ኒጀር፡ 'ፈረንሳ ወጺኣ ሩስያ ክትኣቱ' ዝደልዩሉ ምኽንያት

ድሕሪ እቲ ኣብ ኒጀር ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ስምዒት ኣንጻር ምዕራባውያን ብዘርኢ መልክዕ፡ ኣብ ከብዲ ዓዲ እቲ ዝተገለፈ ፕርረዚደንት ነበር መሓመድ ባዙም፡ ሓደ ነጋዳይ ብባንዴራ ሩስያ ዘወቀበ ቲሸርት ገይሩ ብኹርዓት ይርአ።

እቲ ዕልዋ ካብ ዝፍጸም ንደሓር ምዕራባውያንን እቲ ስልጣን መንዚዑ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይልን ኣብ ናይ ቃላት ኲናት ኣለዉ።

ኣብ ቃልሲ እስላማውያን ዕጡቓት ውፉይ መሓዛ ምዕራባውያን ዝነበረ ባዙም፡ ድልዱል ቍጠባዊ ምትእስሳር እውን ነይርዎ።

ወተሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ ዝተተኸለላ ኒጀር፡ ብፍርያት ዩራንየም ካብ ዓለም ሻብዓይ ደረጃ ዝሓዘት እያ። እቲ ማዕድን ቀንዲ እታወት ኣጽዋር ኑክሊየር ኰይኑ ሓደ ርብዒ ሰደድ ናብ ኣውሮጳ ብፍላይ ፈረንሳ እዩ ዝኸይድ።

ጀነራል ዓብዱራሕማን ኣብ 26 ሓምለ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ዝዓልዎ ንደሓር፡ ባንዴራ ሩስያ ሃንደበት ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ተኸሲቱ።

ኣብቲ ኣብ ኒያመይ ብሰንበት ዝተኻየደ ሰልፊ ኣሽሓት ዝተሳተፉ ኰይኖም፡ ገሊኦም ባንዴራ ሩስያ ከንበልበሉ ተራእዮም፤ ገሊኦም ድማ ንኤምባሲ ፈረንሳ ኣጥቂዖም።

ሕጂ ድማ እቲ “ምንቅስቓስ” ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝጋፋሕ ዘሎ ይመስል።

ካብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ኣስታት 800 ኪሜ ርሒቍ ዝነብር፡ ንድሕነቱ ሽሙን ምስሉን ክግለጽ ዘይደለየ ነጋዳይ “ኣነ ደጋፊ ሩስያ እየ። ንፈረንሳ ኣይፈትዋን” ይብል።

“ካብ ቍልዕነተይ ጀሚሩ ንፈረንሳ ይቃወም ነይረ።

“ከም ዩራንየም፡ ነዳዲን ወርቅን ዝኣመሰለ ሃብቲ እታ ሃገር ጓሕጒሖምዎ እዮም። ድኻታት ኒጀር ግን ብሰንኪ ፈረንሳ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ'ኳ ክበልዑ ኣይከኣሉን።”

ኣብ ከተማ ዚንዳር ብሰንበት ዝተኻየደ ሰልፊ ኣሽሓት ከምዝተሳተፉ እቲ ነጋዳይ ይገልጽ።

ንሱ፡ ንሓደ ሰፋዪ ብናይ ሩስያ ሕብሪ ባንዴራ ቲሸርት ክሰርሓሉ ከምዝሓተቶ እውን ይዛረብ። ብደገፍቲ ሩስያ ዝተመወለ እዩ ዝብል ክሲ ግን ይነጽጐ።

ኣስታት 24.4 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኒጀር፡ ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቶም ክልተ፡ መዓልታዊ ኣታዊኦም ትሕቲ 2.15 ዶላር ኰይኑ ኣብ ሕሱም ድኽነት ይነብሩ።

ፕረዚደንት ባዙም ኒጀር ኣብ 1960 ነጻነታ ካብ እትረክብ ንደሓር፡ ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ዲሞክራስያዊ መረጻ እዩ መሪሕነት ተረኪቡ።

ኰይኑ ግን እቲ መንግስቲ ዒላማ ናይቶም ምስ ኣይኤስን ኣልቓዒዳን ርክብ ዘለዎም ኣብ በረኻ ሰሃራን ክፋል ሳሕልን ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ሚልሻታት ኰይኑ።

