ፕረዚደንት ሶማልያ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምዝርራብ ኣስመራ ኣትዩ

ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እናተቐበሎ፡ ጥሪ 8

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ፡ ሎሚ ሰኑይ 8 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ምስ ኤርትራዊ መዘና’ኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ'ውን ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ሓባራዊ ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ክላዘቡ" ምዃኖም ብምጥቃስ "ርክቦም ከሐይሉን ምትሕብባሮም ከደንፍዑ" ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ናብ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ምብጻሕ ዘካየደ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ ስልጠናታት የካይዱ ንዘለዉ ወተሃደራቱ በጺሑን ኣብ ገለ እዋን ድማ ኣመሪቝን እዩ።

እዚ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ኣብ ምንታይ ዝዓለመ ምዃኑ’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብ ዝሓለፈ ባሕቲ ጥሪ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ርእሰምምሕዳር ሶማሊላንድን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ተጸሚዱ ይርከብ።

እቲ ኣብ መንጐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂን ዝተፈረመ መረዳድኢ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንወደብን መዓስከር ወተሃደራትን ዝውዕል 20 ኪሎ ሜትር መሬት ክትረክብ ዘኽእላ ኰይኑ፡ ኣምሳያኡ ሶማሊላንድ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብጽሒት ክትወስድን ከም ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትረክብን ዘኽእላን እዩ።

እንተዀነ፡ እዚ ንልኡላውነትን ሓድነትን ሶማልያ ዝዘርግን፡ ነቲ ናብ ሓደ ንምምጻእ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪታትን እዩ ተባሂሉ፡ ኣብ ሶማላውያን ቍጥዐን ኵነኔን ኣስዒቡ እዩ።

ፕረዚደንት ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

ነዚ ስምምዕ፡ ብህጹጽ ኣኼባ ብኡንብኡ ዝነጸገ መንግስቲ ሶማልያ ንምቕልባሱ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ከምዘካይድ ከኣ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ብምዝርራብ ደገፍ ረኺቡ፤ ኣልሲሲ፡ “ግብጺ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ንምባል ጽኑዕ መርገጽ” ከምዘለዋ ተረጋጊጹሉ።

ግብጺ፡ “ድሕነትን ምርግጋእን ሶማልያ ንምድጋፍ” ሓገዝ ከም እትገብር'ውን ኣልሲሲ ቃል ኣትዩሉ።

ብተመሳሳሊ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ኣሚር ቐጠር ተሚም ቢን ሓማድ ብተሌፎን ተዘራሪቡ፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታቱ ከሐይል ተራእዩ እዩ።

ሚኒስተር ዜና ሶማልያ ዳውድ ኣዊስ፡ “ኢትዮጵያ እዚ ገይራቶ ዘላ ዘይሕጋዊ ስጕምቲ” ክሳብ ተቋርጾ፡ መንግስቲ ሶማልያ “ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዘድሊ ሕጋዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉው ምዃኑ” ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ፍሉጥ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር ኣሌክስ ደ ዋል፡ "ዲፕሎማስያዊ ኣቀራርባ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ፡ ብጐረባብታ ሃገራት ጅቡቲ፡ ሶማልያን ኤርትራን እንታይ ምላሽ ከም ዝወሃቦ ክርአ'ዩ፡" ብምባል ዲፕሎማስያዊ ኣተሓሕዛ እዚ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዝወሃቦ ዘሎ ስምምዕ ወሳኒ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ።

በዚ መሰረት፡ ክልቲኦም ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልያን እዚ ጉዳይ እቲ ዝዓበየ ኣጀንዳኦም ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።