እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕልዋ ኒጀር፡ ፕረዚደንት ባዙም ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ተራእዩ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ድሕሪ'ቲ ዕልዋ ንፈለማ ግዜ ተራእዩ።
እቲ መሓዛ ምዕራባውያን ሃገራት ምዃኑ ዝንረሉ ፕረዚደንት፡ ምስቲ ክበጽሖ ዝመጸ መራሒ ጎረቤት ሃገር ጫድ መሓማት ኢድሪስ ደብዒ ኢትኖ ኣብ ኒያሚ ተራኺቡ።
ምስ መራሕቲ ናይቲ ዕልዋ'ውን ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ጫድ፡ ነቲ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ተበግሶ ወሲዱ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
ድሕሪ'ቲ ዕለዋ፡ ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ዝነበረ ጀነራል ዓብዱራሕማን ትኪያኒ ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ከምዝኾነ ምእዋጁ ይዝከር።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ጉጅለ፡ ክልተ ሚኒስተራት ፕረደዚንት ባዙምን፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ገዛኢ ሰልፊን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።
መራሕቲ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ኒጀር ብዕልዋ ሰልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ ጕጅለ ስጕምቲ ከምዝወስዱ ኣጠንቂቘም ምህላዎም ይፍለጥ።
እቶም መራሕቲ፡ ነቲ ተኣሲሩ ዘሎ ፕረዚደንት ባዙም ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ናብ ስልጣኑ ክመልሶ ነቲ ጉጅለ ገደብ ግዜ ሂቦምዎ ኣለዉ።
ኣቐዲሙ እቲ ጕጅለ ብዞባዊ ሓይልታት ይዅን ብምዕራባውያን ሃገራት "ንኒጀር ንምትንኳይ ዝግበር ውጥን" ከምዝከላኸል ኣጠንቂቝ ነይሩ።
ብኻልእ ዜና፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ዕልዋ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ፈረንሳ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።
መራሕቲ ዞባዊ ጕጅለ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኢኮዋስ፡ ብሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ኣቡጃ ተራኺቦም ብዛዕባ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ተዘራሪቦም።
እቶም መራሕቲ ድሕሪ'ቲ ኣኼባ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኢኮዋስ ዕልዋ "ከምዘይጻወር" ኣፍሊጦም።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጠለባቱ እንድሕር ዘይተማሊኦም እቲ ዞባዊ ጕጅለ "ሕገ መንግስታዊ ስርዓት (ኣብ ኒጀር) ንምምላስ ዘድሊ ኵሉ ስጉምቲ ክወስድ እዩ፡" ኢሉ።
"እቲ ስጕምቲ፡ ሓይሊ ምጥቃም ዝሓወሰ ክኸውን ይኽእል" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ነቲ ኢድ ኣእታውነት ንምትላም ወተሃደራውያን ሓለፍቲ "ብህጹጽ" ክራኸቡ ምዃኖም ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ወኪልን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ሳሕልን፡ ኣብ ኒጀር ዘሎ ምዕባለታት ዘተሓሳስብ ብምዃኑ ኢኮዋስ ወሳኒ ስጕምቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ።
