ምጥራዝ ሓተትቲ ዑቕባ - “ናብ ርዋንዳ ካብ ምኻድ ሞት እመርጽ”

ናብ ርዋንዳ ክጥረዙ ምዃኖም ዝተሓበሮም፡ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ማእከል መዳጎኒ ስደተኛታት ተታሒዞም ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ምግባሮም ገሊጾም።

ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ፡ ሳሰክስ፡ ኣብ ማእከል መዳጎኒ ‘ብሩክ ሃውስ’ ዝርከቡ 17 ሓተትቲ ዑቕባ ብጭንቅን ተስፋ ምቑራጽን ተኸቢቦም ምህላዎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንገለ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክልእኽ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ ግና ድሕነት እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ቀዳምነት ከምዝወሃቦ፡ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ይገልጽ።

እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ዝርዝራት ናይቲ ዝበጽሖም፡ ክጥረዙ ምዃኖም ዝገልጽ ሰነድ ንቢቢሲ ነጊሮም ኣለው።

እቲ ብ 1 ሰነ ከምዝተልኣኸ ዝገልጽ ሰነድ፡ እቲ ሰብ ብቐጥታዊ በረራ ካብ ብሪጣንያ ናብ ኪጋሊ ርዋንዳ ክለኣኽ ምዃኑ ይነግር። እቲ ውሳነ ይግባይ ዘይባሃሎ ምዃኑ’ውን ይጠቅስ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ፕሪቲ ፓተል፡ እቶም ቀዳሞት ጉጅለ 14 ሰነ (ካብቲ ፈለማ ተወጢኑሉ ዝነበረ ሓደ ሰሙን ንድሕሪት ተደፊኡ) ክጥረዙ ምዃኖም ሓቢራ።

መንግስቲ፡ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው ምዃኖም ይገልጽ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘተኣታተዎ ሕጊ፡ ከም ንመትረብ እንግሊዝ ብጃልባ ብምቁራጽ ብዝኣመሰሉ ዘይሕጋዊ ዝበሎም መገድታት ናብታ ሃገር ዝኣትው ሓተትቲ ዑቕባ፡ ናብ ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር - ርዋንዳ - ክሰጕግ ፍቓድ ረኺቡ እዩ።

ነዞም ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ (ከባቢ 7200 ኪሜ) ምልኣኽ ኣካል ናይቲ ምስታ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ዝተበጽሐ ስምምዕ 151 ሚልዮን ዶላር እዩ።

ካብቶም ንሓሙሽተ መዓልትታት መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ዝገበሩ 17 ሓተትቲ ዑቕባ ሓደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሽኮር ብማይ ኣሕቢሮም እናሰተዩ ከምዝጸንሑ ብምግላጽ ረቡዕ ምሸት ግና እቶም ሓለውቲ ሽኮር ስለዝኸልእዎም ነቲ ኣድማ ከቋርጽዎ ከምእተገደዱ ተዛሪቡ።

ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ብሪጣንያ ከምዝርከቡ ዝነግር ዓሊ፡ ሰብ መዚ ኢሚግረሽን “ምስ ጥዕናኻ ናብ ነፋሪት ክትድይብ ብላዕ” ከምዝበለዎ ሓቢሩ።

እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ምስ ኢንተርነት ዝራኸባን ካሜራ ዘለወንን ቴለፎናቶም ከምእተመንጠሉ’ውን ገሊጾም።

ብዘይካ’ዚ ንምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጽሓፈ፡ 20 ገጻት ዘለዎን ክታሞም ከንብሩሉ ዘለዎም ሰነድ ክርድእዎ ከምዘይክእሉ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ሓቢሮም።

ቤትጽሕፈት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ዛጊት ክንደይ ሰባት፡ ነቲ ክጥረዙ ምዃኖም ዝገልጽ ሰነድ ከምእተዋሃቦም ኣየነጸረን።

ትካል ግብረሰናይ ‘ኬር4ካለይስ’ ግና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው ከባቢ 100 ሓተትቲ ዑቕባ እቲ መጠንቀቕታ ከም እተዋሃቦም ይገልጽ።

ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣምሊጡ ከምዝመጸ ዝዛረብ ሓደ ሶርያዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ናብ ርዋንዳ ካብ ምዃድ ሞት እመርጽ” ኢሉ።

“ነቲ ናብ ርዋንዳ ከም እንጥረዝን ኣብኡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ መንበሪ ፍቓድ ከምዝወሃበናን ዝገልጽ ዜና ምስ ሰማዕኹ ንርእሰይ ክሃርም ጀሚረ” ኢሉ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብሩክ ሃውስ ዝተገብረ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ኣመልኪትና ንዘቕረብናሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ጥዕናን ድሕነትን ናይቶም ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዝርከቡ ዝለዓለ ኣቓልቦ ዝወሃቦ እዩ።

“ኣብ ገዛእ ርእሶም ጉድኣት ከየብጽሑ ደቂቕ ስጉምቲ ኢና ንወስድ። ነቶም ተኣፈፍቲ ውልቀሰባት ብምልላይ ኣድላዪ ደገፍ ዝገብሩ፡ ሞያውያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማእከል ኣለው” ይብል።