ሓደ ኢትዮጵያዊ ብዝፈፀሞ ፆታዊ መጥቃዕቲ ናብ ናዕቢ ዘምርሐ ተቓውሞ

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ - ግዝኣት ኤሰክስ፡ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ሓተትቲ ዕቝባ ንምፅናሕ ዘገልግል ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እቲ ኣብ ጥቓ ኣብ ከባቢ ኤፒንግ ዝርከብ 'ቤል ሆቴል' ብዝብል ዝፍለጥ ሆቴል፡ ልዕሊ 1,000 ሰባት ዝተሳተፉሉ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ናብ ዕግርግር ዝተቐየረ ኰይኑ፡ ጥርሙዝን ዝባራዕ ነገርን ናብ መካይን ፖሊስ ገፅ ክድርበ ተራእዩ።

ወሃቢ-ቓል ፖሊስ-ች ሳኦፕት ሳይሞን ኣንስለው፡ እቲ ተቓውሞ ናብ "ትርጕም ዘይብሉ ኣዕናዊ" ኵነታት ክዓቢ ምርኣይ ተስፋ ዘቕብፅ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ስርዓት ኣልቦነት ዝመልኦ ተቓውሞ ዝተበገሰ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ከተማ ፆታዊ መጥቃዕቲ ፈፂሙ ብዝብል ጥርጣረ፡ ሓዱሽ ገብረስላሴ ቅብኣቱ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ሓታቲ ዕቝባ ድሕሪ ምእሳሩን ምኽሳሱን ስዒቡ'ዩ።

"'ገበን ይኣክል' ክብል ከለኹ ግን ንዅላትና እዩ፣ እንተላይ ንህዝቢ ኤፒንግ - እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡" ክብል እቲ ፖሊስ ወሲኹ ገሊፁ።

ፖሊስ ኣብታ ለይቲ፡ "ተወሳኺ ገበን ወይ ፀረ-ማሕበረሰባዊ ባህርያት ንምክልኻል"፡ ተቓውሞ ናይ ምብታን ትእዛዝ ዝፈቅድ ዓንቀፅ ኣዊጁ ኣሎ።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ተቓውሞ፡ ነቶም ሓተትቲ "ንገዝኦም ጠርዙዎም"፡ "ደቅና ኣድሕኑልና" ዝብል ጭርሖታት ዘስምዑ ኰይኖም፡ ኣብ መእተዊ እቲ ሆቴል ናብ ዝነበራ መካይን ፖሊስ ዝባራዕ ነገራት ክድርብዩ ተራእዮም።

ብዙሓት ሰባት ካብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ተጓዒዞም ዝመፅኡ ክዀኑ ከለዉ፡ ሓንቲ ካብ ስኮትላንድ ዝመፀት ጓል ኣንስተይቲ፡ "ንህዝቢ እቲ ከባቢ ክትድግፍን ነቶም ሓተትቲ ዕቝባ ከተውፅኦምን፡" ግዴታ ኰይኑ ከም ዝተሰምዓ ንቢቢሲ ገሊፃ።

ፖሊስ ንሓንቲ ፀረ-እቶም ሰልፈኛታት ደው ዝበለት ብዕድመ ዝደፍአት ጓል ኣንስተይቲ'ውን ሒዞማን ዓጂቦምን ካብቲ ከባቢ ቅድሚ ምውፅኦም፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበሩ ሰልፈኛታት ደድሕሪኣ እናሰዓቡ ይፀረፉዋን የፈራርሑዋን ነይሮም።

ኣብቲ ኣቐዲሙ ብሓሙስ ዝተራእየ ናዕቢ፡ ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ምቝሳሎም፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተገሊፁ።

እቲ ናይ ሰንበት ተቓውሞ፡ ፖሊስ ኤሰክስ ክሳዕ ሰኑይ ሰዓት 04፡00 ሽፋን ገጽ ክእለ ዝጠልብ ትእዛዝ ንኽእውጅ ደሪኹዎ።

ሓደ ሰብኣይ ኣቐዲሙ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሆቴል ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈጥረ ዓመፃዊ ናዕቢ፡ ብስርዓት ኣልቦነትን ገበናዊ ዕንወትን ተኸሲሱ ነይሩ።

ወሃቢ-ቓል ፖሊስ፡ ወሲኹ "ናብ ኤፒንግ መፂኡ ገበናዊ ባህሪ ክፍፅም ዝሓሰበ ሰብ ብጽኑዕን ብቕልጡፍን ክንገጥሞ ኢና፡" ኢሉ።

"መሰል ሰላማዊ ተቓውሞ ብሕጊ ዝተሓለወ ኰይኑ፡ ኵሉ ሰብ ሓሳብ ናይ ምግላፅ መሰሉ ፍቑድ እዩ፤ እዚ ግን ብሕጊ ክግበር ኣለዎ። ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኵነታት ከይህሉ ድማ ብግቡእ ክንሰርሕ ኢና።"

እቲ ኢትዮጵያዊ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ወዲ 38 ዓመት ሓታቲ ዕቝባ ሓዱሽ ገብረስላሰ፡ ብፆታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝኽሰስ ንደሓር ኣብ ደገ እቲ ሆቴል ካብ ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ተቓውሞታት ሓደ'ዩ።

ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ክስዕም ፈቲኑ ብዝብል ከኣ እዩ ዝኽሰስ ዘሎ።

ንሱ፡ ብሓሙስ ኣብ ቤትፍርዲ ዳኛ ቸልምስፎርድ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ነቲ ክሲ ነፂጉዎ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኤሰክስ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ሰለስተ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመ እቲ ወዲ ነፂጉ።

ሓዱሽ ገርበርስላሴ ቅብኣቱ፡ ብሰኑይን ሰሉስን ኣብ ከተማ ኤፒንግ ብገበናት ቅድሚ ምኽሳሱ - ብጃልባ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝኣቱ ሸሞንተ መዓልታት ጥራይ ከም ዝዀኖ እዩ ዝንገር።

ንሱ፡ ኣብ ውሽጢ 56 መዓልታት ብይን ክወሃቦ ምዃኑ ዳኛ ዞባ ክሪስቶፈር ዊልያምስ ገሊፁ ኣሎ።

ዓቃቢት ሕጊ ሰሬና ቤሪ፡ ኣብቲ ን45 ደቓይቕ ዝቐጸለ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ከም ዝዀኑ ዝተገልፁ፡ "ኣብ ጽዑቕ ጐደና" ከም ዝተቐራረባ ገሊጻ።

"ምስ ዝዀነ ሰብ ይዅን ቦታ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ርክብ ከም ዘይብሉ፡ ኢሚግረይሽን ካብ 29 ሰነ 2025 ጀሚሩ ጥራይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝፀንሐ ኣረጋጊፁ፡" ኢላ።