‘‘ኒጀር ግብረሽበራ ኣብ ምቅላስ ወሳኒ ተራ ኣለዋ፤ እዚ ተራኣ ደው እንተይሉ ኣብቲ ዞባ ግብረሽበራ ከስፋሕፍሕ እዩ" ዝበለ ዶ/ር ሊዮናርዶ ሳንቶስ፡ ኣብ መንጎ ኢኮስን ዕልዋ ዘካየደ ጕጅለን ዛጊት ብወግዒ ዝርርብ ከምዘይተጀመረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኢኮዋስ፡ ብዕልዋ ስልጣን ንዝጨበጠ ሓይሊ ንምውጋድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ከጠንቅቕ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋናት እዚ ንፈለማ እዩ።
እቲ ዞባዊ ጉጅለ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ንጋምብያ ዝመርሐን ኣብ 2017 ብምርጫ ተሳዒሩ ስልጣነይ ኣየረክብን ዝበለን ያሕያ ጃመ ንምውጋድ፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክውሰድ ወሲኑ ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን ሰራዊት ሰኔጋል ናብታ ሃገር ተዋፊሩ።
ፕረዚደንት ቻድ መሃማት ኢድሪስ ደብዒ፡ እቲ ዕልዋ ዘካየደ ጕጅለ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ንምሕባር ናብ ርእሰከተማ ኒያሚ ከምዝተጓዕዘ መንግስቲ ቻድ ገሊጹ ነይሩ።
መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ኒጀር ንግዳዊ በረራታት ነፈርቲ ከይካየድ፡ ምስታ ሃገር ዘዋስኑ ኵሎም ዶባት ክዕጸዉን ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ ገንዘባዊ ማዕቀብ ብቕልጡፍ ክትግበርን እውን ወሲኖም።
ቅድሚ እቲ ኣኼባ ፡ ጀነራል ትችያኒ ኢኮዋስ ኮነ ብሽም ዘይጠቐሰን ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ጣልቃ ከይኣትዋ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
በቲ ዕልዋ፡ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኒጀር ናብ ሩስያ ከይተዛዙ ተሰጊኡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባዙም ኣብ ምቅላስ ግብረሽበራ ምስ ሃገራት እቲ ዞባን ምዕራባውያንን ብቕርበት ክሰርሕ ጸኒሑ።
ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ እተን ሃገራት ምስ ሩስያ ተመሓዝየን ኣለዋ።
ኣብ ኒያሚ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳ ሰልፊ ካብ ዘካየዱ ደገፍቲ ዕልዋ ገሊኦም፡ "ነዊሕ ዕድመ ንሩስያ" ፣ "ነዊሕ ዕድመ ንፑቲን" ከምኡ'ውን "ውድቀት ንፈረንሳ" ክብሉ ተሰሚዖም።
ንቀጽሪ ኤምባሲ ፈረንሳ እውን ብሓዊ ኣቃጺሎም።
ፕረዚደንት ማክሮን ብግደኡ፡ ፈረንሳ ኣንጻር'ቲ ኣብ ኒጀር ዘለዋ ረብሓ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከምዘይትጻወርን ስጕምቲ ከምእትወስድን ኣጠንቂቑ።
ዕልዋ ኒጀር ብሃገራት ምዕራብ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ኰይኑ መራሒ ጕጅለ ቫግነር ግን ነቲ ስጕምቲ ንኢዱ።
የቭገኒ ፕሪጎዥን እቲ ኣብ ኒጀር ዘጋጠመ፡ ህዝቢ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቱ ዘካየዶ ቃልሲ ከምዝዀነ ምግላጹ ነቲ ጕጅለ ቅርበት ዘለዋ ናይ ቴሌግራም ቻነል ጸብጺባ፤ እንተኾነ ቢቢሲ ነቲ ጸብጻብ ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ኣየረጋገጾን።
ኣብ ማሊ ዕልዋ ዘካየደ ጕጅለ፡ እስላማውያን ሚልሻታት ኣብ ምውጋእ ዝሕግዝዎ ጉጅለ ቫግነር ኣምጺኡ ኣሎ።
ምስቲ ጕጅለ ዘይተቓደወት ፈረንሳ ድማ ወተሃደራዊ ማእከላ ናብ ኒጀር ኣዚራ።
መሪሕነት ማሊ፡ ንዓሰርተ ዓመት እስላማውያን ዕጡቓት ክከላኸሉ ዝጸንሑ ልዕሊ 12 ሽሕ ኣኽብርቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዝወሰነ ኰይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት እውን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ጠቕሊሉ ክውጽእ ተሰማሚዑ።
ፈረንሳ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ንኒጀር ዝገብርዎ ሓገዝ ደው ከምዘበሉ ኣፍሊጦም።