ሕዝቦላህ፡ ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ መጻኢኡ እንታይ እዩ ክኸውን?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጐደናታት ፀልሚቱ ኣሎ፤ መካይን ድማ ጠጠው ኢለን ይረአያ። ብእግሮም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ኣለዉ።
ናበይ ከም ዝኸዱ ርግጸኛታት ዘይኰኑ ግን ከኣ ኣብቲ ከባቢ ክፀንሑ ዘይክእሉ ይመስሉ።
ባልጃኦምን ካልእ ንብረቶምን ተሰኪሞም ይግዕዙ ነይሮም።
እዚ ብሰሉስ ኣብ ማእከላይ በይሩት ኣብ ከባቢ ኑወይሪ ዝነበረ ኵነታት እዩ።
እቲ እዋን፡ ሰራዊት እስራኤል፡ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክርሕቁ መጠንቀቕታታት ድሕሪ ምሃቡ፡ ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣብዚ ከባቢታት ከምዚ ዓይነት መጠንቀቕታ ክዋሃብ፡ ናይ መጀመርታ እዩ።
ቅድሚ ሰዓታት፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል፡ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-መጠንቀቕታ፡ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ናብ ዝቐተላሉ መጥቃዕቲ [ደብዳብ ህንጻ] ንምብጻሕ ጋዜኛታት ቢቢሲ ፈተና ገይሮም፤ እንተዀነ ኣይሰለጦምን።
ሞተር ብሽክለታ ዝሓዙ ሰባት፡ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ይግዕዙ ስለ ዝነበሩ፡ 'ውሑስ ኣይኰነን'፡ ኢሎም ደው ኣቢሎምና።
ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ ካብ ዝተፈነዉ መጥቃዕቲታት፡ ሓያሎ ፍንጀራታት ተሰሚዖም።
እታ ለይቲ ኣብ በይሩት ከምኡ ኢላ እያ ሓሊፋ። ብዙሕ ፍንጀራታት፣ ገሊኦም ኣብ ርሑቕ፣ ካልኦት ድማ ካብ ቀረባ እዮም ዝስምዑ ነይሮም።
ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ዝምሕጸኑ፤ ተወሰኽቲ መጠንቀቕታታት ይውሕዙ ነይሮም።
እዚ ኵሉ ክኸውን፡ ዝርብሽ ድምጺ ሰብ ኣልቦ ነፋርቲ-እስራኤል ይስማዕ ነይሩ።
እዚ ቀልጢፉ ዝጕሃሃር ነበረ ኵነታት እታ ሃገር፡ ኣብ ጕዳይ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ውሳነ እስራኤል ንምስማዕ ኣብ እትጽበየሉ ዝነበረት እዋን እዩ ዝፍጸም ዘሎ።
እቲ ዘሎ ተስፋ፡ ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ዕጡቕ ጕጅለ-ሕዝቦላህ ንልዕሊ ዓመት ዝቐጸለ ግጭት ከብቅዕ ዝብል እዩ።
ኣብዚ እዋን፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ በይሩት ዝኸበደ ደብዳብ ነፈርቲ እያ ተካይድ ዘላ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኑወይሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ውሽጢ ገለ ደቓይቕ፡ ነፈርቲ ውግእ 'ብዳሂየ' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ደቡባዊ ከባቢታት እታ ከተማ ጽዑቕ ደብዳብ የካይዳ ነይረን።
ኣብቲ ቀንዲ መደብር ሕዝቦላህ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ እዚ ከባቢ ኣስታት 20 ዕላማታት ወቒዐን።
ማዕበል መጥቃዕቲ ኣብ መላእ እታ ከተማ ዝተሰምዐ ኰይኑ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቶም ዒላማታት ሕዝቦላህ ዝጥቀመሎም ማእከላት ምዃኖም ገሊጹ።
ዘይተመለሱ ሕቶታት
ሕጂ፡ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ብወግዒ'ኳ እንተተኣወጀ፡ ገለ ሕቶታት ግን ዛጊት ምላሽ ኣይረኸቡን።
