እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ፈተነ ዕልዋ' ኒጀር፡ ፕረዚደንት ባዙም ብሓለውቱ ተታሒዙ
ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም በቶም ንመንበሪ ገዝኡ ከቢበሞ ዘለዉ ሓለውቱ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሓቢሮም።
እቲ ኩነታት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝኾነ'ኳ ይግለጽ እንተሎ፡ ዛጊት ዝተሰምዐ ድምጺ ጥይት የለን።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ "ዘይቅቡል" ክብል ዝገለጾ ስጉምቲ ኮኒንዎ'ሎ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም "ኣንጻር ሪፓብሊክ" ምዃኖም ዝገለጾም ሓለውቲ ደገፍ ሰራዊት ንምርካብ ዝገበርዎ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ይጠቅስ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምንጪ ንኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ብስምዒት ዝተደፋፍኡ" ወተሃደራት ዝፈጸምዎ'ዩ ኢሉ።
ጸብጻባት ካብታ ሃገር ከምዝሓበርዎ፡ ቅድሚኡ መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ መሓመድ ኢሶፉን ካልኦት ፕረዚደንት ነበርን፡ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ጻዕርታት ኣካይዶም ነይሮም። እቲ ዝርርባት ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ግን ኣይተረጋገጸን ዘሎ።
ናብቲ ፕረዚደንት ቅርበት ኣለዎ ዝተባህለ ምንጪ ንኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ግን፡ እቲ ልዝብ ምስፈሸለ፡ እቶም ሓለውቲ ብሰራዊት እታ ሃገር መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።
"ሰራዊትን ሓለዋ ዶብን ንኸጥቅዑ ተዳልዮም ኣለዉ" ዝበለ ናይ ትዊተር ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ "ፕረዚደንት እታ ሪፓብሊክን ቤተሰቡን ድሓን ኣለዉ" ክብል ይገልጽ።
ዞባዊ ውድብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ 'ኢኮዋስ' ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ "ፈተነ ዕልዋ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ብሓይሊ ስልጣን ምሓዝ ብትሪ ከምዝኹንኖ" ኣፍሊጡ።
እቶም ነቲ ስጉምቲ ዝወሰዱ ወገናት ክሕተቱ ምዃኖም'ውን እቲ ውድብ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ፈረንሳን ሕብረት ኣውሮጳን'ውን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኮኒኖሞ ኣለዉ።
ጎረባብቲ ሃገራት ማሊን ቡርኪ-ፋሶን ኣብዚ ቀረባ እዋን መጥቃዕትታት ጂሃዳውያን ጉጅለታት ዘንቀሎ ዕልዋ መንግስቲ ምእንጋደን ይፍለጥ።
ብተመሳሳሊ፡ ኒጀር'ውን ብወገን ደቡባዊ-ምዕራብ ካብ ማሊ፡ ከምኡ'ውን ብደቡባዊ-ምብራቕ ካብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ናይጀርያ ብዝብገሱ እስላማውያን ዕጡቓት ጂሃዳዊ መጥቃዕትታት ከጋጥማ ጸኒሑ'ዩ።
ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝጨበጡ መራሕቲ ማሊን ቡርኪፋሶን፡ ነታ ገዛኢት እተን ሃገራት ዝነበረት ፈረንሳ ሕቖኦም ብምሃብ ምስ ሩስያ ሕግብግብ ክብሉ ይራኣዩ።
ብኣንጻሩ ግን እቲ ኣብ 2021 ብደሞክራስያዊ መረጻ ናብ ስልጣን ዝደየበ ፕረዚደንት ባዙም መሓዛ ፈረንሳን ሃገራት ምዕራብን ምዃኑ ይንገረሉ።
እታ ሃገር ኣብ 1960 ካብ ፈረንሳ ናጻ ካብ እትወጽእ ጀሚሩ፡ ሓያለ ዕልዋ መንግስቲ ዝራየት'ያ።
እቲ ዝቐረበ ካብቶም ዕልዋታት ድማ እቲ ኣብ 2010 ዝተኻየደ ንፕረዚደንት ማማዱ ታንጃ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ምንባሩ ይዝከር።