እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፑቲን መሻርኽቲ ሃገራት ብምውህሃድ ጸቕጢ ምዕራባውያን ከምዘይሰርሕ ንምርኣይ ይጽዕር
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ካዛን ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ንዝሳተፉ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት ተቐቢሉ ከአንግድ’ዩ። ካብቶም ዝተዓደሙ መራሕቲ ቻይናዊ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲን ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያንን ይርከብዎም።
መንግስቲ ሩስያ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተኻየዱ ዋዕላታት ፖሊሲ ወጻኢ እቲ ዝዓበየ ክብል ገሊጽዎ።
"እቲ መልእኽቲ፡ ንሩስያ ንምንጻል ዝተገብረ ፈተነታት ከም ዝፈሸለ'ዩ" ይብል መስራቲ መሻርኽቲ ኣማካሪ ትካል ማክሮ-ኣድቫይዘሪ ክሪስ ዊፈር።
"ሩስያ ንእገዳታት ትጻወሮ ከምዘላ ካብ ክረምሊን ክሓልፍ ዝተደለየ መልእኽቲ’ዩ። ብድሕሪ መጋረጃ ከቢድ ሃስያታት ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ብጂኦፖለቲካዊ ደረጃ ግን ሩስያ እዘን ኵለን መሻርኽቲ ኣለውኣ፤ ኵለን ድማ መሓዙት ሩስያ ኰይነን ክቕጽላ’የን" ኢሉ።
ስለዚ፡ መሓዙት ሩስያ በዓል መን’የን?
ብሪክስ ንብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ብኣባልነት ሓቝፉ ዝሓዘ ኣህጉራዊ ውዳበ እዩ። ከም መተካእታ ናይቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝምራሕ ውዳበታት ተገይሩ ድማ ይውሰድ።
ብሪክስ ንሃገራት ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢራንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ናብቲ ደምበ ብምወሳኽ ጽልዋታቱ ከስፍሕ ዝፍትን ዘሎ ውዳበ እዩ።
ስዑዲ ዓረብ እውን ናብቲ ውዳበ ክትጽንበር ዕድመ ቀሪቡላ’ሎ። ሃገራት ብሪክስ 45 ምኢታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ዝሓዛ እየን። ቁጠባ ኣባላት ሃገራት ብሪክስ ተደሚሩ ድማ ልዕሊ $28.5 ትሪልዮን’ዩ። እዚ ድማ ኣስታት 28 ሚእታዊት ቁጠባ ዓለም ዝሽፍን እዩ።
ሰበስልጣን ሩስያ፡ ካልኦት 30 ሃገራት ናብ ብሪክስ ክጽንበራ ወይ ድማ ምስቲ ውዳበ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ክገብራ ከም ዝደልያ ኣመልኪቶም።
ገለ ካብኣቶም ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ እዮም። ኣብ ካዛን ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ “ኣብዝሓ ዓለም” ዝውክል ብዙሕ መደረታት ክህሉ ትጽቢት ይግበር።
ንቭላድሚር ፑቲን ኣብ ጂኦፖለቲካዊ መድረኽ ዘለዎ ፈተናታት ካብ ምግላህ ሓሊፉ ግን እቲ ፍጻመ እንታይ ከዐውት ተኽእሎ ኣሎ?
