እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጽልዋ ምዕራባውያን ኣብ ኣፍሪቃ ላሕሊሑ ‘ሓድሽ ዓለም’ ይህነጽ ኣሎ - ኣምባሳደር ኤርትራ
ፈረንሳ እትርከበን ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረን ጽልዋ ይልሕልሕ ከምዘሎ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሩስያ ተዛሪቡ።
ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይ ምስ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ስፑትኒክ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፡ ብሰንኪ ፖሊሲ ኣሜሪካ፡ ኲናት ትግራይ ዳግም ክውላዕ ከምዝኽእል’ውን ኣጠንቂቑ።
ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ብሰንኪ ምትእትታው ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣንን ትካላትን መንግስቲ ኤርትራ እገዳታት ከምዘንበሩ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተ ጠሊቡ ጥራይ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዝወጹ እቲ ኣምባሳደር ከምዝገለጸ እቲ ሩስያዊ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።
ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ እታ ንህወሓት ትድግፍ'ያ ዝበላ ኣሜሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን ክጽውዓ ጸኒሐን’የን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2023፡ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝቐንዐ ተሪር ነቐፌታ ዝሓዘለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ነይሩ’ዩ።
“ኣብ ጐደቦና ብተመሳሳሊ ቅኒት፡ በንጻር ዝበለየ ኣጀንዳታቶም፡ ቅልውላው ንምንቛት ዘካይድዎ ሸርሓዊ ምትእትታዋት ዛይዱ’ዩ። ሂስተርያ ቅርሕንታዊ ተጻብኦኦም ኣንጻር ኤርትራ ኸኣ ይዓርግ ኣሎ” ክብል ኣቶ ኢሳይያስ ከሲሱ።
ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይ ነቲ ሩስያዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ምድኻም ጽልዋ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብታ ኣህጉር “ሓድሽ ዓለም” ፈጢሩ ከምዘሎን ብምምጓት ኣፍሪቃውያን “ብናጽነት ከስተንፍሱ” ዕድል ረኺቦም ኣለዉ ኢሉ።
ሩስያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዞባታት ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ምስ ገለ ሃገራት ወተሃደራዊ ምትሕግጋዛት ምጅማራ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ስክፍታ ኣስዒቡ ምህላዉ ይንገር።
ቻይና ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ኣፍሪቃ ዘማዕበለቶ እናሓየለ ዝመጸ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ምትእስሳር ንኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ኣሻቒልወን ይርከብ።
እዘን ዓበይቲን ሓያላትን ሃገራት ዓለም፡ ኣብታ ኣህጉር ዘለወን ጽልዋ ንምርግጋጽ፡ ነናተን ዋዕላታት ብምድላው ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ክዕድማ ይርኣያ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣሜሪካ ኣብ ዘአንገደቶ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንኤርትራ ዘይምዕዳማ፡ ነቲ ኣብ መንጐአን ዝጸንሐ ሓርፋፍ ዝምድና መሊሱ ዘጋድድ’ዩ።
ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ 2023 ኣብ ከተማ ሰንት ፒተርስበርግ ከተካይዶ ወጢና ዘላ ዋዕላ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ተዓዲመን ኣለዋ። ኤርትራ ከም እትሳተፍ’ውን እቲ ኣምባሳደር ኣረጋጊጹ’ሎ።
እቲ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ዋዕላታት ካብ ዘይሳተፍ ነዊሕ ዝገበረ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ ክርከብ ከምዝእኽል’ውን ኣሚቱ።
