ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣይን ሰበይትን ብነብሪ ተቐቲሎም

ኣብ ኢትዮጲያ፡ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞን ጅማ ወረዳ ሶምቦ ከተማ ሸቤ፡ ዝሓለፈ 1 ጳጉሜን 2014 [ግእዝ] ነብሪ ብዘውረዶ ጉድኣት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ሂወቶም ከም ዝሓለፈን፡ ካልኦት ክልተ ኣባላት ሚሊሻ 'ቲ ከባቢ ድማ ጉድኣት ከም ዝወረዶም ፖሊስ እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ወረዳ፡ ምምሕዳር ምርመራ ቴክኒክ ሓደጋ ዝዀነ ምክትል ኢንስፔክተር ተረፈ ሁንዴሳ፡ እቲ ሓደጋ ከባቢ ሰዓት 6፡00 ቀትሪ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።

እቶም በዚ እንስሳ ዘገዳም ተነኺሶም ዝሞቱ ሰብሓዳር፡ ወዲ 65 ዓመት ኣይተ ምቺሎ ማሞን ጓል 50 ዓመት በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ኣበበች ወልደማርያምን እዮም።

ክልቲኦም፡ ኣብ ወረዳ ሶምቦ ከተማ ሸቤ ፍሉይ ቦታ ሰበቃ ኣብ ዝበሃል ቦታ ካብ ሕርሻኦም ናብ ገዛኦም እናተመለሱ እዩ፡ ሓደጋ መጥቃዕቲ ነብሪ ኣጓኒፍዎም።

እቲ ነብሪ ካብ ካንሸሎ እንዳ ሰብ ብምውፃእ፡ ኣብ መገዲ ንዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ነኺሱ ከም ዝቐተሎም እቲ ምክትል ኢንስፔክተር ኣብሪሁ።

“ፉኣድ ዝበሃል ወዲ እቲ ከባቢ፡ ምንባሕ ከልቢ ሰሚዑ ካብ ገዛኡ እንተወጸ፡ ኣብ መረባኦም ነብሪ ኣብ ገረብ ተሰቒሉ ርእዩ” ዝብል ምክትል ኢንስፔክተር፡ እቲ ቈልዓ ፈሪሑ ማዕፆ ገዛኡ ኣብ ዝዓፀወሉ፡ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ብኡ ይሓልፉ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።

“እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ጥቓ እቲ ካንሸሎ ኣብ ዝበጽሑሉ፡ እቲ ነብሪ ዘሊሉ ጉድኣት ስለ ዘውረደሎም ብኡ ንብኡ ሞይቶም” ብምባል፡ እቲ ኵነታት ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ነዚ ፍፃመ ስዒቡ፡ መሓውር ጸጥታ እቲ ከባቢ ምስ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር፡ ኣብቲ እንስሳ ዘ ገዳም ክትትል ገይሮም ከምዝነበሩ’ውን ሓቢሩ።

ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ነብሪ ኣብ ካልኦት ክልተ ኣባላት ሚሊሻ 'ቲ ቀበሌ ጉድኣት ከም ዘውረደ'ውን ተዛሪቡ።

ሓደ ካብ ኣባላት ሚሊሻ ምስ ተኮሰሉ፡ እቲ ነብሪ ጉድኣት ከምዘውረደሉ ዝተዛረበ እቲ ኢንስፔክተር፡ ክልቲኦም ሚሊሻታት ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብቲ ከባቢ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እንስሳ ዘ ገዳም ልሙድ ኣይኰነን፤ ካብ ሕጂ ንደሓር ተመሳሳሊ ጉድኣት ንኸይወርድ ግን መሓውር ፀጥታ ክትትል የካይድ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ወረዳ ሸቤ ካብ ከተማ ጅማ ብኣንፈት ደቡብ 50 ኪሎሜትር ርሒቓ ትርከብ ኰይና፡ ንወረዳ ጅማ ‘በለጠ ጌታ’ ምስ ዝበሃል ዱር ካብ ዘዳውባ ወረዳታት ሓንቲ እያ።

ኣብዚ ዱር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘይሕጋዊ ሰፈራ እናወሰኸ ይመፅእ ብምህላዉ፡ እንስሳት ዘ ገዳም ካብቲ ዱር እናወጽኡ ኣብ እንስሳት ጉድኣት ከም ዘውርዱ እቲ ምክትል ኢንስፔክተር ኣረዲኡ።

እቲ ዱር ብዙሓት ዓሌታት ገረብ ዝርከበሉን መንበሪ እንስሳ ዘ ገዳምን ስለዝዀነ፡ “እንተዝሕፀርን ነቶም እንስሳት ዘ ገዳም ሓለዋ እንተዝግበረሎምን ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ።