እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደተኛታት ስለምንታይ እዮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኸዱ ዝመርጹ?
ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኬር ስታርመርን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ብንኣሽቱ ጀላቡ ንዝካየድ ምስግጋራት ሰባት ንምምካት፡ "ሓድሽን ፈጠራውን መፍትሒታት" ከም ዘድሊ ተሰማሚዖም።
እዚ፡ "ሓደ ይኣቱ - ሓደ ይወጽእ" [one in, one out] ብዝብል እማመ ስምምዕ ዝተገብረሉ ኣገባብ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝዛዘም ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዑደት ፕረዚደንት ማክሮን ምጅማር ሓድሽ ምዕራፍ ንጻዕሪታት ንጉዳይ ንኣሽቱ ጀላቡ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝግበር ምስጋር ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 2018 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ፈረንሳ ነቶም ብሓደገኛ ጕዕዞ እቲ መትረብ ንዝሰገሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክምለሱን ክትቅበሎምን ጸቕጢ ክግበረላ ጸኒሑ እዩ።
ዓባይ ብሪጣንያ ነተን ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ዝነቕላ ጀላቡ ደው ንምባል ንፈረንሳ ኣማኢት ሚልዮናት ፓውንድ ትኸፍላ እኳ እንተላ፡ ኣብዚ ዓመት፡ ቍጽሪ ናይቶም በዚ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታት - መብዛሕትኦም ዕቝባ ዝሓቱ - ክብረወሰን ዝሓዘ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።
ኣብዚ ቀዳማይ መደረኽ ፈተነ ምምላስ ስደተኛታት ካብ ነፍስወከፍ ሃገር 50 ስደተኛታት ዝሰጋገሩ ኰይኖም፤ ፈረንሳ በተን ጀላቡ ዝሰገሩ 50 ስደተኛታት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ክትቅበል እያ። ኣምሳያኦም ድማ ኣብ ፈረንሳ ዘለዉ ሕጋዊ ኵነታት ስደት ዘለዎም፡ ብፍላይ ኣብ እንግሊዝ ስድራቤታዊ ምትእስሳር ዘለዎም ስደተኛታት ብሕጋዊ መገዲ ክትልእኽ እያ። እዚ ድማ ነቲ ዘይሕጋዊ ጕዕዞ ክገትኦ እዩ ተባሂሉ ይእመን።
ፈረንሳ፡ ሓደ ካብቲ ነቶም ስደተኛታት ዝስሕቦም ዘሎ ረቛሒ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ብዘይ ወረቐት ምስራሕ" ዘኽእል ቍጠባ ምዃኑ ገሊጻ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ነዚ ዝኸውን መርትዖታትን፡ ሓተትቲ ዕቝባ ንዓባይ ብሪጣንያ ንኽመርጹ ዝደፍኦም "ሰሓብቲ ረቛሒታት"ን ተመልኪቱ ኣሎ።
እቲ ዘይወግዓዊ ቍጠባ?
መንግስቲ ፈረንሳ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ንዓባይ ብሪጣንያ ዝመርጹ፡ ኣብቲ ዘይወግዓዊ ቍጠባኣ (ግብሪ ዘይክፈሎን ብዘይ ሕጋዊ ግቡእ ሰነዳት ዝቘጽርሉን) ክዓዩ ከም ዝኽእሉ ስለ ዝኣምኑ ምዃኑ እዩ ዝምጕት።
እቲ መጠን ናይቲ ዘይወግዓዊ ቍጠባ ብንጹር ንምግማት ቀሊል ኣይኰነን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብባይቶ ኤውሮጳ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ስፍሓት ዘይወግዓዊ ቍጠባ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 2022 ካብ ጠቕላላ ቍጠባ ኣስታት 11% ከም ዝሽፍን እዩ።
እዚ ካብቲ ንፈረንሳ ዝሃብዎ ግምት 14% ዝወሓደ ኰይኑ፡ ካብቲ ማእከላይ ገምጋም 31 ሃገራት ኤውሮጳ 17% ዝወሓደ እዩ።
ዘይወግዓዊ ቍጠባ ዓባይ ብሪጣንያ ንሓተትቲ ዕቝባ - ከምኡ'ውን ካልኦት ዘይስሩዓት ስደተኛታት - ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑ ዘኽእል ዕድላት ይህብ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ኣብዚ መዳይ ዝያዳ ምስራሕ ከም ዘድሊ ተቐቢሉዎ ኣሎ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢቨት ኩፐር እዚ ምኽንያት ንሓተትቲ ዕቝባ "ናይ ስሕበት ረቋሒ" ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጻ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ፍቓድ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ናብ ዝቘጽሩ ኣስራሕቲ ዘካይዶ ኰለላ ከም ዘዕብዮ ይግለጽ።
