ዩክረይን፡ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተፈፂምዋ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሙሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር ኣብ ልዕሊ ኪቭ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዘካየደት ከንቲባ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ትማሊ ቀዳም ቅድሚ ወጋሕታ ዝተሰምዑ ፍንጀራታት ንነበርቲ ዘስንበዱ ነይሮም፤ ተኩስታት ምክልኻል ኣየር ኪቭ ድማ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰዓታት ክስምዑ ጸኒሖም።
ካብ ሰሜንን ምብራቕን ኣንፈት ማዕበል ድሕሪ ማዕበል መጥቃዕቲታት ተፈጺሞም።
ልዕሊ 75 ብኢራን ዝተሰርሓ ሻሂድ ዝተበሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብታ ርእሰ ከተማ ደብዳብ ከም ዝፈጸማ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ሩስያ ዘለዋ በዝሒ ሚሳይላት እናነከየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሻሄድ ከም ሕሳር ኣማራጺ ይረኣያ ኣለዋ።
ሚሳይል ወይ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እንተተወቕዓ'ውን፡ እቲ ዝወድቕ ፍርስራስ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእል ይንገር።
በዚ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት’ኳ እንተዘይሃለዉ፡ ሓደ ወዲ 11 ዓመት ህጻን ዝርከብዎም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝቖሰሉ ግን ከንቲባ ከተማ ኪቭ ቪታሊ ክሊችኮ ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ዝተሃስዩ ህንጻታት መዋእለ ህጻናት ይርከቦም።
ንሓያሎ ሰሙናት ሩስያ፡ ሚሳይላት ተዋህልል ከም ዝነበረት ክትጥርጠር ጸኒሓ’ያ። ትማሊ ንግሆ ግን እቲ ጥርጣረ ሃንደበት ኣብቂዑ’ሎ።
ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ እቶም መጥቃዕቲታት ተግባራት "ብፍቓድ ዝፍፀም ራዕዲ" ምዃኖም ብምግላጽ፡ ሃገሩ "ዓለም ኣንፃር ራዕዲ ሩስያ ንምክልኻል ኣብ ምጥርናፍ ምስራሓ ክትቅፅል እያ" ኢሉ።
ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ንክትከውን ካብ ምዕራባውያን ደገፍ ክረክብ እናፀዓረ ይርከብ።
እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ 1932-1933 ብውልቀ መላኺ ሶቭየት ጆሴፍ ስታሊን ዘስዓቦ ጥሜት ሆሎዶሞር ንሓያሎ ሚልዮናት ዩክሬናውያን ዝቐተለሉ መዓልቲ ከም ዝተፈፀመ ኣመልኪቱ።
ክረምቲ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሩስያ ንመሰረተ ልምዓት ፀዓት ዩክረይን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዳግማይ ክትጅምር እያ ዝብል ስግኣት ነይሩ። ኣብ ዞባ ማእከላይ ኪቭ 16 ሽሕ ኣባይቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዘይረኽቡሉ እዋን፡ እዚ ስግኣት ሓቂ ዝዀነ ይመስል።
ይኹን እምበር፡ ዕላማ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ስትራተጂ ሞስኮ፡ ዩክረናውያን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ሓይሊ ኤለክትርሪክን ማይን ከይረኽቡ ምግባር እንተዀይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ሰብመዚ ንዝተበላሸዉ ቱቦታትን መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብቕልጡፍ ምጽጋን ስለዝተማህሩ ሕጂ ኣይክዕወትን።
ምክልኻል ኣየር ዩክረይን እውን እናተመሓየሸ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
እዚ ማለት ከምቲ ናይ ትማሊ ዝበሉ መጥቃዕቲታት ጉድኣት ኣየስዕቡን ማለት ኣይኰነን።
ሕጂ'ውን ቀተልቲ፣ ኣዕነውቲን ኣርዐድቲን እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







