ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ዶብ የክረይን ተዋፊሮም ኣለዉ- ኔቶ

ናብ ሩስያ ዝኣተዉ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዩክረይን ዝርከብ ዞባ ከርስክ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንፈለማ እዋን ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩት፡ ምስ ሓለፍቲ ስለያን ምክልኻልን ደቡብ ኮርያ ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ፡ ህላወ ሓይልታት ሰሜን ኮርያ ኣብ ሩስያ ከምዘረጋገጸ ዝተዛረበ።

ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ነቲ ብምብራቕ ደፊኡ ዘሎ ሓይሊ ሚዛን ንምቕያር ናብ ውሽጢ ሩስያ ብምእታው ኣብ ዞባ ከርስክ ሓያለ ቦታታት ምቁጽጻሮም ይዝከር።

እቲ "ዓቢ ምግዳድ" ክብል ዝገለጾ ምውፋር ወተሃደራት ፒዮንግያንግ "ሓደገኛ ምስፋሕ" ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘመልክት ምዃኑ እቲ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ኪዳን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ምእታው ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ተሓቲቱ መልሲ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ ነይሩ።

"እዚ ልኡላዊ ውሳኔና እዩ" ብምባል ነቲ ሕቶ ብምጉሳይ፡ "ንጠቐመሉ ኣይንጠቐመሉ፡ ኣበይን መዓስን ወይ ኣብ ልምምድ፡ ሰልጠና ወይ ምልውዋጥ ተሞክሮ ንገብር፡ ንዓና ይምልከት" ኢሉ።

ትካል ስለያ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብውሕዱ 1500 ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ናብ ሩስያት ከምዝኣተዉ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ደቡብ ኮርያ ነቲ ስጉምቲ ዘለዋ ተቓውሞ ብምግላጽ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ከተካይድ ጸኒሓ'ያ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተወሳኺ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ሰሜን ኮርያ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ናብ ሩስያ ተእቱ ከምዘላ ገሊጹ ነይሩ።

ኔቶ ከምዝበሎ፡ ሰሜን ኮርያ ድሮ ብሚልዮናት ዝቑጸር ተተኮስቲ ንሩስያ ሂባ ኣላ።

ሞስኮ ብወገና፡ ምዕቡል ወተሃደራዊ ተክኖሎጂን ዝርከቦ ደገፍ ነታ ብማዕቀብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝማሰነት ፕዮንግያንግ ክትህብ ተሰማሚዓ'ላ።

ኣብ ሞንጎ ፑቲንን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ዘሎ ሽርክነት "ንሰላምን ጸጥታን ዓለም ይሃሲ" ኣሎ ክብል ዋና ጻሓፊ ኔቶ ነቒፉ።

ሓይልታት ሰሜን ኮርያ ናብቲ ሓያል ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ዶባት ዩክረይን ምጽግዖም ንምዕራባውያን ሃገራት ዓቢ ሻቕሎት ዝፈጥር ምዃኑ ይግለጽ።

ሓይልታት ዩክረይን ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ሃንደበት ናብ ውሸጢ ሩስያ ብምእታው ድሕሪ ዘካየድዎ ስርሒታት ኣብቲ ዝተቖጻጸርዎ ከባቢታት ቀጻሊ ውግኣት ይካየድ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ቀንዲ መሓዛ ፑቲን ዝኾነ መራሒ ጎረቤት ሃገረ ቤላሩስ ኣልሳንደር ሉካሸንኮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ሩስያ ክዋግኡ ከምዘይክእሉ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሓቂ እንተኾይኑ ግን፡ እቲ ግጭት ናብ ዝዓበየ ደረጃ ዘዕርግ ኮይኑ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ዝድርኽ'ዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ ኲናት ልዕሊ 600 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ዋና ጸሓፊ ኔቶ ተዛሪቡ።

ወግዓዊ ጸብጻብ ብቐጻሊ ዝወጽእ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ግን ልዕሊ 70 ሸሕ ወተሃደራት ሩስያ ኣብቲ ውግእ ከምዝሞቱ የመልክት።

ሞስኮ "ብዘይ ናይ ወጻኢ ደገፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ መጥቃዕቲ ክትቅጽሎ ኣይትኽእልን'ያ" ኢሉ።

ወራር ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ምዕራባውያን ሃገራት ብቢልዮናት ዝግመት ወተሃደራዊ ደገፍ ንዩክረይን ከውሕዛላ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ዘመናዎት ነፈርቲ ውግእ፣ ተወንጨፍቲ ሚሳይላት፣ ተሽከርከርቲ፣ ተተኮስቲን ካልእ ሎጀስቲካዊ ደጋፋት ብቐጻሊ ናብ ዩክረይን ክኣቱ ጸኒሑ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኔቶን ዘሎ ወጥሪ ናብ ረጽሚ ከየምርሕ ዝሰግኣ እተን ሃገራት፡ ብዘይካ ኣሰልጠንትን ክኢላታትን ዓቢ ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ምውፋር ተዓቂበን ይርከባ።