ኲናት ዩክረይን፡ ንወተሃደራት ምርኢት እናቕረበት ዝተቐትለት ተዋሳኢት

ምንጪ ስእሊ, INSTAGRAM.COM/POLINAMENSHIKH
ሩስያዊት ተዋሳኢት ንወተሃደራት ምርኢት እናቕረበት እንከላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዩክሬይን ከም ዝተቐትለት ተገሊጹ።
ፖሊና መንሺክ፡ ኣብታ ብሩስያ ዝተጐብጠት ኩማቾቭ ዝተባህለት ከባቢ ዞባ ዶነስትክ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ምርኢት ተቕርብ ነይራ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ብ19 ሕዳር 2023 ብዩክሬይን ከም ዝተፈጸመ ድማ ተሓቢሩ ኣሎ። እታ ተዋሳኢት ወተሃደራዊ በዓል ሩስያ ንምጽንባል ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ምርኢት ተቕርብ ከም ዝነበረት ይንገር።
ዩክሬይን በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 20 ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝሞቱ’ኳ እንተገለጸት፡ ሰብመዚ ሩስያ ግን ብዛዕባ እዚ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ፖሊና መንሺክ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኣስታት 150 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ኣዳራሽ ምርኢት ትልሂት ተቕርብ ከም ዝነበረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ህሞት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ እንከሎ፡ ነትጒ ተሰሚዑ መብራህቲ እቲ ኣዳራሽ ቅድሚ ምጥፍኡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መድረኽ ክትደርፍን ጊታር ክትጻወትን ትረአ።
መንሺክ ብዘጋጠማ መጉዳእቲ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተወት እያ ዓሪፋ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ዩክሬይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ማዕከናት ዜና ብዛዕባ እቲ ዜና ንዘቕረብኦ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝመደበሩ ስቱድዮ ትያትር ፖርታል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ፖሊና መንሺክ ዝኣለየቶ ተዋስኦ ንዝኽራ ክውፈ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ካብ ቅድመ ግንባር ኣስታት 60 ኪ.ሜ ርሒቑ፡ ኣብ ቁሸት ኩማቾቨ እዩ ተፈጺሙ።
ኩማቾቨ ኣብ ከባቢ ምብራቓዊ ዩክሬይን ዞባ ዶኔትስክ ትርከብ ኮይና፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ብሩስያ ዝተጐብጠት ከባቢ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካልኦት ከባቢታት ዞባ ዶኔትስክ ብፍላይ ከተማታት ኣቭዲካን ባክሙትን ማእከል ከቢድ ውግእ ኰይነን ምጽንሐን ይፍለጥ።
ደገፍቲ ኲናት ዝዀኑ ሩስያውያን ብሎገራት፡ ንኣወዳድባ ናይቲ ምርኢት ክነቕፉ እንከለው፡ ዓሰርተታት ወተሃደራት ኣብ ሓደ ቦታ ዝተረኸብሉ ምርኢት፡ ንመጥቃዕቲ ዩክሬይን ርኡይ ዒላማ ከም ዝገበሮ ጽሒፎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







