ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ባልደራስ: መምህራንን ተምሃሮን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ

ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጠሩ ናዕቢታት ብዝተኣሳሰር ገለ ኣባላት ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ፡ ተመሃሮን መምህራንን ዝርከብዎም 72 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብዕለት 04 ታሕሳሽ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ውልቀሰባት፡ ምስቲ ምስ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ተተሓሒዙ ዝተወልዐ ተቓውሞታት "ብቀጥታ ኣብ ተግባር ጥፍኣት ዝተሳተፉ" ምዃኖም ገሊጹ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ኣዲስ ኣበባ ሊድያ ግርማ ብዕለት 03 ታሕሳስ 2015 ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ምስ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሎም ገሊጻ።

ወሲኻ’ውን፡ እቶም ውልቀሰባት ዝተፈለየ ኣጀንዳ ከም ዘለዎምን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምልዕዓል ንምፍጣር ዝሰርሑ ከምዝነበሩ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘሎ ሓቢራ።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ፍጻመ "እዘን ትካላት ንምዝራግን ናይ ዕንወት መድረኽ ንምግባርን ዝተወጠነ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰት ቤት ትምህርቲ ብዙሕ ዕንወት ከም ዘጋጠመን እዞም ናይ ጥፍኣት ኣጀንዳ ኣለዎም ዝበሎም ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ይምርመር ከምዘሎን ድማ ሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ተተሓሒዙ ብተደጋጋሚ ናዕቢ ድሕሪ ምልዓሉ ዝተፈላለየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ብ3 ታሕሳስ 2015 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኢሰመጉ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንጦጦ ኣምባ ዳግማይ ዓመጽ ምልዓሉ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮን መምህራንን መጉዳእቲ ከምዘስዓበን ነቲ ጸገም ንምቁጽጻር ንግዚኡ ፖሊስ ናብቲ ቀጽሪ ከምዝኣተዉን ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዕለት 26 ሕዳር ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ከፍተኛ 12 ዓመጽ ከምዝነበረን ኣብቲ ከባቢ ድምጺ ቶኽሲ እውን ከምዝተሰምዐን ከምኡ’ውን ብሰንኪ እቲ ዓመጽ ልዕሊ ዓሰርተ ተመሃሮን ሓደ መምህርን ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉን ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ መግለጺ ኢሰመጉ፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣብ 29ን 30ን ሕዳር ኣብ ዝተለዓሉ ዓመጻት ሓያሎ ተመሃሮን ሓደ ኣባል ፖሊስን ከምዝተሃረሙ፡ ንብረት ቤት ትምህርቲ ከምዝዓነወን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ተማሃሮን ነበርቲ እቲ ከባብን ከምዝተኣሰሩን ሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ክፍለ ከተማታት ለሚ ኩራ፡ የካ፡ ቂርቆስን ኮልፈ ካራንዮ ኣብ ዝርከባ ዝተወሰና መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮሚያ ዝተተሓሓዘ ምስሕሓብ ሎሚ ዓመት እውን ከምዝቐፀለ ወሲኹ ገሊጹ።

"መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ እኹል ቆላሕታ ሂቡ፡ እቲ ጉዳይ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ቅድሚ ምውጽኡ ህጹጽን ነባሪን ፍታሕ ክህብ ይግባእ" ክብል ድማ ኣተሓሳሲቡ።

ነዚ ፍፃመ ብዝምልከት ፖለቲካዊ ውድባት መግለፂታት ኣውፂኦም ኣለዉ።

ካብዚኦም ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ መዝሙር ክልል ኦሮምያ ንኽዝመርን ባንዴራ ንክዝርጋሕን ዝግበር ዘይሕጋዊ ተግባር ደው ክብል ፀዊዑ።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ብወገኑ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝርአ ዘሎ ባንዴራ ክልል ኦሮምያ ናይ ምስቃልን ክልላዊ መዝሙር ናይ ምዝማርን ኩነታት ደው ክብል ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኡ።

እዚ ኩነታት ነታ ከተማ ማእኸል ጎንፅን ዓመፅን ከምዝገብራ ገዝገለጸ ኣብን፡ ሃገራዊ ባይቶን ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ስጉምቲ ክወስዱ ፀዊዑ።

ምስዚ ጉዳይ ተተሓሒዙ ዝተኣሰሩ ሰባት ክፍትሑ እውን እቲ ውድብ ሓቲቱ'ሎ።