እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓሙሽተ ነገራት ብዛዕባ መራሒ ዕልዋ ኒጀር
ብስፍሓት ብሳጓ ስሙ፡ 'ዑመር ትኪያኒ' ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ።
እቲ ሙሉእ ስሙ፡ ጀነራል ዓብዱራህማነ ትኪያኒ ዝዀነ፡ መራሒ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ካብ ስልጣኑ ዘውረደ ወተሃደራዊ ጁንታ እዩ።
ብዛዕባኡ እንፈልጦም ሓሙሽተ ነገራት እነሆ።
እቲ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል ትኪያኒ ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ መሪሕነት ፍሉይ ሓለዋ ፕረዚደንት ነይሩ።
እዚ 700 ዝቑጸር ሓይሊ ዝሓዘ ብርቱዕ ሓይሊ፡ ቅድሚ እቲ ሕዚ ብዕልዋ ካብ ስንጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ዝነበረ - ፕረዚደንት ማሃማዱ ኢሱፉ፡ ካብ ወተሃደራዊ ዕልዋ ንምክልኻል ዓሊሙ ዝመስረቶ’ዩ።
ዑመር ትኪያኒ፡ ኣብ 2015 ኣብ ልዕሊ ሚስተር ኢሶፉ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ ብገበን ተጠርጢሩ ተኸሰሲሱ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ 2018 ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ካብ ተሳትፎ እቲ ፈተነ ነጻ ገይርዎ።
ሽዑ ንሽዑ፡ ኣብ 2018 ድማ፡ በቲ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ነበር ኢሶፉ ናብ መዓርግ ጀነራል ደይቡ።
ቅድሚ እቲ ናይ ሕዚ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ፕረዚደንት ባዙም ነቲ ጀነራል ንምእላይ ዓሊሙ ከምዝነበረ ሓበሬታ ኣሎ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ናቱ ምእላይ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ሓይልታት ጸጥታ ክገብሮ ዝጸንሐ ለውጢ መደብ ከምዝነበረ፡ ሓንቲ ናይታ ሃገር ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ‘ለኢንክዌተር’ ጸብጺባ።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ፡ ደረጃ ትምህርቱ ወይ ወተሃደራዊ ሞያኡ ብህዝቢ ዝፍለጥ ውሑድ ነገር እዩ።
ብዛዕባ እቲ ዕልዋ መንግስቲ
እቲ ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ምስ ኣየኖት ሃገራት ክስለፍ ምኳኑ ካብ ምዕራባውያን ስክፍታታት ኣሎ።
ጎረባብቲ ሃገራት ኒጀር ዝዀና፡ ቡርኪናፋሶን ማሊን ክልቲአን ካብ ናይ ገዛእ ርእሰን ዕልዋ መንግስቲ ጀሚረን ናብ ሩስያ ገጸን ይጥወያ ኣለዋ።
ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፕ ቦረል፡ ምስ ኣመሪካን ፈረንሳን ብምዃን ነቶም መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣፍልጦ ብምኽላእ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባርን ባጀታዊ ሓገዝን ንዘይተወሰነ እዋን ደው ይብል ከምዘሎ ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት ኒጀር ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ናብ መዓስከር ክምለስ ጸዊዑ።
ብዓርቢ ምሸት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቲ ዝተዓልወ ፕረዚደንት ባዙም ድሕሪ ናጽነት 1960 'ናይ መጀመርታ ዝተመርጸ መራሒ ኒጀር' ብምባል፡ እቲ "ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ሓገዝ" ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።
ይኹን'ምበር መራሒ ጉጅለ ዕሱብ ቫግነር ሩስያ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ‘ዓወት’ ክብል ድጋፉ ገሊጹ ኣሎ።