ሩስያ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር እታ ሃገር 'ተለኣኣኺ ሓይልታት ደገ' ኢላቶ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ሚኒስትሪ ፍትሒ ሩስያ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሚካኤል ካስያኖቭ ኣብ ዝርዝር መዝገብ "ተለኣኣኽቲ ሓይልታት ደገ” ኣስፊርዎ።
ከምዚ ዓይነት ብየና፡ እታ ሃገር ንዝዀነ ፀረ-መንግስቲ ተቓውሞ ንምግታእ ብሰፊሑ እትጥቀመሉ እዩ።
ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብቕሉዕ ዝነቕፍ ሚስተር ካስያኖቭ፡ ሩስያ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምፍፃማ ነዊሕ ከይፀንሐ ካብ ሩስያ ወፂኡ።
ኣብ 2000-2004፡ ኣብ ፈለምቲ ዓመታት ፕረዚደንታዊ ስልጣን ፑቲን፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዘገልገለ ኰይኑ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብቕሉዕ ኮኒኑ።
እቲ ሊበራላዊ [ነፃ ኣተሓሳስባ ዘሰጉም] ፋይናንሳዊ ክኢላ ቀዳማይ ሚኒሰተር ነበር፡ ሕዚ ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ።
ብዙሓት ነቐፍቲ ክረምሊንን ጉጅለታት ሲቪላዊ ማሕበራትን ኣብ ዝርዝር እዚ "ተለኣአኽቲ ሓይልታት ደገ” ዝብል መዝገብ ሰፊሮም ይርከቡ።
እቶም ብኸምዚ ዝተበየኑ ሰባት፡ ኣብ ሕትመታቶም፡ እንተላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብዛዕባ "ተለኣኣኽነት ደገ" ዘለዎም ኩነታት መብርሂ ከእትዉን፡ ንሰበስልጣን ድማ ብዛዕባ ምንጪ ገንዘቦም ዝርዝር ሓበሬታ ክህቡን ይግደዱ።
ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሩስያ ዘለዎም ተሳትፎ ኣዝዩ ድሩት እዩ።
ሚኒስትሪ ፍትሒ ሚስተር ካስያኖቭ፡ "ንፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ዩክረይን ከምዝተቓወመ" ከምኡ'ውን "ኣባል ኮሚተ ፀረ-ኲናት ሩስያን፡ ንጥፈታቱ ንፖሊሲ ወፃኢን ውሽጣውን ሩስያ ንምፅላም ዝዓለመ" ምዃኑን ገሊጹ።
ኣብ መጀመርታ እቲ "ተለኣኣኽቲ ወጻኢ" ዝብል ሕጊ ኣብተን ካብ ወጻኢ ምወላ ዝረኽባ ዘይመንግስታዊ ትካላት ይትግበር ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ቀስ ብቐስ "ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ወጻኢ" ተባሂሎም ዝንቀፉ ውልቀሰባትን መራኸቢ ብዙሃንን - ሩስያውያን ይኹና ወጻእተኛታት - ንምሕዋስ ክሰፍሕ ተገይሩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሩስያ፡ እቲ ብሚስተር ካስያኖቭ ዝምራሕ ሰልፊ ህዝባዊ ናጽነት (ፓርናስ) ክስረዝ ኣዚዙ።
እታ ንእሽቶ ሊበራላዊት ተቓዋሚት ሰልፊ፡ ሓደ ካብቶም ኣንፃር-ፑቲን ድምፆም ዘስምዑ ነቐፍቲ ሓደ ዝዀነ ቦሪስ ነምትሶቭ ኣባል ዝነበረላ ኰይና፡ ኣብ 2015 ኣብ ጥቓ ክረምሊን ብጥይት ከምዝተቐትለ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







