ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር: ፕረዚደንት ባዙም ካብ ስልጣኑ ከምዘይወርድ ኣፍሊጡ

ኣብ ርእሰከተማ ኒያሚ፡ ደገፍቲ ዕልዋ መንገስቲ ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ንቀንዲ ቤትጽሕፈት ገዛኢ ሰልፊ ብሓዊ ከምዘቃጸልዎ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ዕልዋ ምሉእ ብምሉእ ደጊፍዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓለውቱ ዝኣተወ ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘይቅበሎ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ ነይሩ።

ብረቡዕ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከቢቦም ዝወዓሉ ሓለውቱ ዝርከብዎም ወተሃደራት ዕልዋ ብምፍጻም ስልጣን ከምዝተቖጻጸሩ ኣማስያኦም ገሊጾም።

እቶም ወተሃደራት ኣብ መግለጺኦም፡ ሕገ-መንግስቲ ኣፍሪስና፡ ኵለን ትካላት ኣደስኪልና፡ ዶባት እታ ሃገር’ውን ዓጺና ኣለና ኢሎም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ እቲ ዕልዋ ደገፍ ሰራዊት የብሉን'ኳ እንተበለ፡ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ግን ነቶም ዓለውቲ ከምዝደግፍ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ መሓዛ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኾነ ፕረዚደንት ባዙም ካብ ትማሊ ረቡዕ ኣጋ ምሸት ኣትሒዙ ብወተሃደራት ሓለዋ ቤተ-መንግስቲ ተታሒዙ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝርከብዎም ወገናት ነቲ ዕልዋ ብምኹናን ነቲ ብደሞክራሲያዊ ምርጫ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ ኣለዉ።

ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብታ ብማዕድን 'ዩራንዮም' (ኣብ ምምዕባል ኑክሌራዊ ኣጽዋርን ጸዓትን ዝውዕል) ሃብታም ዝኾነት ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከራት ከምዘለወን ይፍለጥ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንፕረዚደንት ባዙም ብተሌፎን ከምዝረኸቦ ብምግላጽ ኣመሪካ "ነቕ ዘይብል ደገፍ" ከምእትገብረሉ ቃል ኣትዩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን ምስ ፕረዚደንት ባዙም ከምዝተዘራረቡን ምሉእ ደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝግበረሉን ገሊጹ።

ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም፡ ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣንጻር እስላማዊያን ዕጡቓት ዝግበር ቃልሲ ቀንዲ መሻርኽቲ ምዕራባውያን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ማሊን ቡርኪናፋሶን ጂሃዳዊ ምንቅስቓሳት ዝፈጠሮ ቅልውላው ዝመበገሲኡ ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢምወን እዩ።

ኣብ ክልቲአን ሃገራት - ማሊን ቡርኪናፋሶን - እቶም ስልጣን ዝጨበጡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ምስታ ናይ ቀደም ገዛኢት ሃገር ዝነበረት ፈረንሳ ተባቲዀም እዮም።

ኣብ ማሊ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣንጻር ጂሃድዊ ምንቅስቓሳት ንምሕጋዝ ብዝብል ብብዝሒ ኣባላት ጕጅለ ቫግነር ከምዝተዋፈሩ እዩ ዝንገር።

እዚ ኣብ ኒጀር ተፈጢሩ ዘሎ ናዕቢ፡ ብሰንኪ’ቲ ህላወን ወተሃደራዊ ስርሒታት ቫግነር ኣብቲ ከባቢን፣ ኣብ ምዕራባውያን ተፈጢሩ ዘሎ ጭንቀት ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ዝመጽአ እዩ።

ጽልዋ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ንምስፋሕ ድሌት ዘለዎም ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ካብ ሓሙስ 27 ሓምለ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ የአንግድ ኣሎ።

ቍጠባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ - ኢኮዋስ - ኣብ ኒጀር ዝተገብረ "ስልጣን ብሓይሊ ናይ ምምንዛዕ ፈተነ” ብትሪ ከም ዝዅንኖ ገሊጹ።

ንተልእኾ ሽምግልና ንኢኮዋስ ወኪሉ፡ ፕረዚደንት ቤኒን ፓትሪስ ታሎን ናብ ርእሰ ከተማ ኒያሚ ኣምሪሑ’ሎ።

ፕረዚደንት ታሎን፡ ኣብ ኒጀር ቅዋማዊ ስርዓት ንምምላስ “ኵሉ ተኽእሎታት" ክግበር እዩ፡ "እቲ ዝመችአ ግን ኵሉ ብሰላምን ስኒትን ምስ ዝግበር እዩ" ኢሉ።

ብረቡዕ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ርእሰ ከተማ ኒያሚ ተኣኪቦም ደገፎም ነቲ ፕረዚደንት ክገልጹ ተራእዮም ኣለዉ። ሪፖርተር ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መንግስታዊ መደበር ፈነወ ዜና፡ ንፕረዚደንት እሙናት ዝዀኑ ዕጡቓት ዓሪዶም ተራእዮም።

ዋላ’ኳ እቶም ኣብ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ነቲ ተቓውሞ ንምብታን ተዅሲ እንተኸፈቱ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ግን እታ ከተማ ሰላማዊት እያ ነይራ።