ሊባኖስ፡ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ሓድሽ መራሒ መዚዙ

ናዒም ቃስም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እስላማዊ ጉጅለ ሕዝቦላህ ነቶም ብእስራኤል ዝተቐትሉ ላዕለዎት መራሕቱ ዝትክእ ሓድሽ መራሒ ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ።

ናዒም ቃስም ምክትል ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሊባኖሳዊ ጉጅለ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ውሑዳት መራሕቲ'ዩ።

ንነዊሕ እዋን ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝመርሐ ሓሰን ናስርላህ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትለ ይዝከር።

እቲ ውሳነ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝኣወጅዎ ውግእ ኣብ ዝሰፍሓሉ እዋን'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።

ንልዕሊ 30 ዓመት ከም ምክትል ዋና ጸሓፊ ዘገልገለ ናዒም ቃስም፡ ሓደ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ሕዝቡላህ እዩ።

ሕዝቦላህ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቤት ምኽሪ ሹራ ብመሰረት ሕጊ ናይቲ ጉጅለ ከምዝመረጾ ሓቢሩ'ሎ።

ኣበይ ከምዘሎ'ኳ ብንጹር ዝፍለጥ እንተዘይኮነ፡ ገለ ጸብጻባት ግን ናብታ ቀንዲ ደጋፊት ሕዝቦላህ ዝኾነት ኢራን ከምዝኸደ ይገልጹ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ መራሒ "ነቲ ዝተባረኸ ሰንደቕ ኣልዒሉ ተበጊሱ ኣሎ" ክብል ኣዊጁ።

ድሕሪ ሞት ናስራላህ መሪሕነት እቲ ጉጅለ ናብ ምክትሉ ዝነበረ ሓሽም ናፍዓዲን ክሓልፍ ዝግቦኦ'ኳ እንተነበረ፡ ብ22 ጥቅምቲ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብእስራኤል ብምቕታሉ ግን ስልጣን ክርከብ ኣየርከበን።

እስራኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ንዒላማታት ሕዝቦላህ ዝበለቶም ውልቀሰባት፣ ትሕተ-ቅርጽታትን ኣጽዋራትን ካብ ስራሕ ወጻኢ ንምግባር ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ትማሊ ሰኑይ ለይቲ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምብራቓዊ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ሩባ በቃኣ ደብዳብ ነፈርቲ ፈጺሙ ነይሩ።

እቲ ደብዳብ ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝቐተለን ካልኦት ልዕሊ 50 ከምዘቑሰለን ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም።

እስራኤል ግን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን ዘላ።

መሻርኽቲ ሕዝቦላህ ዝኾነ ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ሰራዊት እስራኤል ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ዝኣወጆን ልዕሊ 40 ሽሕ ሲቪላውያን ዝቐተለን ኲናት ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ጉጅለ ሕዝቦላህ ንሓማስን ፍልስጤማውያንን ዘለዎ ምሕዝነት ንምግላጽ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሚሳይላት ድሕሪ ምውንጫፉ እስራኤል ዓጸፋ ግብረመልሲ ክትህብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ብወግዒ ንደቡባዊ ሊባኖስ ወሪራ ኣትያ።

ብዘይካ'ዚ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ሊባኖስ፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰከተማ በይሩት ኣገደስቲ'ዮም ዝበለቶም ዒላማታት ምህራም ትቕጽል ኣላ።

ዛጊት ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 2,700 ከምዝሞቱን ካልኦት 12,500 ከምዝቖሰሉን ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ይሕብር።

ብወገን እስራኤል'ውን ብውሕዱ 59 ሰባት ብሮኬታት ሕዝቦላህ ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።