እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ደገፋ ነቲ ዝተዓለወ ፕረዚደንት ኒጀር ምዃኑ ኣነጺራ
ኣሜሪካ ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ዘይተሓለለ ድጋፍ ከምእትገብረሉ ኣፍሊጣ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ሰሙን፡ ኣዛዚ ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ጀነራል ዓብዱራሒም ቲክያኒ ኣብ ልዕሊኡ ብዘካየዶ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንባዙም ኣብ ቀይዲ ንዘእተዉ ሰባት መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃብ፡ ብኣማኢት ሚልዮን ዶላራት ዝቝጸር ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጹ።
መራሒ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝኾነ ጀነራል ቲክያኒ መራሒ እታ ሃገር ከምዝዀነ ብወግዒ ኣዊጁ’ሎ።
መሓመድ ባዙም ሃገሩ ኒጀር ናጽነታ ካብ ዝኣወጀትሉ 1960፡ ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመርጸ እንኮ ፕረዚደንት እዩ።
ንሱ፡ ኣንጻር ጥሩፋት ዕጡቓት እስልምና ኣብ ዝግበር ስርሒታት ቀንዲ መሻርኽቲ ምዕራባውያን ሃገራት ከምዝዀነ ዝፍለጥ ኰይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሓለውቱ ተኣሲሩ ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኵነታት ከምዝርከብ’ዩ ዝእመን።
ኣንቶኒ ብሊንከን ንካልኣይ ግዜ ምስ ባዙም ኣብ ዝገበሮ ርክብ ተሌፎን፡ ምምሕዳር መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኒጀር ሕገ መንግስታውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ክሳዕ ዝምለስ ድጋፍ ከምዝገብር ኣረጋጊጽሉ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ቅድሚ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም መራሒ እታ ሃገር ንዝነበረ መሓመድ ኢሰፋሃን ደዊሉ ብምዝርራብ፡ “ንባዙም ኣብ ቀይዲ ዘእተዉ ሰባት ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝተሃነጸ ሰናይ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ዝዘርግን ብሚልዮን ዶላራት ዝቝጸር ረድኤት ናብ ሓደጋ ዘእተወን’ዩ” ከምዝበሎ ወሃቢ ቃል ማት ሚለር ገሊጹ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መሓመድ ባዙም ብዘይ ዝዀነ ቅድመ ኵነት ክፍታሕን ካብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ወጻኢ፡ መንግስቲ ንምቕያር ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ኮኒኑ።
ባዕዳዊ ገዛኢት ኒጀር ዝነበረት ፈረንሳይ ብወገና፡ ነቶም ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዙ ወተሃደራት ኣፍልጦ ከምዘይትህብን ንመሓመድ ባዙም ጥራይ ከም መራሒ ከምእትቕበልን ኣፍሊጣ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ተመሳሳሊ ዕልዋ መንግስቲ ተኸሲቱ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን እንደገና ኣብ ኒጀር ካልእ ተግባር ዕልዋ መንግስቲ ምፍጣሩ ንዞባ ሳሕል ናብ ዘይተደለየ ቅልውላው ከየምርሖ ተሰጊኡ’ሎ።
እቲ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ምሉእ ብምሉእ ተዀኒኑ’ዩ።