'ማዕበል' ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ሩስያ ንኻልኣይ ለይተን ንኪቭ ኣጥቂዐን

በሩስያ ዝዓነወ ኣባይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ለይቲ፡ ሓያሎ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ከምዘካየደት ወተሃደራዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ምምሕዳር ከተማ ሰርሂይ ፖፕኮ፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ዩክረይን ኣብ ከተማ ኪቭን ወሰናሰንን ኣስታት 10 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀማ ገሊጹ።

እንተዀነ ‘ከቢድ ጉድኣት’ ከምዘይበፅሐ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰበ-ስልጣን ሩስያ፡ ትማሊ ቀዳም ናብ ሞስኮ እተቕንዕ ዝነበረት ሰብ-ኣልቦ-ነፋሪት ዩክረይን ወቒጨዓ ከምዝወደቐት ገሊጾም።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ እታ ሰብ-ኣልቦ-ነፋሪት (ድሮን) ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ወሰን እታ ርእሰ ከተማ ዝርከብ ግዝኣት ቦጎሮድስኪ ከምዝተወቐዓት ሓቢሩ።

ከንቲባ ሞስኮ ሰርጌይ ሶብያኒን፡ ዝኾነ ይኹኝ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ገሊጹ።

ብዓርቢ ምሸት ንዝተፈጸመ ማዕበል መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኪቭ ካብ 38 -ብሩስያ ዝተዋፈራ ኢራን-ሰራሕ ዝኰና ሻሄድ ዝተብሃለ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ነተን 29 ወቒዓ ከምዘውደቐት ገሊጻ።

ቢቢሲ ብልክዕ ክንደይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተዋፈራን ከምዝዓነዋን ብናጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ትማሊ ቐዳም፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ንሓይሊ ኣየሩ ንኢዱ ።

እቲ ማዕበል መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ሩስያ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ዝለዓለ ቁጽሪ እዩ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብቲ ናይ ለይቲ መደረኡ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ናታትኩም ስራሕ፡ ቃል ብቓሉ ንዩክረይን ህይወት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

እንተዀነ፡ ክረምቲ እናኣተወ ምስ ከደ ግን ሩስያ መጥቃዕታ ዝያዳ ክተሕይል ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ።

ሚስተር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዩክረይን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ሚሳይላት ክትትኩስ ከምእትኽእል ገሊጹ።

ዓርቢ ምሸት ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ መላእ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ 400 ከተማታትን ዓድታትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቁራጽ ከምዘስዓበን፡ ኣብ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ኦዴሳ ንዝርከብ መኽዘን ነዳዲ እውን ከምዝሃሰየን ተገሊፁ።

ከም ውፅኢቱ ድማ፡ ልዕሊ 1500 ነበርቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስኢኖም ሓዲሮም።

ዩክረይን ኣብ ዞባ ዶኔትስክ ኣስታት 21 ሽሕ ሰባት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘይብሎምን፡ ኣብ ዞባ ዛፖሪዝያ ድማ 63 መንበሪ ኣባይቲ፡ ርክቦም ከምዝተበትከን ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዩክሬናውያን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክስእኑ ብምግባር፡ ብሓያል ቁሪ ክሳቐዩ ምኽንያት ኰይኑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓፈሻዊ ስታፍ ዩክሬን ብሰንበት ሓይልታቶም፡ "ኣብ ጸጋማይ (ምብራቓዊ) ገምገም ሩባ ድኒፕሮ ግዝኣታት ምቁፅፃሮም ይቕጽሉ ኣለዉ" ኢሉ።

ሓይልታት ዩክረይን ኣብዚ ሰሙን ካብ ከተማ ኬርሰን ኣስታት 30 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ምብራቓዊ ገምገም ድኒፕሮ ንፈለማ እዋን ከምዝረገፁ ገሊጾም።

እዚ ሩባ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሰራዊት ሞስኮ ካብ ኬርሰን ካብ ዝወጽእ ንደሓር፡ ንሓይልታት ዩክሬንን ሩስያን ፈላልዩዎም ኣሎ።

ጀነራል ስታፍ ትማሊ ቀዳም፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እቲ ሩባ ዝገብሮ ዘሎ ስርሒታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ተኸላኸልትና ቁፅፅሮም ኣደልዲሎም፡ ኣብ ልዕሊ ጎበጥቲ ይትኩሱ ኣለዉ" ኢሉ።

ሚስተር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ሚሳይላት "ትእክብ" ከምዘላን ዩክሬን ካብ መጥቃዕቲ ሩስያ "100 ሚኢታዊት መከላኸሊ" እኳ እንተዘይብላ፡ ምክልኻል ኣየር እታ ሃገር ግን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸ ምዃኑ ገሊጹ።