ሃለዋቱ ጠፊኡ ዝቐነየ ራባይ ከም ዝተቐትለ እስራኤል ኣፍሊጣ

ራባይ ዝቪ ኮጋን

ምንጪ ስእሊ, Chabad

እስራኤል፡ እቲ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ደሃዩ ጠፊኡ ዝቐነየ ዝቪ ኮጋን ዝተባህለ ራባይ ከም ዝተቐትለ ድሕሪ ምሕባር፡ ንቐተልቱ ከም እትከታተል ኣተሓሳሲባ።

ትማሊ ሰንበት ዝወጽአ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ “ቅትለት ዝቪ ኮጋን ገበናዊ ጸረ-ሴማውያን ግብረሽበራዊ ፍጻመ እዩ። እስራኤል ነቶም ብሞቱ ተሓተትቲ ዝዀኑ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብምሉእ ዓቕማ ክትሰርሕ እያ” ይብል።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢማራት ዓረብ ብወገኑ፡ ምስቲ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ሰለስተ ሰባት ዛጊት ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ሰንበት ኣማስያኡ ብዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት እስራኤል ይስሓቕ ሄርዞግ፡ ነቲ ቅትለት “ጽዩፍን ጸረ-ሴማውያንን መጥቃዕቲ” ክብል ገሊጽዎ።

ራባይ ኮጋን ልኡኽ ኦርቶዶክሳዊ ትካል ኣይሁድ ቻባድ ሉባቪች ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣትሒዙ ኣብ ዱባይ ደሃዩ ጠፊኡ ብምቕናዩ ብሞሳድ - ትካል ስለያ እስራኤልን ሰብመዚ ኢማራትን መርመራ ክካየድ ቀንዩ።

እቲ እስራኤላዊ-ሞልዶቫናዊ ዜጋ ዝዀነ ራባይ፡ ካብታ ዝጠፍኣላ እዋን ኣትሒዙ ሰበስልጣን እስራኤል ምስ ስድራቤቱ ርክብ ከካይዱ ከምዝጸንሑ መግለጺ እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

ሬሳኡ፡ ካብ መንበሪኡ መገዲ ሓደ ሰዓት ርሒቓ ተደርብያ ኣብ ዝተረኽበት መኪናኡ ከምዝጸንሐ ድማ ተፈሊጡ።

መርመርቲ ሞሳድ፡ ንሞት እቲ ራባይ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ንምልላይ ይሰርሑ ኣለዉ።

ቻባድ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለማውያንን ካልኦት ውድባት ኣይሁድነት ምትእስሳር ክፈጥር ዝንቀሳቐስ ሃይማኖታዊ ትካል ኰይኑ፡ ኣብ ኢማራት ዝርከብ ጨንፈሩ፡ ንኣሽሓት ኣይሁዳውያን በጻሕትን ነበርትን ከምዝድግፍ መርበብ ሓበሬታኡ የመልክት።

እቲ 28 ዓመት ዝዕድመኡ ራባይ፡ ምስ ካልኦት ልኡኻት ትካል ቻባድ “ኣብ ኢማራትስ ህይወት ኣይሁዳውያን ኣብ ምምስራትን ምስፋሕን” ከምዝሰርሐ እቲ ትካል ይገልጽ።

“ኢማራት ዓረብ ምስተን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ብምትሕብባር ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ፡ ከምኡ’ውን ንዅሎም እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ በዚ ፍጹም ክፍኣት ዝዀነ ተግባር ክሕተቱ ኣብ ምግባር” ኣቦ መንበር ቻባድ ሉባቪች ራባይ የሁዳ ክሪንስኪ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣገልግሎት ምኽሪ ጕዕዞ እስራኤል፡ ኣብ ኢማራት ዓረብ "ሽበራዊ ንጥፈታት" ኣሎ ብምባል ዜጋታት ናብታ ሃገር “ንኣገደስቲ ምኽንያታት” ጥራይ ክገሹ ኣጠንቂቝ’ሎ። .

እታ ሃገር፡ ብመሰረት’ቲ ‘ስምምዕ ኣብርሃም’ ብዝፍለጥ መንጐኝነት ኣመሪካ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ እስራኤል ከም ዝመስረተት ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን ብዝካየድ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ድማ ዝምድናኣ ዓቂባ ኣላ።