ሩስያ ንሰሜን ኮርያ ዝሃበታ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ስለምንታይ ስግኣት ፈጢሩ?

ሩስያ ካብ መጋቢት ናይዚ ዓመት ንሰሜን ኮርያ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ከም ዘቕረበት ሓደ መርመራ ኣረጋጊጹ።

ውጽኢት እቲ መርመራ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ 'ኦፐን ሶርስ ሰንተር' ዝተበሃለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ጕጅለ መጽናዕቲ ዘቕረቦ እዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያን ዴቪድ ላሚ፡ እዚ ነዳዲ ክፍሊት ናይቲ ፒዮንግያንግ [ሰሜን ኮርያ] ንሞስኮ ኣብ ዩክረይን እትገብሮ ኲናት ንምድጋፍ ዝለኣኸቶ ኣጽዋርን ሰራዊትን ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ ምስግጋር እዚ፡ ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ልዕሊ ዝተወሰነ ነዳዲ ከይሸጣ ዝእግድ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ኰይኑ፡ እቲ እገዳ ሰሜን ኮርያ ዝያዳ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተማዕብል ቍጠባኣ ንምልማስ ዝዓለመ እዩ።

ቢቢሲ ብፍሉይ ዝረኸቦ ምስልታት ሳተላይት፡ ልዕሊ ደርዘን ዝተፈላለያ መራኽብ ነዳዲ ሰሜን ኮርያ፡ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ተበጊሰን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብድምር 43 ግዜ ነዳዲ ከም ዘመላለሳ ዘርኢ እዩ።

ተወሳኺ ስእልታት፡ ካብተን ኣብ ባሕሪ ውሽጢ ዝተሳእኣላ መራኽብ፡ እተን ታንከራት [መኽዝን] ዳርጋ መሊአን ክወጻን ባዶ ኰይነን ክምለሳን ዘርኢ ዘይመስል።

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዓለም ኣብ ክፉት ዕዳጋ ነዳዲ ክትገዝእ ዘይፍቀደላ እንኮ ሃገር እያ።

እታ ሃገር ክትረኽቦ ዝፍቀደላ ቍጽሪ በርሚል ዝተጻረየ ነዳዲ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓመታዊ 500 ሽሕ ክኸውን ዝተተመነ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዘድልያ መጠን ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኣብቲ ሓድሽ ጸብጻብ ዝተሰነደ ናይ መጀመርታ ምትሕልላፍ ነዳዲ፡ ብ7 መጋቢት 2024 ኰይኑ፡ ፒዮንግያንግ ንሞስኮ ኣጽዋር ትሰድድ ከምዘላ ንመጀመርታ ግዜ ምስተረጋገጸ፡ ድሕሪ 7 ኣዋርሕ ደንጉዩ እዩ።

እቲ ምግዓዝ ነዳዲ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ናብ ሩስያ ንውግእ ከምዝተላእኩ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ዝቐፀለ ኰይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ብ5 ሕዳር ከምዝተኻየደ እቲ መረዳእታ የመልክት።

“ኪም ዮንግ ኡን ንቭላድሚር ፑቲን ኲናት ዩክረይን ንምቕጻል ህይወት ኣሸሓት ክህቦ እንከሎ፡ ሩስያ ድማ ብወገና፡ ንሰሜን ኮርያ ህይወት ትፈጥረላ ኣላ” ይብል ጆ ባይርን ካብቲ ትካል እቲ መጽናዕቲ።

“እዚ ቀጻሊ ዋሕዚ ነዳዲ፡ እቲ እገዳታት [ውሕሃ] ካብ ዝንበር ጀሚሩ፡ ሰሜን ኮርያ ዘይነበራ ደረጃ ምርግጋእ ፈጢሩላ እዩ።”

ኣርባዕተ ኣባላት፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተነብረ እገዳ ዝቈጻጸር ጕጅለ ሕቡራት ሃገራት-ነበር፡ እቲ ዝውውር ነዳዲ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጾም።

“እዚ ዝውውር ንኲናት ፑቲን ነዳዲ ይህቦ ኣሎ፤ ንሚሳይላት፡ ንፋብሪካታት መዳፍዕን መካይንን ሕጂ ድማ ንወተሃደራት ዝኽፈል ነዳዲ’ዩ” ይብል፡ ካብ 2014 ክሳብ 2019 ነቲ ፓነል ዝመርሐ ሂዩ ግሪፊትስ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ላሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሩስያ ኣብ ዩክረይን ውግእ ክትቅጽል፡ ኣብ ሰራዊትን ኣጽዋርን ሰሜን ኮርያ ክትምርኮስ ትግደድ ኣላ - ብዋጋ ነዳዲ” ኢሉ።

