እስራኤል-ሕዝቦላህ: ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ ኣሽሓት ተፈናቐልቲ ይምለሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ን13 ኣዋርሕ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህን ክቕጽል ዝጸንሐ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ብዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ድሕሪ ምባሉ ኣሽሓት ሲቪላውያን ተፈናቐልቲ ሊባኖስ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ጀሚሮም።
እቲ ብኣላይነት ኣመሪካን ሰብመዚ ሊባኖስን ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ድፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከምዝሰመረን፡ ውግእ ደው ክብል ክልቲኦም ወገናት ከምዝተሰማምዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ምሸት ድሕሪ ምብሳሩ ብፍላይ ኣብ ሊባኖስ ዓቢ ሩፍታ ፈጢሩ'ሎ።
ገለ ካብቶም ድሮ ናብ ከባቢታቶም ዝበጽሑ ተመለስቲ፡ ኣባይቶም ብደብዳባት እስራኤል ኣንዩ ከምዝጸንሖም ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።
ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ዓቢ ግደ ዝጸንሖ ኣፈኛ ፓርላማ ሊባኖስ ናቢሕ በሪ፡ ኩሎም እቶም በቲ ግጭት ዝተፈናቐሉ ክምለሱ ጸዊዑ።
"ናብ ኣባይትኹም. . . ናብ መሬትኩም ክትምለሱ እዕድመኩም" ክብል በሪ ኣተባቢዑ። ይኹን'ምበር፡ መንግስቲ እታ ሃገርን እስራኤል እቲ ኩነታት ናብ ረጽሚ ክምለስ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
እስራኤል ነቲ ምቁራጽ ተዂሲ ከተኽብር ዝጸውዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ "ንሊባኖስ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘእቱ ክኸውን እትስፎ" ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።
ድሕሪ'ቲ ዜና ናብቲ ኣብ ደቡብ ርእሰከተማ በይሩት ዝርከብ ገዝኣ ዝተመለሰት ራያነ ሳልማን፡ ብደብዳብ ፈራሪሱ ከምዝጸንሓ ትዛረብ።
"ስድራይ ምሉእ ዕድሚኦም ነዚ ክሃንጹ'ዮም ኣሕሊፎሞ። ን25 ዓመታት ኣብዚ ኢና ኔርና፡ ሕጂ ግን ኩሉ የለን" ክትብል እታ ጓል 25 ዓመት ሓዘና ገሊጻ።
ቀንዲ ነጥብታት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዚ ስምምዕ ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ብምሕባር “ኣብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ እዩ” ብምባል “ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት” ክኸውን ትጽቢት ከም ዝግበር ፕረዚደንት ባይደን ገሊጹ'ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ብምርግጋጽ፡ ሕዝቦላህ ዝዀነ ክፋል እቲ ስምምዕ እንተጥሒሱ ግን እስራኤል ንምጥቃዕ ከም ዘይትማትእ ኣጠንቂቑ።
ብወገን ሕዝቦላህ ግን ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ ኲናት ምስ ተወልዐ ኣትሒዙ ምስ እስራኤል ናብ ጐንጺ ከም ዝኣተወ ይዝከር።
ጐንጺ ክልቲኦም ወገናት ብፍላይ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታትን ላዕለዎት መራሕቲን ሕዝቦላህ እትወስዶ ስጕምቲ ደብዳብ ነፈርቲን መጥቃዕቲ ኣጋርን ካብ እተሐይል ንደሓር ከቢድ ውግእ ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ምኽንያት ሞት ልዕሊ 3823 ሰባት ከም ዝዀነን ኣብ ውሽጢ ዓሰርታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ደማዊ ኲናት ከም ዝዀነን ሰብ መዚ ሊባኖስ ይገልጹ።
እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እንከሎ፡ ክሳብ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ግን ብኽልቲኡ ወገን ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ነይሮም።
ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ እስራኤል ቀስ ብቐስ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ሰራዊታ ካብ ሊባኖስ ክትስሕብን ደቡባዊ ሊባኖስ ሓይልታት መንግስቲ ሊባኖስ ክቈጻጸርዎን እዮም።
እዚ ዞባ ኣብዚ እዋን ሕዝቦላህ ከም ዝቈጻጸሮ ይፍለጥ።
ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ ዘውጽኣኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ “እዚ ስምምዕ ዘላቒ ምርግጋእን ነበርቲ ክልቲአን ሃገራት ብውሑስ ናብ ቦታኦም ክምለሱን ዕድላት ክፈጥር’ዩ” ኢለን።
እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ነዚ ስምምዕ እንተጥሒሱ ከጥቅዕ እየ ክትብል እንከላ፡ ፕረዚደንት ባይደን እስራኤል “ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰማማዕ መሰል ርእሰ ምክልኻል ክትዕቅብ’ያ” ኢሉ።
ነታንያሁ፡ “ሕዝቦላህ ነቲ ስምምዕ ጥሒሱ ክጥቅዕ እንተፈቲኑ ንሕና ከነጥቅዕ ኢና። ኣብ ጥቓ ዶብ ዳግም ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራ ክሃንጽ እንተፈቲኑ ድማ ከነጥቅዕ ኢና” ክብል ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ እቲ ኣብ ሊባኖስ ኣንጻር ሕዝቦላህ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ደው ብምባል፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገሩ ኣብቲ “ካብ ኢራን ዝመጽእ ስግኣት” ከተኩሩ ከም ዘኽእሎም ገሊጹ።
ትማሊ ሰሉስ ብዛዕባ ኣብ ቓዛ ዝሕሰብ ዘሎ ምቍራጽ ተዅሲ ዝተሓተተ ፕረዚደንት ባይደን፡ ምምሕዳሩ ምስ ሃገራት ቱርኪ፡ ግብጺን ቐጠርን ብምትሕብባር ኣብ ስምምዕ ንኽብጻሕ “ካልእ ጸቕጢ ንምግባር” ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ።
ቀንዲ ደጋፊት እስራኤል ዝዀነት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝተበጽሐ ምቍራጽ ተዅሲ ምስ ፈረንሳ ብምዃን ከም ዝመርሓቶ ይፍለጥ።
ኣብ ሕሉፍ ንልዕሊ 20 ዓመታት ንሊባኖስ ዘመሓደረት ፈረንሳ፡ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ እታ ሃገር ብምዃና ድማ፡ ኣፈጻጽማ እቲ ሕጂ ዝተበጽሐ ምቍራጽ ተዅሲ ክትከታተል እያ።
ባይደን ነቲ ተዅሲ ደው ምባል ንምምሕዳር ዝዀነ ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዘይዋፈር ኣረጋጊጹ።
ሞት፡ ዕንወትን ምፍንቓልን ዘስዓበ ግጭት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኲናት ኣብ ሊባኖስ ከቢድ ዕንወት ዘብጽሐ ኰይኑ፡ ምኽንያት ሞት 3,823 ሰባት ኰይኑ፤ ካልኦት 15 ሽሕን 859 ድማ ቈሲሎም።
ብዘይካ'ዚ፡ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም’ዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ፡ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብሓጐስ ብምቕባል፡ ኣብታ ሃገር "ህድኣትን ምርግጋእን ንምምላስን ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ንምፍቃድን ዝወስድ መሰረታዊ ስጕምቲ” እዩ ክብል ንኢዱ።
ይዅን’ምበር፡ እስራኤል በቲ ስምምዕ ክትግዛእን ካብ ዝሓዘቶም ቦታታት ክትወጽእን ከም ዘለዋ ተዛሪቡ።
ነዚ ድማ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ኲናት ሕዝቦላህን እስራኤልን ኣብ 2006 ዝተቐመጠ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ከተኽብር ጠሊቡ።
እስራኤል ኣንጻር እቲ ብእስራኤልን ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ዝተኸልከለ ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር፡ ኣብ ሊባኖስ 8.5 ቢልዮን ዶላር ቍጠባዊ ክሳራን ዕንወትን ከም ዘጋጥም ባንኪ ዓለም ይግምት። እዚ ንምሕዋይ ግዜ ዝወስድ ኰይኑ እቲ ምወላታት ብኸመይ ክርከብ ከም ዝኽእል’ውን ኣይፍለጥን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