ብሰንኪ ጸቕጢ እስላማውያን ዕጡቓት፡ ባዕዳዊ ግዝኣታት ፈረንሳ ኣብ ዝነበራ ማሊን ቡርኪናፋሶን ኣብ ቀረባ ዓመታት ዕልዋ ተኻይዱ እዩ። ዕልዋ ዘካየዱ ኣባላት ሰራዊት ነተን ሃገራት ኣብ ቃልሲ ከምዝሕግዝ እዮም ዝገልጹ።

ልክዕ ከም ኒጀር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኲናት ኣንጻር ዕጡቓት ዝሕግዙ ወተሃደራት ፈረንሳ ነይሮምወን። ምስ ምውሳኽ መጥቃዕቲ እስላማውያን ዕጡቓት ግን ኣንጻር ፈረንሳ ዘቕነዐ ተቓውሞታት ወሲኹ፤ ህዝቢ ሰለስቲአን ሃገራት ፈረንሳ ኣብቲ ኲናት ዝግባኣ ተራኣ ኣይተጻወተትን ክብሉ ይኸሱ።

ወተደራዊ ሓይሊ ማሊ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ንሰራዊት ፈረንሳ ብምብራርን ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ክወጽኡ ብምድፋእን ዕሱባት ቫግነር ናብታ ሃገር ዓዲሙ።

ዋላኳ መጥቃዕቲ እስላማውያን ዕቱቓት ኣብ ማሊ ወሲኹ እንተሃለወ፡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ስልጣን ዝሓዘ ወታሃደራዊ ሓይሊ እውን ኣማኢት ሰራዊት ፈረንሳ ብምብራር ናብ ሩስያ ይጽጋዕ ኣሎ።

ኣብ መሪሕነት ፕረዚደንት ባዙም ኣብ ኒጀር ኣንጻር ፈረንሳ ዘቕንዑ ሰላማዊ ሰልፊታት ይኽልከሉ ነይሮም።

ኣብ መፋርቕ 2022 ካብ ማሊ ዝወጹ ወታሃደራት ፈረንሳ ኣብ ኒጀር ክዋፈሩ ፕረዚደንት ባዙም ድሕሪ ምፍቃዱ ድማ ካብ ሲቪል ማሕበራት እንከይተረፈ ተቓውሞታት መጺኡ።

ካብ ነሓሰ 2022 ድማ ሲቪክ ማሕበራት፡ ጎስጎስትን ማሕበራት ንግድን ኤም62 ዝበሃል ጥምረት ፈጢሮም ኣንጻር ምኽባር ዋጋ፡ ድኹም ምሕደራን ህላወ ሰራዊት ፈረንሳን ሰልፊ ተቓውሞታት ምክያድ ጀሚሮም።

መንግስቲ ንብዙሓት ሰልፊታት ብምእጋድን ብሓይሊ ንምብታንን ዝተንቀሳቐሰ ኰይኑ፡ መራሒ እቲ ተቓውሞ ንዝነበረ ዓብዱላየ ሰይዶ ን 9 ኣዋርሕ ኣሲሩ።

ኣባላት እቲ ጥምረት ኣብዚ እዋን ነቲ ዕልዋ ደጊፎም ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።

እቲ ጥምረት ምስቲ ዕልዋ ዘካየደ ሓይሊ ይዅን ምስ ሩስያ ርክብ ኣለዎ እንተዀይኑ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

እቲ ኣብ ዚንዳር ዘሎ ነጋዳይ፡ ሩስያ ንሃገሩ ከምእትሕግዛ በዓል ምሉእ ተስፋ እዩ።

“ሩስያ ብጸጥታን ምግብን ክትሕግዝ እደሊ” ይብል።

“ሩስያ ሕርሻና ንምዝማን ቴክኖሎጂ ክተቕርብ ትኽእል እያ።”

ኣብታ ከተማ ዝነብር ሓረስታይ ሞታካ ግን ንሓሳብ እቲ ነጋዳይ ብምቅዋም፡ እቲ ዕልዋ ንዅሉ ሰብ ሕማቕ ዜና ከምዝዀነ ይዛረብ።

“ምምጻእ ሩስያ ናብዚ ሃገር'ውን ኣይድግፎን፤ ምኽንያቱ ኵሎም ኣውሮጳውያን እዮም፡” ይብል።

“ሃገረይ ይፈትዋ እየ፤ ብሰላም ክነብረላ ከኣ ተስፋ ይገብር።”