ድሕሪ ናይ ሓምለ መረጻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 10,031 ሳዕ ናብ ኣስራሕቲ ምብጻሕ ተኻዪዱን 7,130 ማእሰርቲ ኣስዒቡን። ኣብ ቅድሚኡ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ 6,797 ምብጻሕን 4,734 ማእሰርትን ተኻይዱ።
መጠንን ጠቕላላ ዋጋን ዝተዋህበ መቕጻዕቲ እውን ወሲኹ ኣሎ።
ክሳዕ መጋቢት 2025፡ 2,171 መቕጻዕቲ ንኣስራሕቲ ከም ዝተዋህበን ብድምር 111 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዝዀነን ተገሊጹ። ኣብ ቅድሚኡ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 1,676 መቕጻዕቲ ተዋሂቡ፣ እዚ ድማ 31 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት እዩ።
ብዛዕባ ዒላማ ዝተገብራ ዓይነታት ትካላት ንግዲ ዝገልጽ ሓበሬታ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ሆም ኦፊስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ግን ኣብያተ መግቢ፡ ምምልኻዕ ጽፍሪን ህንጻን ጠቒሱ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ቶኒ ብሌር - ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዕዮ - መንግስቲ "ዘይሕጋዊ ስራሕ" ንምምካት ዝሕግዝ ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ድጂታላዊ መለለዪ ክተኣታቶ ጸዊዖም።
ኣብ ሓያሎ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዘሎ ድጂታላዊ መለለዪ መንነት፡ ሓደ ውልቀሰብ ፍቓድ ዕዮ እንተለዎ ንምፍታሽን ዘይሕጋዊ ዕዮ ንምቍጽጻርን ከም መሳርሒ ክውዕል ይኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ገለ ካብዘን ድጂታላዊ መለለዪ መንነት ዘለወን ሃገራት'ውን ዓቢይ ዘይወግዓዊ ቍጠባ ዘለወን ይመስላ። እዚ ድጂታላዊ መለለዪ መንነት ክሳዕ ክንደይ ኣብዚ መዳይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ሕጋዊ ቍጠባ?
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓተትቲ ዕቝባ፡ መልሲ ሕቶ ዕቝባኦም ኣብ ዝጽበይሉ እዋን፡ ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑ ካብ ኣብዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኸበደ እዩ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ውሳነ ንኽወሃቦም ልዕሊ ሓደ ዓመት እንተ ተጸብዮም ፍቓድ ዕዮ ክሓቱ ይኽእሉ።
እንተ ተፈቒዱሎም ድማ ኣብ ዝርዝር ደሞዝ ኢምግረይሽን ንዝርከቡ ዕዮታት ከመልክቱ ይኽእሉ። ክንደይ ሓተትቲ ዕቝባ ናይ ምስራሕ መሰል ከም ዝተዋህቦም ዝገልጽ ዝተሓትመ ኣሃዛት ዛጊት የሎን።
ብኣንጻሩ ኣብ ፈረንሳ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ዕቝባ ምሕታቶም፡ ፍቓድ ዕዮ ንኽወሃቦም ከመልክቱ ይኽእሉ።
ኣብ ኢጣልያ ድማ ድሕሪ 60 መዓልታት ስራሕ ክደልዩ ክጅምሩ ይኽእሉ።
ማድሊን ሳምፕሽን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ሚግረይሽን ኦብዘርቫቶሪ፡ "ብዙሓት ፖሊሲታት ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ተመሳሰልቲ ስለ ዝዀኑ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሕግታት መሰል ስራሕ ዝፈዀሰ ኣካይዳ ትኽተል ብዛዕባ ዝብል ሓሳብ ርግጸኛ ኣይኰንኩን። ክልተአን ሃገራት ምስ ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ዝዛመድ ጉዳያት ተመሳሳሊ ጸገማት እዩ ዘጋጥመን፡" ኢላ።
ቀጺላ፡ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ካብ ካልኦት ቋንቋታት ኤውሮጳ ብኣብዝሓ እንግሊዝኛ ስለ ዝዛረቡ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ዝርከቡ ቤተሰቦም ርክብ ስለ ዘለዎም ነታ ሃገር ክመርጹ ደፋኢ ረቋሒ ምዃኑ ገሊጻ።
ካልእ ዝተጠቕሰ ረቛሒ ድማ "ዓባይ ብሪጣንያ ጽብቕቲ ምዃና ዝገልጽ ሓፈሻዊ ጦብላሕታ" እዩ። እዚ ብሕልፊ በቶም ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ ሰባት ዝወሃብ ሓበሬታ እዩ።
ደገፍ መንግስቲ?