“መራሒ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዶብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት እንተ ተረጋጊኡ ኣብቲ [ዋዕላ] ክሳተፍ ይኽእል’ዩ” ክብል ንኣምባሳደር ጴጥሮስ ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ዝምድና ኤርትራን ሩስያን
እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጽሎን ጸቕጢን ከጋጥማ ዝጸንሐት ኤርትራ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ይግለጽ።
ምስ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ፡ ንሩስያ ኣብ ዝዅንን ውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ጸግዒ ሩስያ ካብ ዝሓዛ ሰለስተ ሃገራት ዓለምን እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገርን'ያ።
ሩስያ ብወገና፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝውሰን እገዳታትን ጸብጻባት ምግሃስ መሰላትን ክትቃወሞ ጸኒሓ’ያ።
ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ምትሕግጋዝ "ተሃስዩ" ምንባሩ ግን እቲ ኣምባሳደር ኣይሓብአን።
ሕቡራት ሃገራት ካብ 2009 ጀሚሩ ብምትብባዕ ገለ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ንጕጅለ ኣልሸባብ ትድግፍ'ያ ተባሂላ ዝተኸሰሰት እገዳ ኣንቢሩ ነይሩ። ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ሓቅነት የብሉን ብምባል'ያ ትነጽጐ ነይራ።
ኣብ ሓምለ 2018 ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝነበረ ኲነተ-ኲናት ዘወገደ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ድሕሪ ምፍራመን ግን፡ እቲ እገዳ ተላዒሉ።
ኤርትራ ምስ ሩስያ ዘለዋ “ወተሃደራውን ቴክኒካውን ምትሕግጋዝ ክትቅጽሎ” ምዃና ኣምባሳደር ጴጥሮስ ኣብሪሁ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዕደናን ምውጻእ ነዳዲን ሽርክነት ክምስርታ ድሌት ከምዘለወን’ውን ገሊጹ።
“ነዳዲ ክንረክብ ሩስያ ክትሕግዘና እትኽል እመስለኒ። ነዳዲ ከምዘለና ርግጸኛታት ኢና፤ ኵለን ጐረባብትና ነዳዲ ኣለወን። ኢትዮጵያ፡ ሱዳን። ስለምንታይ ፈጣሪ ንኤርትራ ኣይህባን. . .?
“ድሮ ወርቂን ካልእ ማዕድናትን ኣውጺእና ኣለና። ኤርትራ በዚኣቶም ሃብታም’ያ። ሩስያ ኸኣ ኣብ ዳህሳስ ናይዞም ማዕድናት ዓቢይ ግደ ክትጻወት ትኽእል’ያ” ከምዝበለ ስፑትኒክ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ብዘለወን ምትሕግጋዝ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሩስያ ይመሃሩ ኣለዉ። ዓመታዊ 20 ኤርትራውያን ይልኣኹ ከምዘለዉ እቲ ዲፕሎማሰኛ ጠቒሱ። እቶም ተመሃሮ ገሊኦም ብማህደረ ትምህርቲ ዝኸዱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ወጻኢታቶም ባዕሎም ዝሽፍኑ’ዮም።
ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይ ባዕሉ’ውን፡ ዩክረይን ኣባል ሕብረት ሶቬት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ከምዝተማህረ ገሊጹ።
ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ እታ ዓንዲ ማእከል ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝዀነት ሩስያ፡ ንስርዓት ደርግ ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ብምሃባ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንነዊሕ ዓመታት ብዓይኒ ጽልኢ ክርእዩዋ’ዮም ጸኒሖም።
ኤርትራ ኣብ 1993 ብመንገዲ ‘ረፈረንደም’ ልኡላውነታ ድሕሪ ምእዋጃ ግን፡ ሩስያ ካብተን ቀልጢፈን ኣፍልጦ ዝሃብኣ ሃገራት’ያ ነይራ።
እቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ሓወልቲ ተሰሪሑሉ ዘሎ ፍሉጥ ሩስያዊ ጸሓፋይ ኣለክሳንደር ፑሽክን'ውን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ባህላዊ ምትእስሳር ክህሉ ግደ ተጻዊቱ'ዩ።
መበቈል ናይቲ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ሩስያ ዝኸደ ኣቦሓጐ ፑሽኪን፡ ኣብራሃም ሃኒባል፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ካሜሩናውያንን ናትና ዝብልዎ ታሪኻዊ ሰብ'ዩ።