ንእስራኤል 'ዓቢ ጽፍዒት' ዝተባህለ ውሳነ ማእሰርቲ እንታይ ትርጕምን ጽልዋን ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዚ ሕጂ ዝወጸ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ዮኣቭ ጋላንትን፡ ካብቶም ንፖለቲካዊ ጽላት እስራኤል ዝመርሑ ዘለዉ እስራኤላውያን ቁጡዐ ምላሽ ይወሃቦ ኣሎ።
ብኣንጻሩ ሓማስ፡ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን ተራ ፍልስጤማውያንን ኣብ ቓዛ ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ።
መራሕቲ እስራኤል ግን ነዚ ኣዋጅ ማእሰርቲ ብሕርቃን ምላሽ ይህቡሉ፤
ፕረዚደንት ኢሳቕ ሄርዞግ፡ “ንፍትሕን ሰብኣውነትን ጸላም መዓልቲ እያ" ብምባል፡ እቲ ውሳነ "ዲሞክራስን ናጽነትን ነጺጉ ምስ ግብረሽበራን ከይሲነትን ዝወገነ" ኢልዎ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ውሳነ ጸረ-ሴማውነት” ክብል ብምግላጽ፡ እስራኤል “ነቲ ናይ ሓሶትን ስግንጢርን ክስታት ፍጹም ከም እትነጽጐ” ብምግላጽ፡ ነቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ “ወገናዊን ኣድልዎን ዝመልኦ ፖለቲካዊ ትካል” ክብል ከሲስዎ።
ኣቦ መንበር ባይቶ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ዩሊ ኤደልስታይን "ብእስላማዊ ረብሓታት ዝተሰልበ ፖለቲካዊ ኣካል ዘሕለፎ ዘሕፍር ውሳነ" ክብል ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ተቐባልነቱ ዘጥፍአ ትካል ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓማስ ብኣንጻሩ ነቲ ውሳነ ብሓጐስ ተቐቢልዎ ኣሎ። እንተዀነ ብዛዕባ ትእዛዝ ማእሰርቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚኡ መሓመድ ደይፍ ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበን።
ሓማስ ኣብ መግለጺኡ፡ “ኵለን ሃገራት ዓለም ነቶም ጽዮናውያን ገበነኛታት ኲናት ዝዀኑ ነታንያሁን ጋላንትን ኣብ ምእሳር ምስቲ ቤት ፍርዲ ክተሓባበራን፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ዘይብሎም ሲቪላት ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ምጽናት ዓሌት ብቕልጡፍ ደው ንኽብል ክሰርሓን ንጽውዕ” ይብል።
ተራ ፍልስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ብወገኖም ነቲ ኣዋጅ ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን ካብ ከተማ ቓዛ ተፈናቒሉ ኣብ ማእከላይ ከባቢ ደይር ኣልባላሕ ዝነብር ዘሎ መሓመድ ዓሊ ዝተባህለ ፍልስጤማዊ፤“ተሸቢርና፡ ጠሚና፡ ገዛውትና ዓንዩ፡ ደቅናን ንፈትዎም ሰባትን ስኢንና፣ ስለዚ ነዚ ውሳነ ብሓጐስ ንቕበሎ፡ ብርግጽ ድማ ውሳነታት እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ተስፋ ንገብር፡" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓብታ ብሓይልታት እስራኤል ዝተቐትለት ሙኒራ ኣልሻሚ ዝተባህለት ፍልስጤማዊት፡ ነቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ "ፍትሒ ንሓፍተይን ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ግዳያትን እዩ" ክትብል ገሊጻቶ።
ውሳነ ትእዛዝ ማእሰርቲ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ እዩ?
ኣብ ውዕል ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝፈረማ ሃገራት ንብሪጣንያ ሓዊሱ 124 ኰይነን፤ ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይናናን ባዕላ እስራኤልን ግን ኣባላት ኣይኰናን።
ስለዚ እዚ ማለት ብቴክኒካዊ መዳይ፡ እቶም ትእዛዝ ዝወጾም ነታንያሁ ይዅን ጋላንት ኣብ ዝዀነት ካብተን ዝፈረማ ሃገራት እግሮም እንተ ኣንቢሮም ተታሒዞም ናብ ቤት ፍርዲ ክወሃቡ ይግደዱ።
እንተዀነ ጠበቓታት ዓለም፡ እዞም ሰባት ተታሒዞም ንፍርዲ ናብ ሄግ ክቐርቡ እዮም ዝብል ስክፍታኦም ይገልጹ።
ነታንያሁ ንመወዳእታ ግዜ ካብ እስራኤል ወጻኢ ዝተጓዕዘሉ ዝሓለፈ ሓምለ ዝገበሮ ዑደት ንኣመሪካ ኰይኑ፡ እታ ብዘይ መቕጻዕቲ ክበጽሓ ዝኽእል ሃገር እያ።
ኣብ መጋቢት ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሓያሎ ሃገራት በጺሑ ነይሩ፤ ብዙሓት ካብኣተን ድማ ፈረምቲ ሰነዳት ውዕል እቲ ቤት ፍርዲ እየን።
ተመሳሳሊ ዑደት ደጊሙ ብምፍጻም ኣብ ሓደጋ ማእሰርቲ ክወድቕ ክደሊ ዘይሕሰብ ኰይኑ፡ እተን ኣብ ሕቶ ዝኣትዋ ሃገራት እውን ኣብቲ ኵነታት ክኣትዋ ፍቓደኛታት ኣይክዀናን እየን።
ሓማስ ካብቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ትእዛዝ ማእሰርቲ መሓመድ ደይፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉጥ ወተሃደራዊ መራሒኡ ኢብራሂም ኣልማስሪ ብዙሕ ዝስከፍ ኣይኰነን። እስራኤል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ከምዝተቐትለ እያ ትኣምን፤ ሓማስ ግን ነዚ ኣየረጋገጸን።
እቶም ካልኦት ክልተ ክኽሰሱ ዝተሓስበ መራሕቲ ሓማስ - ያሕያ ሲንዋርን እስማዒል ሃኒየን - ክልቲኦም ሞይቶም እዮም።
እዚ ሓሙስ ዝወጸ ኣዋጅ ማእሰርቲ ንዓለማዊ ደረጃ እስራኤል ውርደት እዩ። ብፍላይ ድማ እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ “ኣብ መንጐ ሓይልታት ሰናይን እከይን ዝካየድ ውግእ” ገይራ ንምቕራብ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጻዕርታት ዓቢ ጽፍዒት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ብዓይኒ እስራኤላውያን፡ ዓለም ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ ግፍዒ ድሮ ረሲዓቶ ወይ ሸለል ኢላቶ ዝብል እዩ።
ፍልስጤማውያን ብፍላይ ድማ ቓዛውያን፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እስራኤል ዝቐረበ ክሲ ገበናት ኲናት፡ እቲ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዒ ብገለ ሸነኹ ብዓለማዊ ኣካል ክብደት ረኺቡ ብርትዓዊነት ከምዝተቓልሐ ኰይኑ ይስምዖም ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