እቲ ካብ እገዳ ምዕራባውያን ዝመጽእ ጸቕጢ ንምቅላል ድሌት ዘለዎ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ኣባላት ብሪክስ ካብ ዓለምለኻዊ መለዋወጢ ገንዘብ ዶላር ካልእ ዓለምለኻዊ መተዓዳደጊ ገንዘብ ንኸማዕብሉ ከእምኖም ተስፋ ኣሎ።
"ብዙሕ ካብቲ ቍጠባ ሩስያ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ምስ ስግረ-ዶባዊ ንግድን ክፍሊትን ዝተኣሳሰር እዩ። ብዙሕ ካብኡ ድማ ምስ ዶላር ኣመሪካ ዝተኣሳሰር'ዩ" ይብል ሚስተር ዊፈር።
ንሱ ኣስዒቡ፡ “ፋይናንሳዊ ትካል ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ንግዲ ዓቢ ሓይልን ጽልዋን ኣለዎ፤ ምኽንያቱ ዶላር ኣመሪካ ነዚ ንምፍታሕ ቀንዲ ባጤራ ስለዝዀነ ጥራይ’ዩ። ቀንዲ ረብሓ ሩስያ ዓብላልነት ዶላር ኣመሪካ ምብታኽ እዩ። ሃገራት ብሪክስ ኣማራጺ ንግዳዊ ኣገባብ ፈጢረን ክሰግራን እዩ ዝደሊ። ዶላር፡ ዩሮ ወይ ዝዀነ ካብ ባጤራታት ኣባል ሃገራት G7 ዘየጠቓልል ስርዓተ ልውውጥ ንግዲ ብምክያድ እገዳታት ምዕራባውያን ኣብዚ እቶ ናብ ዘይበሃለሉ ደረጃ ምውራድ’ዩ” ይብል።
ነቐፍቲ ግን ኣብ ውሽጢ ብሪክስ ፍልልያት ከምዘሎ ይሕብሩ። ኣብ ውሽጢ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ተመሳሳሊ ድሌታት ኣሎ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረብ ከምዝኸብድ’ዮም እቶም ነቐፍቲ ዝገልጹ።
"ቻይናን ህንድን ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ፈጺሞም ክሰማምዑ ዘይምኽኣሎም ንምዕራባውያን ጽቡቕ ዕድል’ዩ። ምኽንያቱ እዘን ክልተ ሃገራት ብሓቂ ዕቱባት እንተዝዀና፡ ብሪክስ ዓቢ ጽልዋ ምሃለዎ" ይብል ክኢላ ስነ-ቍጠባ ጂም ኦ'ነል።
"ቻይናን ህንድን ብዙሕ ግዜ ነንሕድሕደን ከይጠቓቕዓ ዝከኣለን ኵሉ ይገብራ ኣለዋ። ኣብ ቍጠባዊ ነገራት ተሓባቢረን ንኽሰርሓ ግን መወዳእታ ዘይብሉ ብድሆ’ዩ” ኢሉ።
ሚስተር ኦ'ነል እዩ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ክፍለ ዘመን፡ ንኣርባዕተ ብቝጠባ ዝመዓበላ ሃገራት ናብ ማእከል ዓለማዊ ፖሊሲ ክኣትዋ ኣለወን ኢሉ ዝኣመነለን "ብሪክ" ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝሃበን።
ደቡብ ኣፍሪቃ ናብቲ ውዳበ ምስተጸምበረተን ድማ ስም ናይቲ ኣህጉራዊ ወዳበ ብሪክስ ኰይኑ ቀጺሉ።
ብሪክስ ንዕብለላ ሃገራት ጕጅለ 7 [G7] ማለት ሸውዓተ ብቝጠባ ዝዓበያ (ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን) ንምብዳህ ዝተመስረተ ከምዝዀነ ድማ ይዝረበሉ።
ኣብ ብሪክስ ህንዲን ቻይናን ጥራይ ኣይኰናን ፍልልያት ዘለወን። ኣብ መንጐ ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ብሪክስ ዝዀና ግብጽን ኢትዮጵያን እውን ወጥሪ ኣሎ።
ከምኡ’ውን፡ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ዞባዊ ተቐናቐንቲ ኰይነን ኣለዋ።
ብጸረ-ምዕራባውያን ስምዒት እትልለ ሩስያ "ሓድስ ዓለማዊ ስርዓት" ንምፍጣር ክትሓስብ እንከላ፡ ካልኦት ኣባላት ብሪክስ ከም ህንዲ ምስ ምዕራባውያን ጽቡቕ ፖለቲካውን ቍጠባውን ዝምድናታት ክዕቅባ ድሌት ኣለወን።
ኣብ ካዛን፡ ዕማም ቭላድሚር ፑቲን፡ ሃገሩ ብተግባራት ምዕራባውያን ዘይተሃሰየት ምዃና ንህዝቢ ሩስያ ከምኡ’ውን ንማሕበረሰብ ዓለም ብምርኣይ ናይ ሓድነት ስእሊ ምቕባእ’ዩ።