እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ስለምንታይ ሃንደበት 'ወተሃደራዊ ሕጊ' ኣዊጁ?
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ትማሊ ሰሉስ ብሃንደበት ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ኤስያ 'ወተሃደራዊ ሕጊ' ምስ ኣወጀ ነታ ሃገር ስንባደ ኣጥሒልዋ።
እቲ ተሪር ውሳነ ፕረዚደንት ዩን ሱክ-ዮል ምሸት ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተፈነወ መልእኽቱ፡ "ጸረ-ሃገር ሓይልታት"ን ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጽእ ስግኣትን ነዚ ውሳንኡ ከም ምኽንያት ጠቒሱ።
ግን ከኣ ብግዳማዊ ስግኣታት ዘይኮነስ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ሽግር ናብዚ ውሳነ ከም ዝተደፋፍአ ነዊሕ ከይጸንሐ ንጹር ኮይኑ።
መግለጺኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቓውሞኦም ከስምዑ ኣብ ባይቶ ንክእከቡ ክድርኽ እንከሎ፡ ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ ድማ ብህጹጽ ድምጺ ነቲ ስጉምቲ ንምእላይ ተጓይዮም።
ብተቓውሞ ህዝብን ፖለቲከኛታትን ዝተሰዓረ ፕረዚደንት ዩን ሱክ-ዮል፡ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ንድምጺ ባይቶ ተቐቢሉ ነቲ ምስ ህፁፅ ኣዋጅ ዝመሳሰል ትእዛዛት 'ወተሃደራዊ እዚ' ከልዕል ተገዲዱ።
እዚ ዅሉ ብኸመይ እዩ ተጋሂዱ?
ዩን፡ኣብ ውሽጢ ከበባ ከምዘሎ ፕረዚደንት መሲሉ ከምዝተረኣየ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ብሰሉስ ምሸት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ዕንወት ከስዕቡ ንዝጸንሑ ጸረ-ሃገር ሓይልታት ንምጭፍላቕ" ወተሃደራዊ እዚ፡ ይእውጅ ከምዘሎ ቅድሚ ምግላጹ፡ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ንመንግስቱ ንምድኻም ዝገበርዎ ፈተነታት ብዝምልከት’ዩ ተዛሪቡ።
እቲ ኣዋጅ ንግዚኡ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ዝሃበ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሶም ሄልመት ዝገበሩ ሰራዊትን ፖሊስን ናብቲ ሄሊኮፕተራት ኣብ ናሕሲ ክዓልባሉ ዝተራየ ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ተዋፊሮም።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ እውን መሸፈኒ ገጽ ዝገበሩን ሽጉጥ ዝሓዙን ወተሃደራት ናብቲ ህንጻ ክኣትዉ ከለዉን ሰራሕተኛታት ብመጥፍኢ ሓዊ ክዓግትዎምን ዘርእይ ምስልታት ዘርጊሐን።
ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፡ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 23፡00 ብባይቶን ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ዝግበር ተቓውሞን ንጥፈታትን ዝእግድ ኣዋጅ ኣውጺኡ። ንሚድያታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ዘእቱ ኣዋጅ ኣዊጁ።
ፖለቲከኛታት ደቡብ ኮርያ ግን ብኡንብኡ ነቲ ዩን ዝኣወጆ ኣዋጅ ዘይሕጋውን ዘይሕገ መንግስታዊን እዩ ክብሉ ተቓዊሞም። መራሒ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰልፊ ‘ኮንዘርቫቲቭ ፒፕልስ ፓወር ፓርቲ’ እውን ንተግባር ዩን "ጌጋ ስጉምቲ" ክብል ገሊጽዎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መራሒ ናይቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ዝኾነ ሊ ጃይ-ሚዩንግ ካብ ሊበራላዊ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ኣብ ባይቶ ዘለዉ ኣባላቱ ነቲ ኣዋጅ ብድምጺ ክነጽጉዎ ጸዊዑ።
ብተወሳኺ ደቡብ ኮርያውያን’ውን ተቓውሞኦም ናብ ባይቶ ከይዶም ክቐርቡ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
"ታንክታት፣ ዕጡቓት ተሽከርከርትን ጠበንጃን ካራን ዝሓዙ ወተሃደራትን ሃገር ክገዝእዋ እዮም። ደቂ ዓደይ በጃኹም ናብ ሃገራዊ ባይቶ ምጽኡ" ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ሽዑ ኣሽሓት ሰባት ነቲ ጻውዒት ቅቡል ብምግባር ናብቲ ሕጂ ብኸቢድ ዝሕሎ ዘሎ ባይቶ ክእከቡ ተጓይዮም። ሰልፈኛታት "ወተሃደራዊ ሕጊ ኣይንቕበሎን" ከምኡ'ውን "ምልኪ ይውደቕ" ክብሉ ተሰሚዖም።
ካብቲ ቦታ ጸብጻባት ዝፈነዋ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ኣብ ኣፍደገታት ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ዝነበረ ገለ ምትህልላኽ ኣርእየን። ወተሃደራት እኳ እንተነበሩ ግን ከኣ እቲ ወጥሪ ናብ ዓመጽ ኣይዓበየን።
ኣባላት ባይቶ’ውን ነቲ ፖሊስ ዝሓጸሮ መከላኸልታት ክሰግሩ ተራእዮም። ናብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ኣዳራሽ ንምብጻሕ ክሳብ ሓጹር ምዝላል ዝበጽሑ’ውን ነይሮም።
ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከኣ ካብ 300 ኣባላት ፓርላማ ደቡብ ኮርያ እቶም 190 ተረኺቦም ነቲ ስጉምቲ ብምቅዋም ኣድሚጾም። ፕረዚደንት ዩን ዝሃቦ ኣዋጅ ወተሃደራዊ ሕጊ ትኽክል ከምዘይኮነ ተረጋጊጹ።
ወተሃደራዊ ሕጊ ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ኣለዎ?
ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ሲቪላዊ ሰበስልጣን ስርሖም ክሰርሑ ኣይከኣሉን ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ብወተሃደራዊ ሰበስልጣን ዝምራሕ ግዝያዊ ምሕደራ እዩ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ንመወዳእታ ግዜ ዝተኣወጀሉ ኣብ 1979 ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብታ ሃገር ዝነበረ ወተሃደራዊ ውልቀ መላኺ ፓርክ ቹንግ-ሂ ኣብ እዋን ዕልዋ መንግስቲ ተቐቲሉ።
እታ ሃገር ኣብ 1987 ባይቶኣዊት ዲሞክራሲ ካብ እትኸውን ንደሓር ከምዚ ዝበለ ኣዋጅ ተኣዊጁ ኣይፈልጥን።
ብሰሉስ ግን፡ ዩን ኣብ ዘሕለፎ ሃገራዊ መደረ ንደቡብ ኮርያ ካብ "ጸረ-መንግስቲ ሓይልታት" ከድሕና ይፍትን ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ወተሃደራዊ ሕጊ ተወሳኺ ስልጣን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ስለዝወሃቦ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መሰላት ሲቪላዊ ዜጋታት፣ ልዕልና ሕጊን ሓለዋታትን ምድስካል የጋጥም።
ዩን ስለምንታይ’ዩ ጸቕጢ ዝስምዖ?
ፕረዚደንት ዩን ሱክ-ዮል ኣብ ግንቦት 2022 ድምጺ ተዋሂብዎ ናብ ስልጣን እኳ እንተደየበ፡ ተቓወምቲ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ብዓቢኡ ካብ ዝሰዓሩሉ ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ግን ዓቕሚ ዘይብሉ ፕረዚደንት ኮይኑ ጸኒሑ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ መንግስቱ ዝደለዮም እማመታት ከሕልፍ ዓቕሚ ስኢኑ። ንዝቐርቡሉ ተቓውሞታት ከኣ ብ ‘ቬቶ ፓወር’ (ንድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣኑ) ተጠቒሙ ክቃለሶም ጸኒሑ።
ኣብዚ ዓመት በዓልቲ ቤቱ ቀዳመይቲ እመቤት ኪም ኪዮን ሂ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ቦርሳ ዲዮር ምቕባላን ምትላል ኣክስዮንን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ናይ ብልሽውና ዕንደራታት ተሸሚሙ ስለዘሎ ጽልዋታቱን ውሳነታት ናይ ምዕዋት ዓቕሙን እናንቆልቆለ መጺኡ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ‘ንስራሕ ቀዳመይቲ እመቤት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት የጣይሽ ኣለኹ’ ብምባል ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ይቕሬታ ክሓትት ተገዲዱ ነይሩ። ተቓወምቲ ውድባት ክጽውዕዎ ንዝጸንሑ ሰፊሕ መርመራ ግን ነጺግዎ።
ድሕሪኡ’ውን ኣብዚ ሰሙን ተቓወምቲ ንሓደ ዓቢ እማመ ባጀት መንግስቲ ክቑረጽ ሓሳብ ኣቕሪቦም። ነዚ ግን ብቬቶ ክስእሮ ኣይክእልን።
ብተወሳኺ፡ ተቓወምቲ ንኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ሓያሎ ላዕለዎት ኣኽበርቲ ሕጊን - ሓላፊ ትካል ኦዲት መንግስቲ ሓዊሱ - ንቀዳመይቲ እመቤት ምጽራይ ብዘይምኽኣሎም ካብ ስልጣኖም ንምእላይ ምንቅስቓስ ገይሮም።
ሕጂኸ?
ኣዋጅ ዩን ንብዙሓት ካብ ትጽቢት ወጻኢ ስለዝኾነ ደቡብ ኮርያውያን ንሽዱሽተ ሰዓታት እቲ ትእዛዝ ወተሃደራዊ ሕጊ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ምድንጋር ኣትዮም።
ተቓወምቲ ግን ቀልጢፎም ኣብ ባይቶ ክእከቡ ስለዝኸኣሉ ነቲ ኣዋጅ ድምጺ ብምሃብ ውዱቕ ክገብርዎ ክኢሎም።
ብመሰረት ሕጊ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ባይቶ ብዝበዝሐ ድምጺ እንተሓቲቱ መንግስቲ ንወተሃደራዊ ሕጊ ከልዕሎ ኣለዎ።
ሕጂ እንታይ ከም ዝኸውንን ንዩን እንታይ ሳዕቤን ከም ዝህልዎን ንጹር ኣይኮነን። ገለ ካብቶም ብሰሉስ ምሸት ኣብ ደገ እቲ ባይቶ ዝተኣከቡ ሰልፈኛታት'ውን "ንዩን ሱክ-ዮል እሰርዎ" ክብሉ ተሰሚዖም ኣለዉ።
ብርግጽ’ውን እቲ ብሃንደበት ዝወሰዶ ስጉምቲ ነታ ንነብሳ ከም ኣብ ዘመናዊ ዲሞክራሲ ዘላ እትቘጽር ሃገር ኣደናጊርዋ'ዩ።
እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት እቲ ዝዓበየ ብድሆ ናይቲ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኮይኑ ይረአ ኣሎ።
ካብቲ ብ6 ጥሪ ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ ናዕቢ ከይተረፈ ንደቡብ ኮርያ ከም ዲሞክራስያዊት ሃገር ዝያዳ ዝጎድእ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይምጉቱ።