ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊላንድ ይዘራረብ

ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊላንድ

ምንጪ ስእሊ, FBC/Facebook

ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሶማሊላንድ "ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ" ንምግባር ዝዓለመ ዝርርብ ኣካይዱ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ሶማሊላንዳዊ መዘናኡ ሜ/ጀነራል ኑህ ኢስማኤልን ሎሚ ሰኑይ 8 ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተራኸቡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

ኣብቲ ርክብ ሓያለ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ተረኺቦም ነይሮም።

ምብጻሕ ናይዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሶማሊላንድ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዓቢ ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ይካየድ ምህላዉ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ፡ ነቲ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘውህብ ውዕል ብምቅዋም ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ነይሩ።

ዓብዲቀኒ መሓመድ ኣተየ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብዲ ነቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተፈራረመ ስምምዕ “ ንቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብዘይምምኻሩ” ብምውቃስ፡ “ብዛዕባኡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እየ ሰሚዐ” ክብል ነቒፉ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, FBC/Facebook

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስታ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀትን ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይረኸበትን ሶማሊላንድ ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት "ምርድዳእ" ድሕሪ ምፍጻማ፡ ካብቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ መንግስቲ ሓያል ተቓውሞ ገጢምዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ፡ ሎሚ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ምርኻቡ'ውን ምስቲ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዝተኣሳሰር ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይግመት።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ልዝብ፡ እቶም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ'ውን ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

እቲ ብቕልጡፍ እናማዕበለን እናገደደን ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣብቲ ብግጭታት ዝሕመስ ዘሎን ምርግጋእ ዝተሓረሞን ዞባን ዓለምን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ግብጺ ኣብ ጐኒ እታ ምስ ኢትዮጵያ ትዋጠጥ ዘላ ሶማልያ ምዃና ብወግዒ ምግላጻ'ውን ነቲ ወጥርን ምትፍናንን ከስፍሖ ከምዝኽእል ዘርኢ'ዩ።

ሕብረት ኣውሮጳ በወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ስምምዕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን፡ ምኽባር ሓድነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ክኽበር ተማሕጺኑ ነይሩ።