እቲ ኲናት ንሊባኖስ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።
ኣብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ፡ ልዕሊ 3700 ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ድማ ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዝበዝሑ ካብኣቶም፡ ካብ ሕዝቦላህ ብብዝሒ ካብ ዝርከበሎም ከባቢታት'ዮም ተፈናቒሎም።
ባንኪ ዓለም፡ ኣብታ ሃገር፡ 8.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ቍጠባዊ ክሳራን ዕንወትን ከም ዘጋጥመ ይግምት።
ነዚ መስርሕ ምሕዋይ፡ ክንድ'ዚ ኢልካ ንምግማቱ ዘጸግም፡ ነዊሕ ግዜ ክወስድ እዩ፤ እቲ ገንዘብ'ውን ካበይ ከም ዝመጽእ ዝፈልጥ የለን።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ግን፡ ድሕሪ ምስሓብ ሓይልታት እስራኤልን ተዋጋእቲ ሕዝቦላህን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ሊባኖስ ናብ ደቡብ ክዋፈሩ እዮም። ብኸመይ ከም ዝዋፈሩ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ብዙሕ ዓቕሚ ዘይብሉ ድኹም ሰራዊት ከም ዝዀነ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ኣብዚ ኵሉ ቅልውላው 'ናበይ ኣተወ' ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።
ናብታ ደቡባዊ ከባቢታት ክንቀሳቐሱ ኣብ ስምምዕ እንተሰፈሩ'ኳ፡ በየናይ ዓቕሙ -ገንዘብ፡ ሓይሊ ሰብን መሳርሕታትን - ተልእኾኡ ከም ዝፍጽም ካልእ ምላሽ ዘይረኸበ ሕቶ እዩ።
እቲ ሕቶ፡ ብዛዕባ ምወላ ጥራይ ግን ኣይኰነን፤ ምናልባት ካብ ገለ ዓለማዊ መሓዙት ሊባኖስ ክርከብ ’ዩ ንበል።
ሰራዊት ሊባኖስ ኣድላዪ እንተዀይኑ ምስ ሕዝቦላህ ክገጥም ድዩ?- ዝብል ቀንዲ ሕቶ ኣሎ።
ሊባኖሳውያን ኣንጻር ሊባኖሳውያን እዩ ክኸውን፤ እዚ ድማ ኣብታ ዓሚቝ ፍልልያት ዘለዋ ሃገር፡ ሓደጋ ዘስዐብ እዩ።
"ሰብመዚ ሊባኖስ ነገራት ክቕየሩ ኣለዎም ዝብል ዝተቐበሉ ይመስሉ" ክብል ሓደ ዲፕሎማት ይዛረብ።
ከምኡ ንምግባር ፖለቲካዊ ድሌት ዘሎ ይመስል።
መጻኢ ሕዝቦላህ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሕዝቦላህ ኣብዚ እዋን ተዳኺሙ እዩ ዘሎ።
ናይ ነዊሕ እዋን ሓላፊኡ ሓሰን ነስራላህ ሓዊሱ ብዙሓት መራሕቱ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ትሕተ-ቅርጺ እቲ ጕጅለ ከቢድ ዕንወት በጺሑዎ ኣሎ።
ድሕሪ'ዚ ኲናት፡ እቲ ጕጅለ ከመይ ከም ዝመስል ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ተዳኺሙ'ምበር፡ ኣይተደምሰሰን።
ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ ሓደ ዕጡቕ ምልሻ እዩ።
ኣብ ባይቶ ውክልና ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ እዩ፣ ከምኡ'ውን ሰፊሕ ማሕበራዊ መሰረት ኣለዎ፣ ብፍላይ ካብ ሺዓ ኣስላም።
ውሽጣዊ ተቐናቐንቱ፡ ምናልባት ጽልዋኡ ንምድራት ነዚ ኵነታት ክብለጹሉ ይኽእሉ እዮም።
ቅድሚ እቲ ግጭት፡ ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዳርጋ ካልእ መንግስቲ ኰይኑ እዩ ዝረአ ነይሩ።
ሕጂ ግን ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ጕጅለ ነታ ሃገር ናብ ዘይምልከታ ኲናት ጐቲቱ ከም ዘእተዋ እዮም ዝወቕሱ።
ኣብ መወዳእታ፡ እዚ ስምምዕ እዚ፡ ነቲ ምስ እስራኤል ዘሎ ግጭት ከብቀዖ ይኽእል እዩ።
ብዙሓት ግን፡ ኣብ ሊባኖስ ሓድሽ ውሽጣዊ ግጭት ከይስዕብ ይሰግኡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







