እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ ዝተኸልከለ ሚሳይል ተኲሳ
ሰሜን ኮርያ ኣህጉራት ዝሳገር ክልኵል ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዝተኮሰት ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ገሊጸን።
እቲ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ማያት ቅድሚ ምውዳቑ ን86 ደቓይቕ ኣብ ኣየር ዝጸንሐ ሚሳይል ብመጠን ዝተወንጨፎ ርሕቀት ክብረወሰን ዝሓዘ ኰይኑ’ሎ።
ክሳብ 7,000 ኪ.ሜ (4,350 ማይልስ) ብራኸ ዝተወንጨፈ እዚ ሚሳይል ንጐድኒ እንተዝውንጨፍ ተወሳኺ ርሕቀት ምሸፈነ ነይሩ።
ብሓሙስ 31 ጥቅምቲ 2024 ዝተፈጸመ ምውንጫፍ ንገደብ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ኮርያታት ዝጸንሐ ጽቡቕ ዘይኰነ ዝምድናታት ብዝያዳ እናበላሸወ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን ዝተኻየደ እዩ።
ደቡብ ኮርያ’ውን፡ ሰሜን ኮርያ እቲ ኣብ 5 ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ነቲ ኣህጉራት ዝሳገር ባላስቲካዊ ሚሳይል ክትውንጭፍ ትዳሎ ከምዘላ ኣጠንቂቓ ነይራ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ፡ እቲ ፈተነ "ናብ ንርሕቀት ይዅን ንላዕሊን ዝትኰስ" ኣጽዋር ንምምዕባል ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምውንጫፍ "ንጸላእትና ግብረመልሲ ንምሃብ ዘለና ድልየት ዘርኢ እዩ” ብምባል "ግቡእ ወተሃደራዊ ስጕምቲ" ከምዝዀነ’ውን ሓቢሩ።
ኪም ወሲኹ "[ሰሜን ኮርያ] ኒዩክለራዊ ዓቕምታታ ንምድልዳል እትኸዶ ኣካይዳ ፈጺማ ከምዘይትቕይሮ የረጋግጽ" ኢሉ።
ኣሜሪካ ነቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ ምውንጫፍ "ንብዙሕ ውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብግልጺ ዝጠሓሰ" ክትብል ገሊጻቶ።
ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ሾን ሳቨት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "[ሰሜን ኮርያ] ልዕሊ ዝሓሻ መነባብሮ ህዝባ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ጃምላዊ ዕንወትን መደባት ባሊስቲክ ሚሳይላትን ቀዳምነት ምሃብ ከምእትቕጽል ጥራይ እዩ ዘርኢ" ኢሉ።
ደቡብ ኮርያ ነዚ ምውንጫፍ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ሓድሽ እገዳ ክትገብር ምዃና ገሊጻ’ላ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን ነቲ ፍጻመ ብምዅናን "ንጹር ምጥሓስ ኣገደስቲ ውሳነታት ባይቶ ጸጥታ'ዩ" ምባሉ ወሃቢ ቃሉ ሓቢሩ።
ኣቐዲማ ጐረቤት ሃገር ዝዀነት ቻይና "ስክፍታኣ" ገሊጻ ነይራ።
ፒዮንግያንግ ኣብ ታሕሳስ 2023 ንገደባት ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ነዊሕ ዝውንጨፍ ኣህጉራዊ ባላስቲክ ሚሳይል ንመወዳእታ ግዜ ወንጪፋ ነይራ። ሽዑ እቲ ሚሳይል ን73 ደቓይቕ ኣብ ዝጸንሐ ጕዕዞኡ ኣስታት 1000 ኪ.ሜ ሸፊኑ።
እቲ ምውንጫፍ ዓቕምታት ሚሳይላታ ንምዕባይ ዝዓለመ ምዃኑ ክኢላታት ሰሜን ኮርያ ይኣምኑ።
ፒዮንግያንግ፡ "ዋላ ዝዓበየን ዝኸበደን ተተኳሲ እንተተሰከሙ ናብ መሬት ኣሜሪካ በጺሖም ክሃርሙ ዝኽእሉ" ሚሳይላት ከተማዕብል ጸኒሓ'ያ ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰሜን ኮርያ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኪም ዶንግ-ዩፕ ገሊጹ።
ጐረቤት ሃገር ጃፓን ነቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ ምውንጫፍ ትከታተሎ ከምዘላ ሓቢራ’ላ።
ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ድሕሪ እቲ ምትኳስ ዝተራኸቡ ኰይኖም፡ "ተሪርን ዝተፈላለየን ስጕምትታት ምላሽ ክወስዱ" ከምዝተሰማምዑ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ወሲኹ ድማ፡ "ንጉዳይ ባላስቲክ ሚሳይላት ሰሜን ኮርያ ዝምልከት ሓበሬታ ምስ ሰበስልጣን ኣሜሪካን ጃፓንን ብቐረባ ኣብ እንለዋወጠሉ ዘለና እዋን ሰራዊትና’ውን ኣብ ምሉእ ድልውነት ዓቂቡ ኣሎ" ኢሉ።
እዚ ብሓሙስ ዝተኻየደ ምውንጫፍ ኣህጉራት ዝሳገር ሚሳይል፡ ሰሜን ኮርያ ንኲናት ቭላድሚር ፑቲን ንምድጋፍ ናብ ሩስያ ሰራዊት ሰዲዳ ዝብል ክስታት ካብ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ድሕሪ ምቕራቦም'ዩ።
ፔንታጎን (ምክልኻል ኣመሪካ) ኣስታት 10 ሽሕ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ምብራቓዊ ሩስያ ንኽስልጥኑ ከምዝተዋፈሩ ይግምት። "ውሑድ ቍጽሪ" ዘለዎም ወተሃደራት ኣብ ምዕራብ ሩስያ ናብ እትርከብ ኩርስክ ከምዝተላእኩን ካልኦት ኣሽሓት ኣብ መንገዲ ከምዘለዉን ኣሜሪካ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ገሊጻ ነይራ።
ህላወ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ኣብ ሩስያ፡ እቲ ኣብ መንጐ ፑቲንን ኪምን ዘሎ ርክብ እናዓሞቐ ብምምጽኡ ዝፍጠር ስክፍታታት ዘሐይል ኰይኑ’ሎ።
ፒዮንግያንግን ሞስኮን ግን ነዚ ክስታት ኣየረጋገጻን ወይ ኣይነጸጋን።