እዚ ድማ፡ "ኣብ ጸጥታ እታ ሓውሲ ደሴት ዝዀነት-ደቡብ ኮርያ፡ ኣውሮጳን ኢንዶ-ፓሲፊክን ቀጥታዊ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ" ወሲኹ ገሊጹ።

ቀሊልን ሕሱርን ቀረብ ነዳዲ

መብዛሕትኦም ሰሜን ኮርያውያን ንመዓልታዊ መነባብሮኦም ኣብ ፈሓም ክምርኮሱ እንከለዉ፡ ንወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ግን ነዳዲ ኣገዳሲ’ዩ።

ኣብ መላእ ሃገር ንዝንቀሳቐሱ ሚሳይላት፡ ወተሃደራትን፡ ፋብሪካታትን መካይን ንምንቅስቓስን ነዚ ናፍታን ነዳድን ይጥቀሙ።

እቲ ሰሜን ኮርያ ክትረኽቦ ዝፍቀደላ 500 ሽሕ በርሚል ካብቲ ምስቲ ጠቕላላ ዘድልያ ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን እንክነጻጸር ኣዝዩ ትሑት እዩ።

እዚ ማለት፡ እዚ ተመን ኣብ 2017 ካብ ዝቕመጥ ኣትሒዙ፡ እታ ሃገር ነዚ ሕጽረት ንምምላእ ካብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ነዳዲ ክትገዝእ ተገዲዳ ጸኒሓ እያ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ካብ መርከብ ናብ መርከብ ነዳዲ ምቕዳሕ [ምትሕልላፍ] ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ሓደገኛ፣ ክቡርን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን እዩ ይብል ዶክተር ጎ ሚዮንግ-ሂዩን፡ ላዕለዋይ ተመራማሪ ኢንስቲትዩት ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ደቡብ ኮርያ።

“ሕጂ ኪም ዮንግ ኡን ብቐጥታ ነዳዲ ይረክብ ኣሎ፤ ዝሓሸ ብቕዓት ክህልዎ እዩ፤ ከምኡ ድማ ዳርጋ ብነጻ እዩ፤ ካብዚ ዝበልጽ ነገር እንታይ ኣሎ?" ይሓትት።

ዶክተር ጎ ወሲኹ፡ "ከም ሩስያ ዝኣመሰለት ዓባይ ኣፍራዪት፡ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ምንም ማለት ኣይኰነን፡ ንሰሜን ኮርያ ግን ጸሓይ እያ በሪቓትላ"።

‘ስዉር’ ዝውውር

ኣብ ኵሎም እቶም ካብ ሳተላይት ዝተረኽቡ 43 ጕዕዞታት፡ እተን ባንዴራ ሰሜን ኮርያ ዘንበልብላ መራክብ፡ ምንቅስቓሳተን ሓቢአን፡ ድምጸን ኣጥፊአን ናብ ወደብ ቮስቶክኒ ሩስያ ይጓዓዛ ነይረን።

ብድሕሪ’ዚ ናብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ገማግም ሰሜን ኮርያ ዝርከባ ኣርባዕተ ወደባት ከምዝተመልሳ እቶም ምስልታት ይሕብሩ።

ጆ ባይርን፡ “እተን መራኽብ ዳርጋ ንሰሙን ዝኣክል ድምጸን ኣጥፊአን ይቕንያ፤ ካብ መጋቢት ጀሚሩ ግን ቀጻሊ ጕዕዞ ነይሩ።”

እዛ እገዳ ነዳዲ ካብ ዝንበር ኣትሒዛ ክትከታተለን ዝጸንሐት ጕጅለ፡ ብዛዕባ ዓቕሚ ነፍሲ ወከፍ መርከብ ዘለዋ ኣፍልጦ ተጠቒማ፡ ክንደይ በርሚል ነዳዲ ክሕዛ ከም ዝኽእላ ቀሚራ።