መብዛሕትኦም ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ድሕነት ሓገዝ (welfare benefits) ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። እንተዀነ፡ ውሳነ ኣብ ዝጽበይሉ እዋን ሕጋዊ ከለላ ይረኽቡ። ዓቕሚ እንተ ዘይብሎም ገዛን ካልእን ይወሃቦም።
ኣብ ባዕሎም ክምገብሉ ዝኽእሉ መንበሪ እንተ'ልዮም፡ ኣብ ሰሙን 49.18 ፓውንድ፣ መግቢ ኣብ ዝዳለወሎም መንበሪ ዝቕመጡ እንተዀይኖም ድማ ኣብ ሰሙን £9.95 ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።
ሓተትቲ ዕቝባ ብሓፈሻ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS) ብናጻ ክኣትዉ መሰል ኣለዎም። ክንክን ህጻናትን ቈልዑን ድማ ብናጻ ክረኽቡ ይኽእሉ።
ደቆም ድማ ናብ ናይ መንግስቲ ትምህርቲ ክልእኩ መሰል ኣለዎም። ኣብ ገለ ኵነታት ድማ ብናጻ ናይ ቤት ትምህርቲ መግቢ ክበልዑ ይኽእሉ።
እቶም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝደልዩ ኣብ ካሌ ዝርከቡን ኣብ ፈረንሳ ዕቝባ ዘይሓተቱን ስደተኛታት ደገፍ መንግስቲ የብሎም። እንተዀነ፡ ገለ ትካላት ግብረ ሰናይ ዝተወሰነ ሓገዝ ይገብራሎም እየን።
መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ እቶም ንሓተትቲ ዕቝባ ዝወሃቡ ጥቕምታት ናብተን ሃገራት ክኸዱ ደራኺ ስሕበት ኣይኰነን።
ኣብ 2021 ዩኒቨርሲቲ ኣልቦርግ ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ካልኦት ረቛሒታት ዝያዳ ኣገደስቲ ምዃኖም ይገልጽ፤ ዝለዓለ ስደተኛ ናይ ምቕባል ተኽእሎ ዘለወንን ምስ ስድራቤቶም ዝራኸቡለንን ሃገራት ከም ዝመርጹ ኣረጋጊጹ።
ካልእ ኣብ 2020 ብፕሮፌሰር ቲሞቲ ሃተን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኤሰክስ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ጽኑዕ ሕግታት ዶባትን ዝሑል መስርሓት ሕቶ ዕቝባን ዘለወን ሃገራት ተመረጽቲ ከይኰና ይገብረን። እቲ ንድሕነት ተባሂሉ ዝወሃብ ሓገዛት ብውሱን ደረጃ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ መረጻ ወሳኒ ከም ዘይኰነ ይገልጽ።
ደፋእቲ ረቋሒታትከ?
ንሰባት ካብ ሃገራቶም ወጺኦም ናብ ስደት ከማዕድዉ ዝደፍኦም ረቛሒታት ብቐንዱ ኣብ ዓዶም ብዝፍጠር ግጭታትን መንግስታዊ ዓፈናን ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብዝሒ ሓተትቲ ዕቝባ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ይፍለጥ።
ካብ 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ ከም ብዓል ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ስጳኛን ኢጣልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዕቝባ ዝሓቱ ሰባት በዚሖም። ኣብ 2024 እዘን ሃገራት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንላዕሊ ሕቶ ዕቝባ ተቐቢለን።
ገለ ኣገዳሲ ዓውደ-ጽሑፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ፡ ሕቶ ዑቕባ ኣዝዩ ወሲኹ።