ምምሕዳራት ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮምያን ኣብ ጉዳይ ወሰናት ከምዝተሰማምዑ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, ADDIS ABABA CITY MAYOR OFFICE
ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ነታ ከተማ ካብቲ ክልል ኣብ ዝፈልዩ ምምሕዳራዊ ወሰናት ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ተሓቢሩ።
ኣብ ትሕቲ እታ ከተማ ዝነበሩ ገለ ከባቢታት ናብ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ክኣትዉ ክውሰን እንከሎ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኦሮሚያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክካተቱ ከምዝተገበረ ቢሮ ህዝባዊ ርክባት እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ናብ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ዙርያ ብምእታው ሃኒፅዎም ዝተብሃሉ ኮንደሚንየም መንበሪ ኣባይቲ ድማ ናብቲ ፍሉይ ዞባ ክጥርነፉ ተወሲኑ’ሎ።
ብተወሳኺ፡ ገለ ከባብታት ናይ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ዙርያ ናብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ከምዝተወሰነ ተፈሊጡ።
በዚ መሰረት ኮየ ፈጬ፣ ገለ ክፋል ቱሉ ዲምቱን ጀሞ ‘ቁጥር ሁለት’ን ኣካል ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ዙርያ ክኾኑ እንከለዉ፡ ክልል ኦሮሚያ ዝሃነፆ መንበሪ ኣባይቲ ‘ቆጣሪ ኮንደሚንየም’ ወይ ድማ ከባቢ ለቡ፣ ከፉሪ ሃናን ኦሮሚያ ኮንዶሚንየምን ሓዊሱ ክሳብ ‘ቀርሳ ወንዝ’ ዘሎ ከባቢ ድማ ኣካል ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኸውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ተገሊፁ።
ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፡ እዚ ንነዊሕ እዋን መዕለቢ ከይረኸበ ዝፀንሐ ሕቶ ህዝቢ "ብዓቢ ናይ ሓላፍነት ስምዒት፣ ብትግሃትን ተወፋይነትን ምስ ህዝብና ክንሰርሐሉን ክንመክርን ብምጽናሕ ሎሚ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽና ብዓወት ብምዝዛምዎና ሓጎስና ደረት የብሉን" ኢላ።
እዚ ኣብ ሞንጎ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ከባቢ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ዙርያን ዘሎ ጉዳይ ንሸውዓተ ዓመታት ብናይ ሓባር ቴክኒካዊ ኮሚቴ ክረኣይ ከምዝፀንሐ ይዝረበሉ።
እቲ ውሳነ ኣብ ዝኾነሎም ከባቢታት ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት መንግስቲ ከምዘይቋረፅ ዘፍለጠት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፡ ናይ ኣገልግሎትን ፀጥታን ስራሕቲ ድማ ብኽልቲኦም ምምሕዳራት ከምዝፍፀሙ ኣመልኪታ።
ኣብ ሞንጎ ምምሕዳራት ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ዘለዉ ወሰናት ንምፍላይ ኣብ ሓደ ውሳነ ክብፃሕ ምዃኑ ኣብ ዝተገለፀሉ እዋን ብቕልጡፍ ግብራዊ ክኸውን ካብ ዘተባብዑ ኣካላት ብተወሳኺ “ከምኡ ንምግባር እዋኑ ኣይኣኸለን” ክብሉ ዝተቓወሙ እውን ኣለዉ።
ፖለቲካዊ ውድብ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ “ነቶም ኣብ ባይታ ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ምምሕዳራዊ ወሰን ምጥራር ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፣ ነቶም ውሳነታት ምፍፃም ዝከኣል ግን ዜጋታት ብምስታፍ ሰብ ዋና እቲ ጉዳይ ብምግባር እዩ" ኢሉ ነይሩ።
ነቲ ንነዊሕ እዋን መዕለቢ ከይረኸበ ዝጸንሐ ጉዳይ ምምሕዳራዊ ወሰናት ንህዝቢ ከየሳተፍካ ንምፍታሕ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ፡ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ዝዓዘዘ ከምዝኸውን’ውን ኣጠንቂቑ።
ጉዳይ ምምሕዳራዊ ወሰን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያኣ ዘለዉ ፍሉይ ዞባታት ክልል ኦሮሚያን ንነዊሕ ዓመታት ከዘራርብ ዝፀንሐ እንትኸውን፣ ብፍላይ ቅድሚ 7 ዓመታት ብኢህወዴግ ዝተኣታተወ ‘ማስተር ፕላን’ ኣብታ ሃገር ከቢድ ቅልውላው ከም ዘስዓበ ይዝከር።
እቲ ማስተር ፕላን ንኣዲስ ኣበባን ከባቢታት ኦሮሚያን ዘተኣሳስር ከምዝኸውን እኳ እንተተሓበረ፡ ኣብ ኦሮሚያ ግን ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ክለዓል ብምግባር ነቲ ስዒቡ ዝመፅአ ለውጢ ሓደ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ህዝባዊ ተቓውሞ ምውልዑ ስዒቡ፡ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ኣቶ ለማ መገርሳ፤ ህዝቢ ዘይተቐበሎ ውጥን ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል ብምግላፁ እቲ ማስተር ፕላን ኣይተተግበረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