ድሕሪኡ፡ ምስልታት እተን ናብ ቮስቶክኒ ዝኣትዋን ዝወጻን መራኽብ ኣጽኒዓ።

ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ድማ ኣብ ማይ ክሳብ ክንደይ ዕምቈት ከምዝወርዳን፣ ስለዚ ድማ ክሳብ ክንደይ መጠን ከም ዝመልኣን ክርእዩ ይኽእሉ ነይሮም።

እተን ታንከራት [መርከባት]፡ ክሳብ 90 ሚእታዊ ዓቕመን ይስከማ [ይመልኣ] ከምዝነበራ ገምጊማ።

"እተን መራኽብ ዝያዳ እንተዝመልኣ ምጠሓላ፤ ካብ ገለ ምስልታት ክንርኢ ንኽእል ኢና" ይብል ሚስተር ባይርን።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ካብ መጋቢት ጀሚሩ፡ ሩስያ ንሰሜን ኮርያ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ከም ዘቐበለታ ይእመን።

እዚ ድማ ልዕሊ ዕጽፊ ናይቲ ዓመታዊ ተመን፡ ከምኡ'ውን ኣስታት ዓሰርተ ዕጽፊ ናይቲ ሞስኮ ኣብ 2023 ንፒዮንግያንግ ብወግዒ ዝሃበታ መጠን ነዳዲ እዩ።

‘ልዑል ንዕቀት’ ንእገዳ

እዚ ኣወሃህባ ነዳዲ ነቲ ሩስያ ከም ቀዋሚ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝፈረመቶ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝጥሕስ ጥራይ ኣይኰነን።

ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ምጕዕዓዛት፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ዝግበረለን መራኽብ ዝተገብረ’ዩ።

እዚ ማለት ናብ ማያት ሩስያ ምስ ኣተዋ ኣብ ቀይዲ ክውዕላ ነይሩወን ማለት እዩ።

ኣብ መጋቢት 2024፡ እቲ ናይ መጀመርታ ምስግጋር ነዳዲ ምስ ተሰነደ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ሩስያ ነቲ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ መሰል ቀውፊ [ቬቶ ፖወር] ብምጥቃም፡ ነቲ ንጥሕሰት እገዳ ንምክትታል ዝቘመ ፓነል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪሳቶ።

ካብ 2021-2023 ነታ ጕጅለ ዝመርሐ ኤሪክ ፔንቶን-ቮክ፡ እቶም ኣብቲ ፓነል ዝነበሩ ሩስያውያን ኣባላት ድማ ስራሕ እቲ ጕጅለ ከተዓናቕፉ ከምዝፈተኑ ይዛረብ።

"ሕጂ እቲ ጕጅለ የለን፤ ነቲ እገዳ ሸለል ክብሉ ይኽእሉ እዮም።ሩስያ ሕጂ ነዘን መራኽብ ናብ ወደባታ ክበጽሓን ነዳዲ ክጽዕናን ምግባራ፡ ነቲ ዝተነብረ እገዳታት ሓድሽ ደረጃ ንዕቀት ዘርኢ እዩ።”

ሕብረት ምልካውያን

ኣባል ቦርድ ማእከል- እቲ ትካል መጽናዕቲ፡ ሚስተር ፔንቶን-ቮክ ግን እቲ ጸገም ልዕሊኡ ዝኸይድ ከምዝዀነ ይኣምን።

“ሕጂ እዞም ምልካውያን ስርዓታት ንሓድሕዶም ዝደለይዎ ክገብሩ፡ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙን ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ሸለል እናበሉን ይመጹ ኣለዉ።"

እዚ “እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ጸዋታ" ምዃኑ ይምጕት።

ንኣብነት ኣብ ኢራን ዝረአ ታክቲካዊ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ሰሜን ኮርያ ምዃኑ ይዝረብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፑቲንን ኪምን ውዕል ምክልኻል ፈሪሞም፤ እቲ ኣሸሓት ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝተርኣይሉ ናይዚ ውጽኢት እዩ።

መንግስቲ ደቡብ ኮርያ፡ “ንጥሕሰት ውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሩስያን ሰሜን ኮርያን ብትሪ ምላሽ ከምዝህብ” ንቢቢሲ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ዝዓበየ ስክፍታኣ ድማ፡ ሞስኮ ንፒዮንግያንግ ንስለያ ዝውዕላ ሳተላይታትን ባልስቲክ ሚሳይላትን ንምምሕያሽ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ክትህባ ትኽእል እያ ዝብል እዩ።