እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕልዋ ኒጀር፡ ጀነራል ዓብዱራሕማን ትኪያኒ መራሒ እታ ሃገር ምዃኑ ኣዊጁ
መራሒ ወተሃደራዊ ዕልዋ ጀነራል ዓብዱራሕማን ትኪያኒ ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እቲ ዑመር ትኪያኒ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዛዚ ኣሃዱ ሓለዋ ፕረዚደንት፡ ብረቡዕ ንፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ብምሓዝ'ዩ ነቲ ዕልዋ ጀሚርዎ።
እቲ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል ትኪያኒ ኣብ 2011 ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመደበ ኮይኑ፡ ኣብ 2018 ብፕረዚደንት ነበር ማሃማዱ ኢሱፉ ናይ ጀነራል ማዕርግ ዝተዋህበ'ዩ።
ኣብ ተለቪዢን እታ ሃገር ብምቕራብ፡ ብሰንኪ ኣብ ኒጀር ዘጋጠሙ ጸጥታዊ፡ ቁጠባዊ ጸገማት፡ ብልሽውናን ዝርከብዎም ጸገማት፡ እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ዕልዋ ከካይድ ከምዝተገደደ ተዛሪቡ።
እቲ ስጉምቲ ነቲ ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ ሰላማዊ ዶሞክራስያዊ ምስግጋር ዝቕልብስ ኮይኑ'ሎ።
ነቲ ዕልዋ ከምዘይቅበሎ ክገልጽ ዝቐነየ ፕረዚደንት ባዙም ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕተ ቁጽጽር እቶም ካብ ስልጣኑ ዝኣለይዎ ሓለውቱ ከምዘሎን ኩነታት ጥዕንኡ ደሓን ከምዘሎን ተገሊጹ'ሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዞባዊ ውድብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኢኮዋስ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣመሪካን ፈረንሳን ዝርከብዎም ወገናት ነቲ ዕልዋ ኮኒኖሞ ኣለዉ።
ሩስያ ድማ ናብቲ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ሃገራትን ዘቕረበኦ እቲ ፕረዚደንት ክፍታሕ ዝጠልብ ጻውዒት ተሓዊሳ ኣላ፡፡
ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ኒጀር ዝኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ ንዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ዝተወገደ ገዛኢ ሰልፊን መካይንን ብሓዊ ኣቃጺሎም፡፡
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጉጅለ፡ ካብቶም ናይ ሩስያ ባንዴራ ሒዞም ኣብ ኣፍደገ ፓርላማ እታ ሃገር ነቲ ዕልዋ ዘለዎም ደገፍ የርእዩ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ተፈልዩ ዝኸደ እዩ፡፡
ኣብዚ እዋን ሰራዊት እታ ሃገር ነቶም ንፕረዚደንት ባዙም ኣሲሮምዎ ዘለዉ ወታሃራት ደጊፉ ኣሎ፡፡
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ፕረዚደንት ኒጀር ኮይኑ ዝተመረጸ ወዲ 64 ዓመት ባዙም፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣንጻር እስላማውያን ሚልሻታት ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ቀንዲ መሓዛ ምዕራባውያን እዩ፡፡
ኣብታ ሃገር ወታሃደራዊ መዓስከር ዘለወን ኣመሪካን ብባዕዳዊት መግዛእቲ ተመሓድራ ዝነበረት ፈረንሳን ነቲ ዕልዋ ኮኒነን፡፡
ጸሓፊ ሚኒስር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሃገሩ ንፕረዚነደት ባዙም ዘለዋ ደገፍ ከምዘየቋርጽ ገሊጹ፡፡
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒጀር ዝነበሮ ንጥፈታት ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለ ሓቢሩ ኣሎ፤ ምኽንያቱ እቲ ዕልዋ ብዛዕባ ምዃኑ ግን ዝተገለጸ ነገር የለን፡፡
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን ፕረዚደንት ባዙም ‘‘ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነትን’’ ክፍትሕ ጸዊዑ፡፡
ፕረዚደንት ባዙም ብሓሙስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ነቲ ዕልዋ ከምዘይቅበሎ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ እውን ነቲ ፕረዚደንት ዝድግፍ ሰልፊ ክካየድን ዘተ ክግበርን ይጽዕር ኣሎ። ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ግና ኣብቲ ሰራዊት ደም ምፍሳስ ከየጋጥም ነቶም ዕልዋ ዘካየዱ ከምዝድግፍ ገሊጹ፡፡
ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኒያመይ፡ ዕዳጋታትን ድኳናትን ተኸፊቶም ዘለዉ ኮይኖም፡ ድሕሪ እቲ ንጉሆ ዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ደገፍቲ ዕልዋ ናብ ጎደናታት ምውጻእ ጀሚሮም፡፡
ገለ ካብቶም ኣብ ኣፍ ደገ ሃገራዊ ባይቶ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ባንዴራ ሩስያ፡ ገሊኦም ድማ ‘‘ምስ ፈረንሳ ውረድ’’ ከምኡ እውን ‘‘መዓስከራት ወጻኢ ይውጽኡ’’ ዝብል ጭርሖ ሒዞም ተራእዮም፡፡
ፖሊስ ነቶም ንቤት ጽሕፈት ገዛኢ ሰልፊ ዘቃጸሉ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ክብተኑ ገይሩ፡፡
ደገፍቲ እቲ ዕልዋ፡ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ብብልሽውና፣ ጸጥታ እታ ሃገር ክመሓየሽ ሓላፍነቱ ብዘይምውጻእን ምንቅስቓስ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ደው ክብል ብዘይምግባርን ይኸሱዎ፡፡
ጎረቤት ሃገራት ማሊን ቡርኪና ፋሶን ምስ እስላማውያን ዕጡቓት ብዝተሓሓዝ ዕልዋ ተኻይዱወን እዩ፡፡
ኣብ ክልቲአን ሃገራት ስልጣን ዝሓዙ ወታሃደራዊ መራሕቲ ምስ ፈረንሳ ዝነበሮም ርክብ ብምብታኽ ናብ ሩስያ ተጸጊዖም፡፡
ሓደ ካብ ደገፍቲ ሩስያ ዝኾነ ናይ ቴሌግራም ቻነል፡ ነቲ ዕልዋ ብምድጋፍ ሩስያን ዋግነርን ናብ ኒጀር ክኣትዉሉ ዝኽእል ዕድል ከምዝኾነ ገሊጹ፡፡
እንተኾነ ንግዚኡ፡ ሩስያ ኣብቲ ዕልዋ ተሳትፎ እንተሃልዩዋ ዘርእይ መረዳእታ የለን፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቨሮቭ፡ ኣብ ኒጀር ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክምለስ ከምዝጸወዐ ንወኪል ዜና ሩስያ ታስ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋናት ገለ ጉጅለ ሲቪል ማሕበራት ኒጀር፡ ሃገሮም ምስ ፈረንሳ ዘለዋ ቅርበት ብምግዳፍ ምስ ሩስያ ክትመሓዞ ክጽውዑ ጸኒሖም፡፡
እቲ ዕልዋ ዝፈጸመ ጉጅለ፡ ዶባት እታ ሃገር ከምዝተዓጸዉ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ ነፋሪት ብምዕራፋ ንፈረንሳ ወቒሱ፡፡
ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ወታሃደራዊ ዕልዋ ከምዝተኻየደ ዝኣወጀ ኮሎኔል ማጅ ኣማዶ ኣብድራማኔ፡ ካብ እዋን ናብ እዋን እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታ እታ ሃገር፣ ድኹም ቁጠባን ምሕደራን ከም ምኽንያት ጠቒሱ፡፡