እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባላት ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ኣመሪካ ስልጠና ዘበናዊ ሚሳይል ክወስዱ እዮም
ኣባላት ሰራዊት ዩክረይን ስልጠና ፓትርዮት ሚሳይል ኣብ ግዝኣት ኦክላሃማ ከምዝወስዱ ሰብመዚ ኣመሪካ ኣፍሊጦም።
ካብ 90 ክሳብ 100 ዝኾኑ ወታሃደራት ዩክረይን ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር ፎርት ሲል ክበጽሑ ምዃኖም ቤትጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ፐንታጎን ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ኣብ ወታሃደራት ኣመሪካ ስልጠና ከቢድ ብረት ዝወስዱሉ ማእከል ዝካየድ ስልጠና፡ ኣዋርሕ ዝወስድ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
እቲ ዘመናዊ ናይ ሚሳይል ስርዓት፡ ኣብቲ ምስ ሩስያ እተካይዶ ዘላ ኲናት መሰረታዊ ለውጢ ክፈጥር ምዃኑ ዩክረይን ገሊጻ ኣላ።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ዝኾነ ፓት ራይደር ድማ እቲ ሚሳይል “ንዓቕሚ መከላኸሊ ኣየር ዩክረይን ዘዕብን ህዝቢ ዩክረይን ካብ መጥቃዕቲ ኣየር ሩስያ ንባዕሉ ኣብ ምክልኻል ተወሳኺ ብቕዓት ዝፈጥርን እዩ” ኢሉ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣመሪካ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ንዩክረይን ባትሪ ፓትርዮት ሚሳይል ከምእትህባ ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ፓትርዮቲክ ሚሳይል እዋን ዝሓለፎ ክብል ዝተላገጸ ኮይኑ፡ ሰራዊት ሩስያ ብቐሊሉ ክሰብሮ ምዃኑን ገሊጹ።
ሚሳይላት ፓትርዮት፡ ካብ መሬት ዝትኮሱ ኮይኖም፡ ከም ክሩስ ሚሳይላት ዝኣመሰሉ ብኣየር ዝመጹ ፈጣን ዒላማታት ናይ ምውቃዕ ክእለት ኣለዎም።
ንሓደ ባትሪ እዚ ሚሳይል ንምጥቃም ሓደ ዓመት ዝሰልጠኑ 90 ወተሃደራት የድልይዎ።
ወታሃደራት ሩስያ ነቲ ስልጠና ብቕልጡፍ ክወስድዎ ከምዝግበር እኳ እንተተገለጸ፡ ንምውድኡ ገና ብዙሕ ኣዋርሕ ከምዝወስድ ይግመት። እቲ ስልጠና ብጽሑፍን ነቲ ኩነታት ተመሳስሎ ብዘለዎ ዲጂታላውን መገድን ዝወሃብ እዩ።
ጀርመን ንዩክረይን ስርዓት መከላኸሊ ፓትርዮት ከምእትህባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጻ ዝዝከር እዩ። ፈረንሳ እውን ፎከስቲ ታንክታት ከምእትልእኽ ኣፍሊጣ እያ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ብተመሳሳሊ ሃገሩ ናስማስ ዝተባህለ መከላኸሊ ሚሳይል ካብ ኣመሪካ ገዚኣ ንዩክረይን ከምእትህባ ትማሊ ሰሉስ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ሚሳይል ካናዳ ንዩክረይን እትህባ ፈላማይ መከላኸሊ ኣየር ኮይኑ፡ ኣስታት 406 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጽእ ተሓቢሩ። እዚ ድማ ካብቲ እታ ሃገር ንዩክረይን ንምሕጋዝ ቃል ዝኣተወቶ 500 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ እዩ።
ፓትርዮት ሚሳይል ኣብ ዓለም እቲ ዝማዕበለ መካላኸሊ ኣየር ኮይኑ፡ ሓደ ባትሪ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር የውጽእ።
ሰራዊት ሩስያ ቀንዲ ዒላማታቱ ከምዝኾኑ ተሓንዩ ኣሎ።