ኣብ ኣመሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 51 ሰባት ሞይቶም

እቲ ዕልቕልቕ ከቢድ ዕንወት'ዩ ኣስዒቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ብዘጋጠመ ውሕጅ 15 ህጻናት ዝርከብዎም 51 ሰባት ሞይቶም።

ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ በዙሓት ሰባት ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እውን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብቲ ዝያዳ ዝተሃሰየ ከባቢ ኬር ካውንቲ ጥራይ 43 ሰባት'ዮም ሞይቶም።

ካብቲ ኣብ ጎኒ ሩባ ጓዳሉፕ ዝርከብ መዓስከር ክርስትያን መንእሰያት ድማ 27 ኣዋልድ ደሃየን ጠፊኡ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት 850 ሰባት ምድሓን ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ መወዳእታ ሰሙን እዚ ኣብ ማእከላይ ቴክሳስ ብዙሕ መጠንቀቕታታት ውሕጅ እናተወሃበ ይርከብ።

ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት ትማሊ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጻዕርታት ምድሓን ክብርኽ ዘኽእል ኣዋጅ ሓደጋ ከምዝፈረመ ገሊጹ።

ተልእኾ ምድላይን ምድሓንን እውን ይቕጽል ከምዘሎ ሰበስልጣን ገሊጾም።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ በቲ ውሕጅ ዝተወሰዱ ሰባት ንምርካብ ኣብ ሩባ ጓዳሉፕ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ከምዘለዉ'ውን ወሲዀም ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምምሕዳሩ ነቲ ህጹጽ እዋን ምላሽ ንምሃብ ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ማእከላይ ቴክሳስ ሎሚ ዝያዳ ውሕጅ ከጋጥም ከምዝኽእል ትንበያታት የመልክቱ።

መብዛሕትኡ እቲ ምድሓን ኣብቲ ኣብ ገምገም ሩባ ጓዳሉፕ ዝርከብ ካምፕ ሚስቲክ ዝበሃል ዓቢ ናይ ኩለን ኣዋልድ ክርስትያናዊ ናይ ሓጋይ መዓስከር ዘተኮረ እዩ።

ሌተናል ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ዳን ፓትሪክ ኣብ መደብ ሬድዮ 4 ፒኤም ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዙሓት ካብተን 27 ዝጠፍኣ ኣዋልድ "ትሕቲ 12 ዓመት" ምዃነን ጠቒሱ።

ሎሚ ሰንበት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኖትረ ዳም ንዝሞቱ ወይ ዝጠፍኡ፡ ከምኡ'ውን ንስድራቤቶም ፍሉይ ቅዳሴ ክካየድ እዩ።