘዕበዮ ካንጋሩ ተቐቲሉ
ሓደ ኣውስትራልያዊ ሰብኣይ፡ ከም እንስሳ ዘቤት ኣዕብይዎን ኣላሚድዎን ብዝጸንሐ ካንጋሮ ተጠቒዑ ከም ዝሞተ ፖሊስ ሓቢሩ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ቀረባ ዘመድ'ቲ ወዲ 77 ዓመት ሰብኣይ፡ ኸቢድ መጕዳእቲ ኣጋጢምዎ ኣብቲ ካብ ፐርዝ ንደቡብ ኣስታት 400 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሬድሞንድ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ረኺብዎ።
ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ኣብቲ ከበቢ ምስ በጽሑ፡ እቲ ካንጋሩ ነቲ ሰብኣይ ከይሕክምዎ ከልኪልዎም።
ፖሊስ፡ ነቲ እንስሳ ብጥይት ክቐትልዎ ከምዝተገደዱን፡ ሓገዝቲ ሓካይም ንኽሕግዝዎ ከምዝፈተኑ ይገልጽ።
እቲ ሰብኣይ ግን ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ ቦታ ሞይቱ።
ወሃቢ ቓል ፖሊስ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሰብኣይ ኣቐዲሙ በቲ ካንጋሮ - እንስሳ ዘገዳም - መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞ እዩ ዝኣምን።
ኣውስትራልያ፡ ኣስታት 50 ሚልዮን ካንጋሮ ዝነብሩላ ኰይና፡ ክሳብ 90 ኪሎ ግራም ዝምዘኑን፡ ክሳብ 2 ሜትሮ ቁመት ዝንውሓቶምን እዮም።
ሞት ዘስዕቡ መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ግን ልሙድ ኣይኰነን።
እዚ ናይ ሕጂ መጠጥቃዕቲ፡ ድሕሪ 1936 ኣብ ኣውስትራልያ ንፈለማ እዋን ዝኸውን ዘሎ።
ካንጋሮ፡ በሊሕ ኣስናን፡ ኣጽፋርን ሓያል እግርን ከም ዘለዎን፡ ተመራመሪ ባህሪ ካንጋሮ ግሬም ኮልሰን ንኮርፖሬሽን ብሮድካስቲንግ ኣውስትራልያ [ABC] ሓቢሩ።
"ብርግጽ ንበይኖም እንተተፈልዮም ወይ ኣብ ገለ ዓይነት ጭንቀት እንተኣትዮም፡ ኣዝዮም ሓደገኛታት ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም" ይብል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኮልሰን።
"እቲ ጸገም፡ ካንጋሮን ሰባትን ክልተና ትኽ ዝበልና እንስሳት ኢና፤ ብኽልተ እግርና ደው ኢልና ንኸይድ፡ ከምኡ ዓይነት ቅንዕ ዝበለ እንስሳ ድማ ንተባዕታይ ካንጋሩ ብድሆ'ዩ።"
ኣብ ሓምለ፡ ሓንቲ ጓል 67 ዓመት ሰበይቲ ኣብ ኲንስላንድ ኣብ እትጓዓዘሉ ዝነበረት እዋን ሓደ ካንጋሩ፡ እግራ ሰይሩ ጉድኣት ኣውሪዱላ።
ከምኡ’ውን ሓንቲ ጓል ሰለስተ ዓመት ቈልዓ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኒውሳውዝ ዌልስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ርእሳ ከቢድ መጕዳእቲ ኣጋጢምዋ።
ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ምስ ምስፍፋሕ ከተማታት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ መካነ-እንስሳት ካንጋሮ፡ ጉድኣት የብጽሕ ከምዘሎ ይዝረብ።